Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ልዕሊ እምነታትን ክብርታትን ተኣዊጁ ዘሎ ኩናት ህግደፍ ኪምከት ይግባእ። 

By   /  February 6, 2018  /  Comments Off on ኣብ ልዕሊ እምነታትን ክብርታትን ተኣዊጁ ዘሎ ኩናት ህግደፍ ኪምከት ይግባእ። 

    Print       Email

ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ዓመጽ በብእዋኑ ክዝረበሉን ንፍታሑ ክዝተን ጸኒሑ ኣሎ። ኣብዚ ዘተ እዚ ብዙሕ እዋን ዝዝርዘር ዘሎ እቲ ኣብ ስጋዊ ሰብነትን፡ ኣብ ዝድህሰስን ዝጭበጥን ሸነክ ዝወርድ ዘሎ ስቓይን ዓመጽን ኢዩ። ዝርሳዕ ዘሎ ካልእ ሸነኽ ናይቲ ስቓይ እቲ መፈሳዊን ረቒቕን ክፋል ናይቲ ዓመጽ ኢዩ።

ሳዲስት መራሒ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ እምነታት፡ ብጽእና ስድራቤታት፡ ማሕበራዊ ክብርታት ዝፈጸሞ ግዕዘይ ከቢድ ኢዩ። ስለዝኾነ ስድራቤታት ተበታቲነን፡ ኣማኒ ናብዝደለዮ እምነት ከየምልኽ ተኣጊዱ፡ መንእሰያት ኮነ ኢልካ ከምዝብረዙን ዝደሃሉን ይገብር ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ነዚ ብድሆ ከም ቀንዲ ዕማም ርእዩ፡ ስድራቤታትን ሕብረተሰባዊ ክብርታትን ንምዕቃብ ኪጽዕር ይግባእ። እምነት መሰረት ስነምግባርን መንገዲ ሓቅን ስለዝኾነ ህዝቢ ኣብ ዝኣምነሉ ሃይማኖት ኪደንን፡ ነቶም ሰይጣናዊ መንፈስ ዝሕብሕቡ ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ብትሪ ክኹንን ይግባእ።

ብሓጺሩ ማዕረቲ ኣንጻር ስጋዊ ዓመጽን ኣካላዊ ዕንወትን ዝግበር ቃልሲ፡ ንኽብረት እምነታት፡ ንልዕልና ስድራቤት ኣብ ሃገር፡ ንምዕቃብ ባህልን ያታን ዝግባእ ቃልሲ ኪካየድ የድሊ።

ኣምላኽ/ኣላህ ንሃገርና ኤርትራ ይባርኽ!

    Print       Email

You might also like...

ግፋ ተመሃሮ ኣብ ከተማ ከረን

Read More →