Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መንግስቲ ሱዳን ዛጊት 11 ኤርትራውያን ዜጋታት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሰለይቲ ኢኹም ብዝብል ክሲ ከምዝኣሰረ ተሓቢሩ። 

By   /  January 7, 2018  /  Comments Off on መንግስቲ ሱዳን ዛጊት 11 ኤርትራውያን ዜጋታት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሰለይቲ ኢኹም ብዝብል ክሲ ከምዝኣሰረ ተሓቢሩ። 

    Print       Email
ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ዝምድና ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ በጺሑሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ መንግስቲ ሱዳን 8 ኣባላት ማሕበረኮም ከሰላን 3 ምስ ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ 09 ዝሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታትን ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
እቶም ዜጋታት ኣብዚ ቅንያት ዝተኣስሩ ኮይኖም እቶም ሰለስተ ምስ ንግዳዊ ቀይሕ ባሕሪ ይሰርሑ ተባሂሎም ዝግመቱ ኮይኖም ኣብ ኤርፖርት ካርቱም ኢዮም ተኣሲሮም። እዞም ሰለስተ ዜጋታት ኢዮብ ክፍሉ፣ሳልሕ ማሓመድ ኣማን፣ለተብርሃን ይትባርክ ዝተባህሉ ኮይኖም ኣብ ኢዶም 56000 (ሓምሳን ሽዱሽተን ሽሕ ናይ ኣሜሪካ ዶላር) ሒዞም ነይሮም።
ብኻልእ ወገን ናይ ግብጺ ናይ ካርጎ (ጽዕነት) ኣየር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሳዋ ክልተ ግዜ ማለትኣብ ዕለታት  29 ታሕሳስን 31 ታሕሳስን ከምዝዓለባ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እተን ናይ ካርጎ ነፈርቲ ወተሃደራዊ ንብረት ጥራይ ከምዘራገፋን፡ ከምቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ክውረ ዝቐነየ ሰራዊት ዝበሃል ከምዘይነበረንን እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም። እቲ ንብረት መንግስቲ ግብጺ ንተቓወምቲ ሱዳን ንምሕጋዝ ዝልእኮ ዘሎ ሙኻኑ እውን ይሕበር።
ብኻልእ ወገን ኣብ ከባቢታት ግርማይካን ጉልሳን ናይ ሰራዊት ኤርትራ ውሑድ ምንቅስቓስ ከምዘሎ፡ ኣብ ካልእ ከባቢታት ግን ዝኾነ ዝጋነን ምንቅስቓስ ከምዘየሎ  ዝሓበሩ ምንጭታት መድረኽ፡ መንግስቲ ሱዳን ኩሉ ናይ ህግደፍ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ኣደስኪልዎ ምህላዉ ሓቢሮም። ብፍላይ ብወገን ቃሩራን ኣርባዕታ ዓሸርን ዘሎ ጽዑቕ ተፍቲሽን ምኽልካል ምንቅስቓስን ንቡዙሓት ኤርትራውያን መዓልታዊ ህይወቶም ደው ኣቢልዎ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ሱዳን ኣምባሳደር ንዝነበረ ማሕሙድ ማንታይ ኣብ ሱዳንን ኬንያን ኡጋንዳን ስለያዊ ተልእኾታት ዝሓዘ ፍሉይ ዕማም ተዋሂቡ ይንቀሳቐስ ምህላዉ ተገሊጹ።
    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ፈጢሩ ይዝርግሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →