Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ግዱሳት ደሃይ ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ባሕርን ሳሃራን ዝሞቱ ኤርትራውያን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ኮሚቴ ኣውጺኦም ናብ ኤርትራውያን ናይ ደቆም ደሃይ ዕረፍቲ ይልእኩ ኣለዉ። 

By   /  December 11, 2017  /  Comments Off on ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ግዱሳት ደሃይ ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ባሕርን ሳሃራን ዝሞቱ ኤርትራውያን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ኮሚቴ ኣውጺኦም ናብ ኤርትራውያን ናይ ደቆም ደሃይ ዕረፍቲ ይልእኩ ኣለዉ። 

    Print       Email

ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ግዱሳት ደሃይ ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ባሕርን ሳሃራን ዝሞቱ ኤርትራውያን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ኮሚቴ ኣውጺኦም ናብ ኤርትራውያን ናይ ደቆም ናይ መወዳእታ ደሃይ ዕረፍቶም ይልእኩ ኣለዉ። 

እዞም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት እቲ ዋና ስኢኑ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ኩነታቱ ስለዘሕዘኖም  ብናቶም ጻዕሪ እንዳኣጣየቑ ናይቶም ዝዓረፉ ዜጋታት ደሃይ ንስድራቤት ይነግሩ ምህላዎም፡ ስድራቤታት ድማ ብዉሑዱ ዕለትን ሰፈርን ናይ መወትቲ ደቆም ኪፈልጣ ክኢለን ምህላወን ተሓቢሩ።

በዚ መሰረት ኣብዚ ቅንያት እዚ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ሰሃራታትን ባህርታትን ናይ ዝጠፍኡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ደሃይን ኩነታትን  ኣማውታ ብግዱሳት ዜጋታት ይርድኡ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና ብዘይካ ኤርትራውያን ዜጋታት ብርክት ዝበሉ ሃገራት ኣፍሪቃ ዜጋታተን የውጸኣ ምህላወን ተሓቢሩ

ድሕሪ እቲ እብ ሊብያ ዝተራእየ መሸጣ ሰባት ናብ ጊልያነት፡ ከም ናይጀርያ ኒጀር ዝኣመሰላ ሃገራት ከቢድ ወጻኢታት ብምግባር ዜጋታተን የውጸኣ ምህላወን ዝሓበሩ ተዓዘብቲ፡ ብርክት ዝበሉ ህቡባት ሰባት ዜጋታቶም ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ገንዘባዊ ደገፍ ይገብሩ ምህላዎም ተሓቢሩ። 

 
ብኣንጽር እዚ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበግሶ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ቁሊሕ ዝብሎም ኣካል ስለዝሰኣኑ እቶም ኣብቲ ሓደገኛ ሃዋህው በይኖም ዝድርበዩ ህዝቢ ከይኮኑ ዓቢ ስግኣት ተፈጢሩ ምህላዎ ተገሊጹ። መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ ክወስድ ኣብዝተሓተተሉ እዋን ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኡ ኣቢሉ ብድልየቶም ዝሃደሙ ናቶም ሓላፍነት ኣይንወስድን ዝብል መልሲ ከምዝሃበ ተሃቢሩ።
ዝተፈላለዩ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ዘለዉ ተዓዘብቲ ከምዝገለጽዎ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ናይ መንግስቲ ኤርትራ መርበብ ነጋዶ ደቂሰብ ነቶም ኤርትራውያን ዜጋታት  ነብሲወከፍኩም 10 ሽሕ ዶላር እንተኸፊልኩም ናብ ኢጣልያ ክንልእከኩም ኢና ዝብል ጎስጓስ ጀሚሮም ምህላዎም ተሓቢሩ። እቶም መንግስቲ ኤርትራ ዘዋፍሮም ነጋዶ ደቂሰብ ኣብቲ ካብ ኣስመራ ክሳብ ኢጣልያ ተዘርጊሑ ዘሎ መስመር ንግዲ ደቂሰባት ዝሳተፉ ኮይኖም ካብ ኣስመራ ብዝወሃቦም መምርሒ ንጥፈታቶም ዘተግብሩ ኢዮም። 
 
እቶም ነጋዶ ደቂሰባት ፡ ነቶም ኤርትራውያን ዜጋታት መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ዝወከሎም ሙኻኑ ይገልጹሎም ምህላዎምን እቲ ዝኽፈል 10 ሽሕ ዶላር ንውልቆም ዘይኮነስ ብስም መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ዋጋ ሙኻኑ ይሕብርዎም ምህላዉ እቶም ግዳያት ይዛረቡ። 
 
