Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ሱዳን ካብ ዕለት 3 ጥሪ 2018 ጀሚሩ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ዶባት ከምዝዓጸዎ ሓቢሩ። 

By   /  January 4, 2018  /  Comments Off on መንግስቲ ሱዳን ካብ ዕለት 3 ጥሪ 2018 ጀሚሩ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ዶባት ከምዝዓጸዎ ሓቢሩ። 

    Print       Email

እቲ ምዕጻው ዶባት ምኽልካል ምንቅስቓስ ንብረትን ሰባትን ዘጠቓለለ ሙኻኑ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን እንዳሓርፈፈ ኪመጽእ ዝጸንሐ ዝምድና ሙኻኑ ይሕብሩ።

መንግስቲ ሱዳን እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ንብረትን ኣዚዩ ከቖጠዖ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ካብን ናብን ኤርትራዝካየድ ዘይሕጋዊ ናይ ሰብን ንብረትን ምስግጋር ኣመና ዓቐኑ ሓሊፉ ዝብል ቅሬታ ዘዕበየ መንግስቲ ሱዳን ብተደጋጋሚ መሰማዕታ ኪህብ እኳ እንተጸንሐ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህቦ ናይ ንዕቀት መልሲ ምሕርፋፍ ዝምድና  ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ከብጸሖ ክኢሉ ኣሎ።

ብጉዳይ ምልኣኽን ምምጻእን ዘይሕጋዊ ንብረትን ማለት ኮንትሮባንድ  ኮምኡ ድማ ምስጊጋር ደቅ-ሰባት ኣብ ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ብተደጋጋሚ ክሰሓሓቡ ዝጽነሑ መንግስታት ሱዳንን ኤርትራን እቲ ተደጋጋሚ ዘተ ፍረ ክርከበሉ ብዘይምኽኣሉ ኢዩ  መንግስቲ ሱዳን ነዚ ናይ ምዕጻው ዶባት ስጉምቲ ኪወስድ ዝወሰነ ይብሉ ምንጭታት።

ከም ሳዕቤን ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን እንዳኣተወ ከካይዶ ዝጸንሐ ቀጻሊ ዘይሕጋዊ ተግባራት መንግስቲ ሱዳን እቲ ኣብ መንጎ ክልትኡ ዶባት ዝግበር ዝነበረ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ንምቁጺጻር ዝዓለመ ዶባቱ ብጹኑዕ ክዓጽዩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ይርከብ ።

እቲ ካብ ዕለት 03/01/2018  ጀሚሩ ኪትግበር ብመንግስቲ ሱዳን  ዝተመሓላለፈ ሓድሽ ትእዛዝ፡ ዝኾነ ካብ ኤርትራ ዝመጽእ ከምኡ ድማ ናብ ኤርትራ ዝኸይድ ዝነበረ እንተላይ ምጋሽ ሰባት ከልኪልዎ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ። ከም ዝፍለጥ መንግስቲ ሱዳን ቅድሚ ገለ እዋናት ን6ተ ወርሒ ዝጸንሕ  ህጹጽ ናይ ሓደጋ ኣዋጅ ኣዊጁ ምንባሩ ዚዝከር እዩ ። እዚ ኣዋጅ  ገለ ክፋሉ ንኣብ ከሰላ ዝግበር ምስጊጋር ደቂ ሰባትን ኮምኡ ድማ ምቁጺጻር ዘይሕጋዊ ንብረትን ዝትንክፍ ኮይኑ እዚ ብመንግስቲ ሱዳን ዝተወስደ ምዕጻው ዶብ ክልትኤን ሃገራት ንዜጋታት ክልትኤን ሃገራት ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምጽእ ከም ዝኽእል ይግመት ።

መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባዚ ጉዳይ ንምዝሪራብ ኣቀዲሙ ብምክቲል ፕረዝደንት ሱዳን ምኒስተር ዴታ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ ምንባሩ ዝዚከር  ኮይኑ እቲ ዘተ ብዘይፍረ ከምዝተዓጸወ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወደብ ባጽዕ ብርክት ዝበለ ንብረት ብምርጋፍ ብቐጥታ ናብ ሱዳን እንዳለኣኸ ንዕዳጋታት ሱዳን ኪቆጻጸር ምጽንሑ ይፍለጥ። ብዘይካ እዚ ካብ ቻይና ዝመጻ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡሳት ብምባል ኣብ ጽርግያታት ባጽዕ ኣስመራ ድሕሪ ምርኣይ ተመሊሱ ናብ ሱዳን ኪሸጠን ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብኣእምሮ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኪላገጽ ምጽንሑ ኪፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

    Print       Email

You might also like...

ሓድሽ ንቡር፡ ኣዚዩ ሓደገኛ ክስተት!!

Read More →