Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝገብሮ ዘሎ ሃገር ናብ ገደል እንዳጠፍአት ትም ዝብል እንተኾይኑ፡ ጽባሕ ንግሆ እቲ ንሃገር የጥፈኣ ዘሎ ፕረዚደንት ጥራይ ዘይኮነስ፡ መላእ ህዝቢ ኢዩ ናይ ታሪኽ ተሓታቲ ኪኸውን። 

By   /  January 9, 2018  /  Comments Off on ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝገብሮ ዘሎ ሃገር ናብ ገደል እንዳጠፍአት ትም ዝብል እንተኾይኑ፡ ጽባሕ ንግሆ እቲ ንሃገር የጥፈኣ ዘሎ ፕረዚደንት ጥራይ ዘይኮነስ፡ መላእ ህዝቢ ኢዩ ናይ ታሪኽ ተሓታቲ ኪኸውን። 

    Print       Email

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንሃገርና ኤርትራ ብቐረባ ዝጸሉ ቅልጡፍ ምዕባለታት ይዝርጋሕ ኣሎ። ከምቲ ልሙድ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ዝህቦ ዝኾነ ሓበሬታ ስለዘየሎ ህዝቢ ኤርትራ ብወግዒ ዝፈልጦ ነገር የብሉን። ሬድዮ መድረኽ ህዝቢ ሓበሬታ ንኽህሉ መታን እቲ ዘሎ ምዕባለታት ከምዘለዎ የቕርቦ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ግጭት ፈለግ ኒል  ኢትዮጲያን ግብጽን ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስወገነ መንግስቲ ግብጺ ኣዚዩ ተቕጢዑ ኣሎ፡ ምኽንያት ናይዚ ቁጠዐ ድማ ሱዳን ኣብ ምሉእ ታሪኻ ኣብ ጉዳይ ኒል ምስ ግብጺ እምበር ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ወጊና ስለዘይተፍልጥ።
በዚ መሰረት መንግስቲ ግብጺ ኣንጻር ሱዳን ስጉምቲ ክወስድ ወሲኑ። ነዚ ስጉምቲ ብቐሊሉ መጋበርያ ኪኾነኒ ኢሉ ዝመረጾ ድማ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢዩ ምኽንያቱ 1) ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ንምውዳቕ ናይ ባዕሉ መደብ ስለዘለዎ 2) ኣብዚ እዋን እዚ ዝኾነ ናይ ግዳም ሓይሊ ኢዱ ኪጠውዮ ዝኽእል ድኹም ሰብ ኮይኑ ስለዘሎ 3) ኣንጻር ቀጠር ደው ኢላ ዘላ ኢማራት ስለዝኣዘዘቶ 4) ተቓወምቲ ሱዳን ናይ ምዕጣቕን ደጀን ናይ ምሃብን ተመኩሮ ስለዘለዎ።
መንግስቲ ሱዳን ብግዲኡ በዚ ናይ ፕረዚደንት ኤርትራ ተግባራት  ተቖጢዑ ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ወተሃደራዊ ስምምዓትን ካልእ ኣንጻር ኤርትራ ዝውሰድ ስጉምታትን ክወስድ ጸኒሑ ኣሎ።
ዛጊት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ተራ መሳለጥያ ምስግጋር ወተሃደራዊ ደገፍ ኣብ መንጎ ግብጽን ተቓወቲ ሱዳንን ሙኻንን ናይ ምብራቕ ሱዳን ተቓወምቲ ምልዕዓልን ኢዩ። ከምቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝበሃል ዘሎ ሰራዊት ግብጺ ዛጊት ናብ ኤርትራ ኣይኣተወን።
መንግስቲ ስዳን ብወገኑ ኩሉ እቲ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ሱዳን ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ደቂ ሰብ ንግዲን፡ ናይ ንብረት ኮንትሮባንዳን፡ ስለያዊ ንጥፈታት ህግደፍን ደው ኣቢልዎ ኣሎ። ድሮ እውን ገለ መንግስቲ ኤርትራ  የዋፍሮም ዝበሃል ዜጋታት ኤርትራ ኣሲሩ ኣሎ።
ከምቲ ሬድዮ መድረኽ ቅድሚ ሰሙን ዝሓበሮ ፕረዚደንት ኢሳያስ ድሕሪ እቲ ደቁን ደቂ ደቁን ኣኸቲሉ ኣብ ኢማራት ዝገበሮ ናይ ሸመታን ሕክምናዊ ቆጸራታትን ዑደት ናብ ካይሮ ኣምሪሑ ኣሎ። ነዚ ዑደት ስዒቡ ዝመጽእ ምዕባለታት ብቐረባ ተኸታቲልና ክንሕብር ኢና።
ህዝቢ ኤርትራ ተሓታቲ መንግስቲ ስለዘይብሉ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ጉዳያት ኤርትራ ከም ውልቃዊ ጉዳያት ፕረዚደንት ኮይኖም ከምድላዮ የሽከርክሮም ስለዘሎ፡ ይትረፍ ህዝቢ ኤርትራ እቶም ዝምልከቶም ሓለፍቲ እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝፈልጥዎ የብሎምን።ክንዲዝኾነ እቶም ሓራምዝ ይከራፈሱሉ ኣብዘለዉሉ እዋን እቲ ብሰንኪ ፔአዚደንት ናብ ሳዕሪ ተቐይሮ ዘሎ ህብዚ ኤርትራ ይደሃኽ ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ኣብ ዞባዊ ይኹን ክልተኣዊ ኩናት እንተኣትያ ደቁ ስለዝኾኑ እቶም ዝጠፍኡ፡ ጉዳያት ሃገሩ ኪንገሮ፡ ዘይድግፎ ዘይተማኸረሉ ዓንዳሪ ስጉምታ ኣብ ዝርእየሉ እዋን ድማ ኪቓወም ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝገብሮ ዘሎ ሃገር ናብ ገደል እንዳጠፍአት ትም ዝብል እንተኾይኑ፡ ጽባሕ ንግሆ እቲ ንሃገር የጥፈኣ ዘሎ ፕረዚደንት ጥራይ ዘይኮነስ፡ መላእ ህዝቢ ኢዩ ናይ ታሪኽ ተሓታቲ ኪኸውን።
    Print       Email

You might also like...

ሓድሽ ንቡር፡ ኣዚዩ ሓደገኛ ክስተት!!

Read More →