ምስግጋር ደቂ ሰባት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከም ምንጪ ኣታዊ ዶላር ርእዮም ብወግዒ ይሰርሑሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡  ኣሰጋገርቲ  ኣባላት ስለያ ምዕራብ ምስቶም ኣብ ሱዳን ዝመደበሮም ራሻይዳ ብምትሕብባር ነቶም ስግረ ዶብ ዝኸዱ መንእሰያት ብመኪና ናይ ብሪጋደር ጀነራል ተኸለ ማንጁስ ብቐጥታ ካብ ኣስመራ ናብ እቲ ጥቓ ከሰላ ዘሎ ነዚ ጉዳይ ንምስላጥ ዝተኸፈተ ቪላ  ብሓንቲ መዓልቲ ከምዘብጽሕዎም ይፍለጥ።
 
እዚ ብብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ  ዝወሃሃድ ዕማም ኣብ ሓደ ጉዕዞ ሰባት  ክሳብ 168000  ዶላር (ሚእቲን ሱሳን ሸሞንተን ሽሕ ዶላር )  ኣታዊ ከምዝገብር እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።
 
 ካብ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ናብ ራሻይዳ ተሸይጡ ዝነበረ እሞ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ካርቱም ዝኣተወ መንእሰይ ንኣባላት ሬድዮ መረኽ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብቐጥታ ምስ ወከልቲ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ብዝገበሮ ስምምዕ ካብ ኣስመራ 8 ሽሕ ዶላር ከፊሉ ብናይ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ፍልይቲ መኪና ብቐጥታ ናብ ባረንቱ  ከምዝኣተወ ሓቢሩ። ኣብ ባርንቱ ናይ ክፍሊት ምዝገባን ናይ ስድራቤቱ መዝገባን ድሕሪ ምግባር ብቐጥታ ናብ ከሰላ ብምእታው ናብ ኣባላት ራሻይዳ ከምዝሸጥዎ ኣብ ክንዲ እቲ ዝተሰማመዓሉ 8 ሽሕ ድማ 15 ሽሕ ዶላር ከምዘኽፈልዎ ሓቢሩ። 
 
ናይ ተኽለ ማንጁስ ኣሰጋገርቲ ካብ ሓደ ሰብ 8 ሽሕ ዶላር ብምውሳድ ኣብ ክንዲ ናብ ከሰላ ዘእትዉዎም ኣብዚ እዋን መሊሶም ናብ ራሻይዳ ይሸጥዎም ምህላዉ እቲ መንእሰይ ሓቢሩ። 
 
ብምክትታል እዚ ምዕራብ ኣብ ከሰላ ኣብ ከባቢ መረባዓት ኣብ 550 ትርብዒት ሜትሮ በዓል 3 ደርቢ ዓቢ ህንጻ ይስራሕ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፉ ዜናታትና ተሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ብምክትታል ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ዝስራሕ ዘሎ ህንጻ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ በጺሑ ምህላዉ ተረጋጊጹ። እቲ ዝህነጽ ዘሎ ዓቢ ገዛ ካብ ኩባንያ ህንጻ ሰገን ክልተ ኢንጂነራት ማለት ኢንጂነር ምስግና ኪዳነን፣ ኢንጅ ትርሓስ ኤፍሪምን ፣ሰሙናዊ ክትትል ይገብርሉ ከም ዘለዉን ተሓቢሩ።
 
እቲ ህንጻ ኣብ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝግበር ንጥፈታት ንምውህሃድ ዝሰርሕ ቤትጽሕፈት ኪኸውን ሙኻኑ ተባሂሉ ከምዝግመት ዝሓበሩ ምንጭታት መድረኽ፤ ኣብ ምክትታል ዶብ ካብ ዝነጥፋ ዝነበራ ክልተ ኣይ ሱዙ ዝዓይነተን ማካይን ኣብቲ ግላዊ ስራሕ ይነጥፋ ከም ዘለዋ ገሊጾም። እተን ክልተ መካይን ታርጋ ኣውሪደን ኣብ ዝንቀሳቀሳሉ ዝነበራ እዋን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ጸጥታ ኣትየን እኳ ተነበራ፤ ድሕሪ ሰሙን ጊዝያዊ ታርጋ ተዋሂብወን ኣብ ሰራሕ ይነጥፋ ምህላወን ተገሊጹ።
 
ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ሃዲኡ ዝነበረ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዛይዱ ምህላዉ  ናይዚ ምኽንያት ድማ ሓላፊ ናይቶም ሰባት ዘሰጋግሩ ራሻይዳ ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ድሕሪ ምርኻቡ ምስግጋር ሰባት ኪቕጽል ትእዛዝ ከምዝተዋህበ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ተኣሳሲሩ ሃዲኡ ዝነበረ ንግዲ ደቂሰብ ብሰፊሕ መልክዑ ኪቕጽል ጀሚሩ ምህላዉ ተሓቢሩ። 
    Print       Email

You might also like...

ሓድሽ ንቡር፡ ኣዚዩ ሓደገኛ ክስተት!!

Read More →