Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ብዕለት 19 ሕዳር ኣብ ባረንቱ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝዓለሙ በረርቲ ወረቐት ተበቲኖም ሓዲሮም።ካብ መስጊድ ገዛባንዳ ጥልያን ብርክት ዝበሉ ሰባት ተቐይዶም።  

By   /  December 3, 2017  /  Comments Off on ብዕለት 19 ሕዳር ኣብ ባረንቱ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝዓለሙ በረርቲ ወረቐት ተበቲኖም ሓዲሮም።ካብ መስጊድ ገዛባንዳ ጥልያን ብርክት ዝበሉ ሰባት ተቐይዶም።  

    Print       Email
እቲ  ዝተዘርገሐ በረርቲ ወረቓቕቲ፡ ትሕዝቱኡ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ዝቐንዐ ምንባሩ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፤ ኣብ ብርክት ዝበለ ምምሕዳራት ዞባታት ባረንቱ ከምእተበተነ ገሊጾም።
ኣብቶም በረርቲ ጽሑፋት፡’ ሰራዊት ኣብዚ ናይ ለውጢ እዋን ምስ ውጹዕ ህዝብኻ ወግን፡ ገዛእ ርእስኻን ህዝብኻን ካብ ባርነት ህግደፍ ሓራ ኣውጽእ፡ ሓርነት ህዝብኻ ኣብ ኢድካ ኢዩ ዘሎ፡ እምቢ ንምልካዊ ስርዓት በል ‘ ዝብል ትሕዝቶ ይርከቦ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዝበዝሑ ከባቢታት ኤርትራ ርኡይ ተቓውሞ እንዳበርተዐ ይመጽእ ከምዘሎ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት ናይ ደለይቲ ፍትሒ ደርፍታት ብፍላይ ድማ እምቢ ንምልኪ እትብል ደርፊ ኣብ ሞባይላት መንእሰያትን ተመሃሮን ብተደጋጋሚ ትስማዕ ምህላዋ ሓቢሮም።
ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ብዕለት 17 ሕዳር ኣብ መስጊድ ገዛባንዳ ጥልያን ብዛዕባ ሓርነት ሃይማኖትን ናይ ኣኽርያ ጉዳይን ተዛሪብኩም ተባሂሎም 7 ሰባት ተኣሲሮም።
እቶም ካብ ገዛውቶምን ከባቢታት መስጊድን ዝተለቕሙ ዜጋታት ናብ 6ይ መደበር ፖሊስ ከምዝተወስዱ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፡ እቲ በቶም ሰባት ዝተዋህበ ናይ ሃይማኖት ሓርነት ጻውዒት ብማይክሮፎን ነቲ ከባቢ ዘስመዐ ምንባሩ ተሓቢሩ። ሽሕኳ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ናይ ታሪኻ እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓቐን ማእሰርቲ ህዝቢ ይካየድ እንተሎ፡ ብኣንጻሩ ተቓውሞ ህዝቢ ከምኡውን ብጋህዲ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ናይ ምዝራብን ባህሊ እንዳዓበየ ይመጽእ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
    Print       Email

You might also like...

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥቓ ቤተ ክርስትያን እንዳስላሰ ዝጸንሐ ዕዳጋ ኣሕምልቲን ሽጉርቲ ኮሚደረን ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራት ከተማን ከምዝድምሰስ ጌሩ

Read More →