Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ህዝቢ ኤርትራ ብስቓዩ ዝድሰት ሳዲስት መራሒ ከምዘለዎ ተገንዚቡ ፎቐዶ ሓድሽ ዓመት ዘይክውንነታዊ ትጽቢት ምግባር ገዲፉ፡ እምነቱ ናብ ውሽጣዊ ሓይሉ ኪኸውን ይግባእ።

By   /  January 3, 2018  /  Comments Off on ህዝቢ ኤርትራ ብስቓዩ ዝድሰት ሳዲስት መራሒ ከምዘለዎ ተገንዚቡ ፎቐዶ ሓድሽ ዓመት ዘይክውንነታዊ ትጽቢት ምግባር ገዲፉ፡ እምነቱ ናብ ውሽጣዊ ሓይሉ ኪኸውን ይግባእ።

    Print       Email

ኣብ ኩሉ ሃይማኖታዊ እምነታት ይኹን ብሕታዊ ህይወት ደቂ ሰብ፡ ሓድሽ ዓመት ናይ ምሕረት እዋን ኢዩ። ምእታው ሓድሽ ዓመት ናይ ይቕረ ምብህሃልን ምትዕራቕን ኣጋጣሚ ኢዩ። ምስግጋር ዘመን ሓድሽ ምዕራፍ ንምጅማር ዘተባብዕ መላግቦ ኢዩ።

 ወዲ ሰብ ቅኑዕ ኪገብር ኣጋጣሚ ከድልዮ ኣይግባእን፡ የግዳስ ከም ሓድሽ ዓመት ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት ሰብ ነቲ ዝሓለፎ ዕድል ኪኽሕስ፡ ድራኸ ይኾኖ። ስለዚ ኢዩ ድማ ሰባት ንሓድሽ ዓመት ሰናይ ተግባራቶም ዝህቡላ ዕለት ኪትከውን ዝመርጽዋ።  

 ስለዝኾነ ንጽጉማት ምሕጋዝ፡ ሕሙማት ምብጻሕ፡ ምስንብስኻ ገምጊምካ ነቲ ጽቡቕ ምቕጻል ነቲ ሕማቕ ምውጋድ፡ ብደረጃ ሃገር ይኹን ውልቀሰብ ልሙድ ተርኢዩ ኢዩ። መራሕቲ መንግስታት ኣብ ሓድሽ ዓመት እሱራት ይፈትሑ፡ ምሕረት ይህቡ፡ ህዝቢ ዘይፈተዎ ኣካይደኦም የዐርዩ። ይትረፍ ንህዝቢ ዝውክሉ መግስታት፡ ከም ዳዒሽ ዝኣመሰሉ ዕሉላት ደማውያን ከይተረፉ ንዝኣሰርዎም ምሕረት ዝገብሩሉ እዋን ኣሎ።

 ብባርባራዊ ግፍዕታቱ ዝልለ ዝነበረ መንግስቱ ሃይለማርያም ንኣብነት ሓንሳብ ብምኽንያት ናይቲ በዓል ኣብዮት ዝብሎ፡ ሓንሳብ ብምኽንያት ፋሲጋ ወይ ዒድ እሱራት ይፈትሕ ምንባሩ፡ ክሳብ ንሙሩኻት ኩናት ተጋደልቲ እውን ከይተረፈ ምሕረት ይህብ ምንባሩ ይሕበር።

 ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ተግባር ተገይሩ ኣይፈልጥን። ሎሚ ዓመት እውን ኪግበር ከምዘይኮነ ብኣግኡ ግንዙብ ኢዩ። ምኽንያቱ ብስቓይ ሰባት ንዝድሰት ሳዲስት፡ ናይ ካልኦት ምሕረትን ሓጎስን ማለት ንዕኡ ስእነት ደስታ ኢዩ። ባህታ ናይቲ ሳዲስት መራሒ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስቅያት ህዝቢ ኢዩ ዝሙርኮስ። ህጻናት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኪሳቐዩ ከለዉ ልቡ ይርስርስ፡ ኣረጋውያን ኣብ ማእሰርቲ ኪበልዩን ብሰንኩ ኪሞቱ ከለዉን ብደስታ ረፍ ኢሉ ይድቅስ። ዕለት 31 ታሕሳስ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብኣልኮልን ካልእ ዝሩግ ባህርያቱን ክብዕልግ ከሎ፡ እቶም እሱራት ኣብ ጸላምን ጎዳጉዲን ክሳቐዩ ይረኣዮሞ ደስትኡ ሰማይ ይዓርግ።

 ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብስቓዩ ዝድሰት ሳዲስት መራሒ ከምዘለዎ ተገንዚቡ ፎቐዶ ሓድሽ ዓመት ዘይክውንነታዊ ትጽቢት ኪገብር ኣይግባእን። እቲ ሳዲስት እንተኽኢሉ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘሎ ቅንያት ዝያዳ እሱራት ኢዩ ኪውስኽ፡ ምኽንያቱ እቲ ሳዲስት ዛሩ ዘፍ ዝብል ቆልኡ ዝያዳ ስቅያት ህዝቢ ምስዝርኢ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ቅንያት ሓድሽ ዓመት እዚ ዓንቀጽ’ዚ ንምውሓጡ መሪር ኪኸውን ይኽእል’ዩ፡ የግዳስ እቲ መሪር ሓቂ ንሱዩ። 

    Print       Email

You might also like...

ሓድሽ ንቡር፡ ኣዚዩ ሓደገኛ ክስተት!!

Read More →