Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ቃልሲ ንለውጢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ

By   /  February 1, 2018  /  Comments Off on ቃልሲ ንለውጢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ

    Print       Email

ለውጢ ንምምጻእ ዝነቐሉ ብርክት ዝበሉ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተወዳዲቦም ኣለዉ። እቲ ዝሓየለ ጎኒ ናይዞም ምንቅስቓሳት ካብ ውሽጢ ዝብገሱ፡ ኤርትራ ብናይ ደገ ኣእዳው ኪትጥምዘዝን ክትበታተንን ዘየፍቅዱ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ድሕነት ሃገር  ዘገድሶም ኢዮም።

እቶም ምንቅስቓሳት ዝበዝሑ ብመንእሰያት ዝካየዱ ኢዮም። ብርክት ዝበሉ ኣብ ርእሲ ሙኻኖም ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት ነንሕድሕዶም ዘይፋለጡ ኢዮም። ብመሰረት ዘቕረብኩሞ ሕቶ ነቲ ዘጋጥም ብድሆታት ንምእላይ ኣብ እተካይድዎ ቃልሲ ዝሕግዙ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ነቕርብ።

1 ምንጻር ዕላማ፤ምፍላይ ናይ ርሕቕን ቀረባን ስትራተጂ፡ ብኡ መሰረት ድማ ቀዳምነታት ምስራዕን ብኡ ምስራሕን፡

2 ብዉሑዱ ኣብቲ ናይ ሓባር ዕላማ ማለት ምእላይ ዓመጸኛ ስርዓትን፡ ምብቃዕ ስቓይ ህዝብን ሓቢርካ ምስራሕ፡

3 ተቓውሞ ውሽጢ ዝመስሉ ግን ከኣ ብመንግስቲ ብፍላይ ድማ ብትካላት ሃገራዊ ድሕነትን ህግደፍን ዝብገሱ መንእሰያትን ዓበይትን ምህላዎም ኣብ ግምት ብምእታው ከይትሱሎኽ ተጠንቂቕኻ ምስራሕ፡

4  ብደገ ዝመጽእን ዝደፋፋእን ለውጢ ንሃገርና ጥዕና ዝህብ  ስለዘይኮነ፡ ካብ ግዳማዊ ምትእትታውን ንኤርትራ ዝበታትን ስጉምታት ኣመና ምጥንቃቕ፡

5 ውዳበታት ጸቢብን ንደገ ዘይተቓለዐን ንምግባሩ ምጽዓር፡ ኣብ ኩሉ ኣካላት መንግስቲን ግንባርን ተገይሩ ዘሎ መርበብ ናብ ዋህዮታት ስራሕ ምቕያር፡

ዓወት ነቲ ኣብ ውሽጢ መጋርያ ኮይኑ ንፍትሒ ዝቃለስ ዘሎ ምንቅስቓሳት!

    Print       Email

You might also like...

ግፋ ተመሃሮ ኣብ ከተማ ከረን

Read More →