Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ፈጢሩ ይዝርግሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  January 14, 2018  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ፈጢሩ ይዝርግሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ፤ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ኩነታት ግብጺን ኢትዮጲያን ተኣሳሲሩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ህዝቢ ከይፈልጦ ኮነ ኢሉ ሓበሬታ ዓፊኑ ምህላዉ ተፈሊጡ። ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይበሃል ኣሎ ክብል ክውዕል መታን ባዕሉ መንግስቲ ብ03 ጌሩ ተገራጫዊ ዜና እንዳዘርገሐ፡ ህዝቢ ኣየናይ ኢዩ ሓቂ ኣየናይ ኢዩ ሓሶት ኪሓስብ ከምዝውዕል ይገብሮ ምህላዉ እቲ ካብ ውስቲ ዝመጸ ሓበሬታ ኣረዲኡ። በዚ መሰረት ወያነ ብዓሰብ ተበጊሳ፡ ግብጺ ኣብ ሳዋ ኣትዮም፡ ግብጺ ኣይኣተዉን፡ውግእ መጺኡ፡ውግእ የለን፡ ውግእ ቀሪቡ እንዳበለ ህዝቢ ምሽቓል ስረሐይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ገለ ካብቲ ኣብዚ ቅንያት እዚ መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ንምሽቓል ዘካይዶ ዘሎ ተግባራት ኣባላት 31 ዙርያ ናብ ኮለጃት ከምዘይኣትዉ ምግባር፡ ብ03 ጌሩ ወያነ ብዓሰብ ኪወሩና ኢዮም ኢሉ ወረ ምርጋሕ፡ ሰራዊት ኣብ ሸቐልቀል ከምዝህሉን ናይ ኩናት ሃውሁው ከምዝስመዖን ምግባር፡ ኣብ ከባቢ ማይተመናይ ዝነበረ ብኽሻን መሸማዕን ዝተሰርሐ እንዳ ሻሂታት ምፍራስ፡ ነጋዶ ቅሳነት ከምዝስእኑ ምጽዓር፡ ሓለፍቲ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይረኽቡ ምግባር፡ ንነዊሕ እዋን ባዕሉ ኣብ ስራሓት ስግረ ዶብ ኣዋፊርዎም ዝነበረ ምእሳር፡ ፈይስቡክንመሰንጀርን ምዕጻው፡ፊኖን ዘይትን ምኽባር፡ ቢራ ዋጋታት ኣጉዲልካ ዝርካቡ ሰብ ብኣልኮል ዝተጠቐዐ ምግባር ወዘተ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ዝገብሮ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ኩሉ መዓት ኣውሪድዎ ዘሎ እቲ ብዘይስልጣን ኪነብር ዘይክእል ፕረዚደንት ኢሳያስ ሙኻኑ ፈሊጡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዘይመሰረታውይናንን ዘይእዋናዊን ጉዳያት ዘተኩር ነቲ ናብዚ ኩነታት ሸሚምዎ ዘሎ ስርዓት ዝቕይር ህዝባዊ ናዕቢ ከካይድ ከምዝግባእ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ኤርትራ ምእንቲ ስልጣን ናይ ሓደ ሰብ ተባሂሉ ምስ ሱዳን ይኹን ምስ ካልእ ሃገር ኣብ ውግእ ክትኣቱ ከምዘይግባእ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡ ሎሚ ኤርትራ ከም ናይ ውልቁ ንብረት ድላዩ ዝገብራ ንዘሎ ኢሳያስ ህዝቢ ይኣክል ብደም ደቅና ምጽዋት ኪብሎ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኣባላት 29 ዙርያ ኣብ ማህሚመት ሕጂ ድማ 31 ዙርያ ኣብ ኣጻምእ ማርሳ ፋጥማ ተደርብዮሙሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ደቁን ደቂ ደቁን ሒዙ ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣብ በዓል 7 ኮኾብ ሆቴል ኪዛወር፡ ደቁን ደቂ ደቁን ኣብ ክቡር ዱካናት ባህ ዝበሎም መጋየጺ ኪዕድጉ ምርኣይ ዘሕዝን ሙኻኑ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፡ ኤርትራ ምእንቲ ስልጣንን ሃብቲን ሓንቲ ስድራቤት ናብ ኢማራትን ግብጽን ኪትሽየጥ፡ ደም ደቃ ኣብ ፈቐድኡ ኪከዓው ህዝቢ ፍቓደኛ ኪከውን ከምዘይግባእ ገሊጾም።

    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ፈጢሩ ይዝርግሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →