Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ንግሆ ሰሉስ (12 ታሕሳስ) 350 ትካላት ብሓይሊ ብረት ተዓሺገን ምህላወን ተሓቢሩ።

By   /  December 13, 2017  /  Comments Off on ኣብ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ንግሆ ሰሉስ (12 ታሕሳስ) 350 ትካላት ብሓይሊ ብረት ተዓሺገን ምህላወን ተሓቢሩ።

    Print       Email
 ኣብ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ንግሆ ሰሉስ (12 ታሕሳስ) 350 ትካላት ብሓይሊ ብረት ተዓሺገን ምህላወን ተሓቢሩ። 
እተን ትካላት ከም ኣልባ ቢስትሮ፡ ባር ኢምፐሮ፡ባር ሮማ፡ ኣስማራ ስዊት ካፈ፡ከምኡውን ሆቴላት ካርቱም፡ ሚድያን ፡  ኤምፐርያል፡ ዝኣመሰላ ኢየን።
 ምኽንያት ናይ መዕጸዊአን ገንዘብኩም ናበይ ይከይድ ኣሎ፡ እቲ እትገብርዎ ኣታዊን ኣብ ባንክ ተቐምጥዎም ዝተፈላለየ ኢዩ፡ ናብ ወጻኢ ገንዘብ ሰዲድኩም፡ ዝግባእ ቀረጽ ኣይሃብኩምን፡ ዝግባእ ኣገልግሎት የብልኩምን፡ዝብል ኢዩ። 
 
እቶም ወነንቲ ትካላት ምስዚ ዘጋጥሞም ዘሎ ክብሪ ዋጋታትን  ቡኩራት ዓማዊልን፡ መንግስቲ ኣብ ካሳታቶም ኣትዩ ገንዘቦም ኪቖጽርን ናበይ ኣጥፊኦሞም ክሓትትን ዘይግባእ ሙኻኑ፡ ዝሕተትዎ ዘለዎ ግብሪ ኣዚዩ ብዙሕ ብሙኻኑ ኪኸፍልዎ ከምዘይክእሉ እኳ እንተገለጹ፡ ብወገን እቶም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ግን   ትካሎም ኪዕጾ ጥራይ ዘይኮነስ ንሓዋሩ ኪህገር ሙኻኑ ይሕበሮም ኣሎ።  
እዘን 350 ትካላት ክሳብ ሰኑይ ዝተዓጽዋ ኮይነን ሎሚ ሰሉስ ንግሆ ኣብ ከባቢ ሹቕ ዝርከብ ትካላትን ኣብ ከባቢ ጎዳይፍ ዝርከብ ጋራጃትን ምዕሻግ ተጀሚሩ ምህላዉ ተሓቢሩ። ዉሑዳት ወነንቲ ትካላት ነቶም ትካላቶም ክዓጽዉ ካብ ጀነራል ፍሊጶስ ዝተላእኩ ወተሃደራት ክዓግቱን መን ኮንካ ኢኻ ንብረተይ ትዝርፍን ኣብ ዝበሉሉ እዋን ግጭት ከምእተላዕለን እቶም ወነንቲ ትካሎም ተዓጺዩ ተቐይዶም  ሽዑ ናብ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ ከምዝተወስዱን ተሓቢሩ።
እተን ትካላት ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቀረጽ ጉዳይ፡ ኣገልግሎትክን ዘይረብሕ ኢዩ፡ ኣገልግሎት ዘይገበሩ ሰባት ኪትቕጽራ ጸኒሕክን ተባሂለን እውን ብመንግስቲ ኤርትራ ኪስተናዓቓ ጸኒሐን ኢየን። 

ድሮ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ንገለ ደቂ ከባቢኡ ዝኾኑ ዜጋታት ፍታሕ ንምግባር ክጽዕር ከሎ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ንበዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሩት ብፍርቂ  ብርኪ እንተእትዮማ ፍታሕ ኪግበረሎም ከምዝኽእል ነቶም ትካሎም ዝተዓሸገ ብመንገዲ ቀረብቶም ይመያየጥ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሓደ ካብቶም ገንዘብካ ናብ ወጻኢ የስግር ኣሎ፡ገለ ክፋል ዶላራቱ ኣብ ወጻኢ ኣቐሚጡ ኣሎ፡ ካብቲ ዝውንኖ ሆቴል ሚድያን ዝርከብ ኣታዊ ናበይ ይለኣኽ ምህላዉ ንጹር ኣይኮነን፡ተባሂሉ ኣብ ዓይኒ ስለያ ኣትዩ ዘሎ ኣትለት ዘርአሰናይ ታደሰ ኢዩ። ሆቴል ሚድያን ንነዊሕ እዋን ጀነራል ፍሊጶስ ዓይኑ ዘውደቐላ ሆቴል ሙኻና ዝሕበር ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ናይ ጀነራል ፍሊጶስ ናይ ስግረዶብ መርበብ ስረሓቶም ዘካይዱላን ቆጸራታቶም ዘዋዱዱላን  ቦታ ሆቴል ሜድያን ሙኻና እቶም ምንጭታት ይሕበሩ። 

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከምዝተሓበረ ማእሰርቲ ዜጋታትን ምውራስ ንብረቶምን ሓደ ካብ ልዑል ምንጪ ኣታዊታት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ገለ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

    Print       Email

You might also like...

ሓድሽ ንቡር፡ ኣዚዩ ሓደገኛ ክስተት!!

Read More →