Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ካብ ዕለት 4 ታሕሳስ ክሳብ  ሶኑይ 11 ታሕሳስ 2017 ኣብ ዘሎ እዋን 13 እሱራት ህዝባዊ ናዕቢ 31 ጥቅምቲ ንይምሰል ናብ ፍሉይ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም ናብቲ ዝነበርዎ ሸላታት ማእሰርቲ ተመሊሶም።

By   /  December 17, 2017  /  Comments Off on ካብ ዕለት 4 ታሕሳስ ክሳብ  ሶኑይ 11 ታሕሳስ 2017 ኣብ ዘሎ እዋን 13 እሱራት ህዝባዊ ናዕቢ 31 ጥቅምቲ ንይምሰል ናብ ፍሉይ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም ናብቲ ዝነበርዎ ሸላታት ማእሰርቲ ተመሊሶም።

    Print       Email
 እቶም መሻይኽን ዓበይቲ ዓዲን ዝርከብዎም ካብ እዋን ሰውራ ዘበርከቱ ዜጋታት ሃንደበት ግብረሽበራውያን ኮንኩም፡ ጥሩፍነት ኣለዓዒልኩም፡ ብዝብል ክሲ ኣብ ቁጽሪ 2ን 5ን ክፍልታት ፍሉይ ቤትፍርዲ ማይተመናይ ከምዝቐረቡ ተሓቢሩ። 
 
ብርክት ዝበሉ ካብዞም እሱራት ኣብ መደበራት ፖሊስ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኮይኖም፡ እቶም ዕለት 6 ዝቐረቡ መብዛሕተኦም መማህራንን ዳይረክተራትን ኣኽርያ ከምዝነበሩ ተገሊጹ። 
 
ኣብ እዋን እቲ ናብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡሉ እዋን: ከባቢ ከባቢታት ማይተመናይ ብብርክት ዝበሉ ኣባላት ሓለዋ ተኸቢቡ ምንባሩ እውን ይሕበር። 
 
መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ እቲ ኣብ ዓለም ዘጋጥሞ ኩነነ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ሰባት፡ ብዘይ ዝኾነ ገበን ሰባት ድሕሪ ምጭዋይ፡ ንይምሰል ኣብ ፍሉይ ቤትፍርዲ ምቕራብ ጀሚሩ ምህላዉ ይሕበር። ድሕሪ እቲ ናብ ፍሉይ ቤትፍርዲ ምርኣዮም እቶም ሰባት ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ተመሊሶም ናብቲ ዝነበርዎ ጎዳጉዲ ከምዝምለሱ ይሕበር። 
 
ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ብዝቐረበ ሓሳብ መሰረት፡ ምእሳርን ምጭዋይን ከምዘለዎ እንዳቐጸለ ንናይ ወጻኢ ሃልኪ ንስሙ ሰባት ናብ ፍርዲ ነቕርብ ፡ ገጽ ናይ ሚኒስትሪ ፍትሒ ንሓውስ ዝብል ሜላ ህግደፍ  ካብ 2017 ክሰረሓሉ ከምዝጀመረ ይፍለጥ። 
 
እዚ ይኹን እምበር ብግብሪ ሰባት ካብ ዝሓለፈ እዋን ንላዕሊ ብዘይ ዝኾነ ክሲን፡ መስርሕ ፍርዲን ይእሰሩን ይጭወዩን ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ 2017 ዝነበረ ማእሰርቲን ኣብቲ ማእሰርቲ ዝዋስኡ ዘለዉ ሰባትን  ዝርዝራት ኣብ ኢድና በጺሑ ስለዘሎ ኣብ ዝቕጽል መደባት ከነቕርበልኩም ሙኻና ንሕብር። 
    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ፈጢሩ ይዝርግሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →