Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈለየ መልክዕ ኩሎም ደቂ ሓለፍቲ ኣብ መሳርዕ ኣሃዱታት ከምዝምደቡ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

By   /  December 21, 2017  /  Comments Off on ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈለየ መልክዕ ኩሎም ደቂ ሓለፍቲ ኣብ መሳርዕ ኣሃዱታት ከምዝምደቡ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

    Print       Email
 
እዚ ምደባ ንኩሎም ደቂ ሓለፍቲ ዝምልከት ኮይኑ ብዘይካ ጓሉ ንኣቶ የማነ ገብረኣብ ኩሎም ደቂ ሓለፍቲ ኣብ ኣሃዱታት ከምእተመደቡ ተሓቢሩ። 
 
ኣብዛ ተለንተ ንጀነራል ዝእዝዘላ ሃገር ኮይና ዘላ ኤርትራ እቲ መምርሒ ካብ ተለንተ ቴድሮስ ዓዲሃሎ ንሚኒስትሪ ምክልኻልን መደበር ኣገልግሎት ሳዋን ዝተዋህበ ምንባሩ ዝሓበሩ ምንጭታት እቲ መምርሒ ድሮ ተግባራዊ ከምኾነን ብዘይካ ጓሉ ንኣቶ የማነ ገብረኣብ ኩሎም ኣብ ኣሃዱታት ከምእተመደቡን ተሓቢሩ። 
 
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መምርሒታት ብዙሕ እዋን እኳ ተመሓላሊፎም እንተነበሩ ብዙሕ እዋን እቶም መምርሒታት በቶም ነቲ መምርሒ ዘውጽኡ ሓለፍቲ ከምዝጣሓስን መወዳእትኡ ከከም ሓይልኻ ከምዝኸውን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። 
 
እቲ  ‘ስግረ ዶብ’ ብዝብል ክሲ ንሰባት  ንዓመታት ኣብ ጉድጓድ ዘስፍር ጀነራል ፍሊጶስ ንኣብነት፡  ጓሉ ንኡጋንዳ ኣብ ዝተበገሰተሉ እዋን፡  ክፍሊ ኢምግሬሽን ክትወጽእ ኣይፍቀዳን ኢዩ ድሕሪ ምባሎም፤ ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ክፍሊ ኢሚግረሽን ብምድዋል ኣስማት ንደገ ዝወጻ መሳቱ ጓሉ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ‘እንድሕር ንጓለይ ንደገ ክትከይድ ዘይፈቐድኩሙላ ነዘን ዝለኣኹመን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ጥልያን ዘርዚረ ንዓኹምን ንነብሲ ወከፍ ንስድራቤተንን ክኣስረኩም ኢየ’ ስለዝበሎም ጓሉ ብኤርፖርት ናብ ኡጋንዳ ከምእትወጽእ ምግባሩ ይዝከር። 
ብተመሳሳሊ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ንወዱ ብዘይ ዝኾነ እኹል ፍልጠት ናብቲ ከም ዋኒኑ ዝቆጻጸሮ ባንኪ ንግድን ኣባይትን ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ክኢላ ኢሉ ከምዝመደቦ ይፍለጥ። 
    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ፈጢሩ ይዝርግሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →