Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ዘይንቡር ህይወት ከም ንቡር ክውሰድ ኣይግባእን።

By   /  December 21, 2017  /  Comments Off on ዘይንቡር ህይወት ከም ንቡር ክውሰድ ኣይግባእን።

    Print       Email

ለም ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ሕጊ ኣለዋ። እቲ ሕጊ ኣድማሳዊ ኣዋጅ መሰል ደቂ ሰብ ይብል። እቲ ኣዋጅ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝኸተማሉ ኢዩ። ኤርትራ እውን ነዚ ኣዋጅ መሰል ደቂ ሰብ ክትእዘዝን ከተኽብርን ከቲማትሉ ኢያ።

መሰረት ናይዚ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ደቂ ሰብ እዚ ዝስዕብ ኢዩ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ብመሰልን ክብረትን ማዕረን ነጻን ኮይኑ ይፍጠር፡ ከምኡ ኮይኑ ከኣ ኪነብር ይግባእ። እዚ ማለት ዝኾነ ፍጡር መን ኢዩ፡ ካበይ ዓዲ ኢዩ፡ ካበየናይ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ኢዩ ብዘየገድስ ነጻ፡ ማዕረ፡ ክብሩን መሰሉን ዝተሓለወ ኮይኑ ኪነብር ይግባእ።  እዚ መሰል ማንም ዘይህቦ ማንም ዘይከልኦ ተፈጥሮኣዊ መሰሉ ኢዩ።
ብዘይካ እዚ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ዝተባህለ ሰነድ፡ ኩለን ሃገራት ነናተን ቅዋም ኣለወን። እቲ ቅዋም ኣብዚ ኣድማሳዊ ሕጊ ንዘሎ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ማእከል ጌሩ ይንደፍ። ኣብ ቅድሚ ቅዋም ኩሉ ዜጋ ነጻ፡ ማዕረ፡ ክብሩን መሰሉን ዝተሓለወ ኢዩ።
ኤርትራ ብተሳትፎ መላእ ህዝቢ ዝተነደፈ ኣብ ግንቦት 1997 ዝጸደቐን ሃገራዊ ቅዋም ኣለዋ። ቅዋም ኤርትራ በዚ ዝስዕብ ሓረግ ይጅምር። ንሕና እዞም ብናይ ሓባር መስዋእቲ ናጽነትና ዘረጋገጽና ህዝቢ፡ ነቶም ንመሰልናን ናጽነትናን ዝወደቑ ሰማእታት ዘልኣለማዊ ክብሪ እንዳሃብና እዚ ናይ ቅዋም ልዕልና  ነረጋግጽ ይብል። ልዕልና ቅዋም ማለት ቅዋምን ኣብኡ ዘለዉ ሕግታትን ዝበረኹ መወከሲ ይኾኑ ማለት ኢዩ።
በዚ መሰረት መንግስቲ ዘይኮነ ንቕዋም ዝእዝዝ፡ ቅዋም ኢዩ ንመንግስቲ ዝእዝዝ። ኤርትራዊ ዜግነት ዝህብን ዝኸልእን ሓደ ሓላፊ ምምሕዳር ወይ ኤምባሲ ህግደፍ ዘይኮነስ ህዝቢ ብመንገዲ ኣብ ቅዋም ዘሎ ዓንቀጻት ኢዩ። መን ክመርሕ ኣለዎ ዝውስን ፕረዚደንት ባዕሉ ኣነየ ዝኸውን ስለዝበለ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ብመንገዲ ቅዋም ብዝእዝዞ ሕግታት መሰረት ኢዩ። ናይ ኤርትራ ባንዴራ እንታይ ሕብርታት ዘለዋ ትኸውን፡ ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራ ኣየነይቲ ሙዚቃ ትኸውን ዝውስን ሓደ ናይ ባህሊ ሓላፊ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ብመንገዲ ቅዋም ኢዩ። ኤርትራ ክንደይ ብሄራት ይህልዋ፡ ኣየኖት ቋንቋታት ናይ ስራሕ ቋንቋታት ይኾኑ፡ዝውስን ህግደፍ ዘይኮነስ ህዝቢ ብመንገዲ ቅዋም ይኸውን። ሕጋዊን ፍርዳዊን መስርሕ ዝመርሕ፡ እገለ ይተኣሰር እገለ ገበኘኛ ኣይኮነን ኢሉ ዝውስን፡ ሓደ ኮለነል ወይ ፕረዚደንት ዝኣዘዞ ናይ ጸጥታ ሓላፊ ዘይኮነስ፡ ቅዋም ዘቑሞ ፍርዳዊ ትካላት ኢዩ።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ መሰላቱ ተመንዚዑ ኣሎ። ደቁ ዝእሰሩ ዘለዉ ብመሰረት ቅዋም ኣይኮነን፡ ገንዘቡ ተራሲዩ ናብ ባንክ ዝኣቱ ዘሎ ብመሰረት ቅዋም ኣይኮነን። እዚ ድማ ንቡር ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ዘይንቡር ህይወት ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ዘይንቡር  ህይወት እንዳነበረ ስቕ ኢሉ ከም ውሁብ እንተወሲድዎ ድማ ነቲ ዘይንቡር ከም ንቡር ተቐቢልዎ ኣሎ ማለት ኢዩ። ነዚ ዘይንቡር ከምንቡር እንተተቐቢልዎን ከምኡ እንተቐጺሉን ድማ መዋእሉ ከምዚ ዘለዎ ኣብ ትሕቲ ናይ ምእሳር፡ ምቕታል፡ ንብረት ምርሳይ ህይወት ኪነብር ኢዩ። ውላዱ ዘይሓቁፍ ወላድ መኻን ኪከውን ኢዩ፡ ናብርኡ ዘይከኣል ከቢድ ኪኸውን ኢዩ። ስለዚ ድማ ነዚ ዘይንቡር ክንሱ ንቡር ወሲድዎ ዘሎ ህይወቱ ኪቕየር ዝኽእለሉ መንገዲ ኪፈጥር ይግባእ።
    Print       Email

You might also like...

ሓድሽ ንቡር፡ ኣዚዩ ሓደገኛ ክስተት!!

Read More →