Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኤርትራ ሕጂ እውን ብዘይ ዝኾነ ምኽንያትን ሕጋዊ መስርሕን ምእሳር ይዛይድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  December 20, 2017  /  Comments Off on ኣብ ኤርትራ ሕጂ እውን ብዘይ ዝኾነ ምኽንያትን ሕጋዊ መስርሕን ምእሳር ይዛይድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email
ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ከባቢ ባሕቲ መስከረም ካብ ዝርከባ እንዳ እንተርነታት 5 ሰባት ብሃገራዊ ድሕነት ተኣሲሮም። እቶም ዜጋታት ብሰለስተ እብረ ኣብቲ እንዳኢንተርነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኮይኖም ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ኢዮም ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተኽብኪቦም ተወሲዶም። 
 
ብዘይካ እዚ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 9 ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ ክሳብ 18 ዝኾኑ ሰባት ዶላር ሒዝኩም ጸኒሕኩም ተባሂሎም ከምዝተኣሰሩ ተሓቢሩ። እዞም ካብ እስራኤል፣ሱዳን ፣ኣሚርካን ኤሮፓን ኮይኖም ሓወላ ኪስርሑ ባዕሉ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዘዋፈሮምን ንነዊሕ እዋን ምስኡ ኮይኖም ዝሰርሕን  ምስ ገንዘቦምን ማካይኖም ገፊፉ ድሕሪ ምዝማቱ ኣብ 5ይ መደበር ተኣሲሮም ከምዝደርበዮም ተፈሊጡ፣
ንህይወት ህዝቢ  ዘጻበበ ፊናንሳዊ ስርዓት ህግደፍ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጠረሎም ገለ ላዕለዎት  ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ልዑል መጠን ሓድሽ ወረቐት ናይ ባጤራ ናቕፋ ናብ ጋሽ ባርካን ዞባ ከሰላ ናይ ሱዳንን ብዘይ ዝኾነ ቀይዲ እንዳውረዱ ብዶላር ኣሜሪካን ጂኔ ናይ ሱዳንን ይሸጡ ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብቶም ከባቢታት ኣቃሊሖም።

ህዝቢ ኤርትራ ገንዘቡ ኣብ ቀይዲ መንግስቲ ኣቲዩ ባዕሉ ዘጥረዮ ገንዘብ ከም ደሞዝ – ወርሓዊ ናብ ባንክታትን ምምሕዳራትን እንዳከደ ዝተፈቕደሉ ውሑድ መጠን ገንዘብ ጥራይ ኣብ ዘውጸኣሉ ዘሎ እዋን ፥ ገለ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ግና ልዑል መጠን ሓድሽ ወረቐት ናይ ባጤራ ናቕፋ ከም ዝደለዩዎ ኪሕዙ ባይታ ኣንዳተኸፍተሎም ዝደለዪዎ ረብሓን ዝመደብዎ ወፍሪን ከይተጸገሙ የካትቱ ምህላዎም ዘረድኡ ምንጭታትና፥  እቶም ሓለፍቲ 1250  ናቕፋ ብሓደ ሚእቲ ዶላር ኣሜሪካ እንዳሸጡ ብሕጽረት ባጤራ ናቕፋ ተጣሪዖም ንዘለዉ ነጋዶን ዉልቀሰባትን ይቕርቡ ምህላዎም ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ሓለፍቲ ገዚፍ ዓቐን ባጤራ ናቕፋ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣውሪዶም ነጋዶ ብመንጽር ዝቕርብዎ መጠን ዶላር ኣሜሪካ ንምሉዋጥ ብዘስክፍታ ተዋፊሮም ከምዘለዉ እዩ ተረጋጊጹ ዘሎ። ናብ ዞባ ከሰላ እዉን ተመሳሳሊ መጠን ሓድሽ ወረቐት ናይ ባጤራ ናቕፋ ተሰዲዱ ብጂነ ወይ’ዉን ብዶላር ኣሜሪካ ንኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ነጋዶ ይሽየጥ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቶም በትረ ስልጣኑ ኣየቋሙቱሉ እምበር ዝደለዪዎ ኪገብሩን ዝመርጽዎ ሓለፋታት ብዘይቀይዲ ከውሕሱን ዝፈቕደሎም ላዕለዎትን ማእከሎትን ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ፥ ህዝብን ሃገርን ተሓሪምዎም ንዘለዉ ኣገልግሎታት ከምድላዮም ይረብሑሉ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።

ብኻልእ ወገን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ቱሪዝምን ዞባ ማእከልን ብዛዕባ እዚ ሎምቅነ ዝተገበረ ምዕጻው ናይ 350 ዝኾና ትካላት ከምሰብና ኣብ ጽርግያ ኢና ሰሚዕናዮ ንፈልጦ ነገር የብልናን ክብሉ ይዛረቡ ምህላዎም ተሓቢሩ። ኣብ ኤርትራ ካብ ዝደቐቐት ክሳብ ዝዓበየት ጉዳይ ብፕረዚደንት ከምዝእዘዝ ዝፍለጥ ኮይኑ እዞም ኣባላቶም እንዳለኣኹ ነቲ ትካላት  ዝዓጸዉ ዘለዉ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት ካብ ገበናቶም ንምህዳም ዝግበር ጸወታ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮ

 

    Print       Email

You might also like...

ሓድሽ ንቡር፡ ኣዚዩ ሓደገኛ ክስተት!!

Read More →