Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኣስመራ ተኹሲ፡ ህድማን ግፋን።   

By   /  February 11, 2018  /  Comments Off on ኣብ ኣስመራ ተኹሲ፡ ህድማን ግፋን።   

    Print       Email
 ኣብ ዞባ ማእከል ብዝተፈጥረ ተኹስን ግፋን ህዝቢ ከምዝተኸላበተ፡ ክልተ ከም ዝተኣስሩ ሓደ ከም ዘምለጠ ኣረጋጊጾም። ነቲ ፍጻሜ ብኸምዚ ይገልጽዎ።
ሓደ ካብ ምክልኻል ሰራዊት ዝኾብለለ ኣብ ጸሎት ዝተዓደለ መሬት ጤሳ ተሰሪሑ ዘሎ ሓደስቲ ገዛውቲ ተኻርዩ ይቕመጥ ነይሩ። ሓለፍቱ ምክትታል ገይሮም ካብ ዘለዎ ቦታ ኣሲሮም ከምጽእዎ ትእዛዝ ሂቦም ክልተ ዕጡቓት ሰብ ብረት ሰዲዶሙሉ።
ዕለት 09/ የካቲትት ዓርቢ ምሸት፡ ንሳቶም ሰዓት 5፡ 00 ናይ ኣጋ ምሸት፡ እቲ ዝኾብለል ተኻርዩ ዝነበረሉ ገዛ መጺኦም ክወስዱዎ ፈቲኖም። ንሱ ፈንጢሱዎም ምስ ከደ ደድሕሪኡ እናሰዓቡ መፈራርሒ ሓሙሽተ ጥይት ንላዕሊ ተኲሶም። ናይ’ቲ ከባቢ ነበርቲ ህዝቢ ድምጺ ተዂሲ ሰሚዖም  እንታይ ተረኽበ ኢሎም ምስወጹ፡ እዞም ደቀይ ቆልዓ ሰበይቲ ዘለዎ ገዛውቲ ጥይት ምትኳስ ህዝቢ ኣይተሰንብዱ ስለዝበሉዎም እቶም ንዝኾብለለ ክወስዱ ዝመጹ ክልተ (2) ሰባት ነቲ ቦታ ገዲፎሞ ንድሕሪት ተመሊሶም።
ነዊሕ ግዜ ከይጸንሑ ግና ካብ ቀሓውታ ሰራዊት መጺኡ ገዛ ገዛ እናፈተሹ ብኣልማም ግፋ ኣካይዶም። ንሓደ ብዕረፍቲ ዝመጸ ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ዘለዎ ኣባል ምክልኻልን ንሓደ ናይ ዕድመ ጸጋ ዘለዎም ኣረጊት ኣቦ ኣሲሮም ወሲዶሞም። እቶም ኣቦ ብተዂስን ገዛ ገዛ ምፍታሽ ህዝቢ ኣይተሰምብዱ ስለዝበሉ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ነበርቲ ኣሲሮሞም። ህዝቢ ብዓይኑ ዝረኣዮ ብእዝኑ ዝሰምዖ ፍጻሜ ስለዝኾነ  ካብ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ህዝቢ ምስክርነቶም ከምዝሃብሉ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም ።
    Print       Email

You might also like...

ግፋ ተመሃሮ ኣብ ከተማ ከረን

Read More →