Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ብርክት ዝበላ ትካላት ይዕጸዋሉ ኣብ ዘለዋሉ እዋን እተን ምስ ሰበስልጣን ቅርበት ዘለወን ትካላት ነጻ ይግደፋን ብዘይተወዳዳሪ ኪሰርሓ ይፍቀደን ምህላዉ ተሓቢሩ

By   /  December 23, 2017  /  Comments Off on ብርክት ዝበላ ትካላት ይዕጸዋሉ ኣብ ዘለዋሉ እዋን እተን ምስ ሰበስልጣን ቅርበት ዘለወን ትካላት ነጻ ይግደፋን ብዘይተወዳዳሪ ኪሰርሓ ይፍቀደን ምህላዉ ተሓቢሩ

    Print       Email

ዋንነቱ ናይ ኣቶ ዩኤል ግደ ማለት ዞማኡ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ዝኾነ ትካል ኣዱሊስ ምዝንጋዕ ብዘይ ዝኾነ ቀረጽን ሕግን ይሰርሕ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። እዚ ትካል ብዘይካ እቲ ዝህቦ ናይ ምዝንጋዕ ኣገልግሎት፡ ከም ናይ 03 ወረ መዘርግሒን መአከቢ ስለላን ኮይኑ ከምዝሰርሕ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡ ከም ኣልባ ቢስትሮ፡  ስዊት ካፈ፡ ባር ፡ኤምፔሮ ዝኣመሰላ ትካላት እንዳተዓጽዋ፡ እዛ ትካል ንበይና ክትሰርሕ ተፈቒዱላ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ትካል ዝሰርሓ  መብዛሕተአን ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸማ ሙኻነን ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ፡ እቲ ትካል ሓንቲ መዓልቲ ውን ትኹን ብትካላት ጸጥታ ይኹን ምምሕዳር ከተማ ምቁጽጻር ተገይሩሉ ከምዘይፈልጥ ይሕበር። ብኻልእ ወገን እቲ ትካል መዋፈሪ ኣመነዝራነት ኮይኑ ብፍላይ ንወጻእተኛታት በጻሕቲን ኣባላት ዲፕሎማቲክ ኮርን  ናይ ኣመንዝራነት ምርኻብ ስራሓት ከምዘካይድ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።


ብተመሳሳሊ እቲ ገለ ክፋል ኣታዊኡ ናብ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ኢዩ ዝኣቱ ዝበሃል ዌስት ኢንድ ኤክስፖ እውን ኣብ ልዕሊኡ ዝኾነ ናይ ቀረጽ ግዴታ ከምዘይትግበር ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡  እቲ ትካል ዘእትዎ ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ብመንገዲ በዓልቲ ቤቱ ንኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ናብ ዶላር ድሕሪ ምቕያር፡ ብቐጥታ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ሕሳባት ባንክ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወትን መሻርኽቱን ከምዝለኣኽ ተሓቢሩ። 

ካልእ በዚ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ዝግበር ዘሎ ዝምታ ተጠቃሚ ኮይኑ ዘሎ ሰብ ዞምኡ ንጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። ኩሉ ካብ ሱዳንን ተሰነይን ዝመጽእ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ብኸቢድ ምቁጽጻር ጸጥታ ደው ኢሉሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ሓዋ ንወይዘሮ ሩት፡ ማለት በዓልቲ ቤት ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ናይ መካይን መቀያየሪ ኣቑሑት ምምጻእን ምልኣኽን ንበይኑ ብሒትዎ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብ ጥቓ ሞኖፖል ዝርከቡ ኩሎም ትካላት መቀያየሪ ኣቑሑት ብኽሳራ ይዕጸዉሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ዞምኡ ንጀነራል ፍሊጶስ ኩሉ ዕዳጋታት ናይ መቀያየሪ ኣቑሑት ተቖጻጺርዎ ምህላዉ ተሓቢሩ። 

ከምዝፍለጥ ብዕለት 29 ሚያዝያ ናይዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ሓዋ ንወይዘሮ ሩት፡ ማለት በዓልቲ ቤት ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ክልተ ሚልዮንን ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕን ናቕፋ ዝትመን ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንብረት ብኮንትሮባንዳ ከእቱ ተታሒዙ ምንባሩ ይኹን ግን ብትእዛዝ ፍሊጶስ ነጻ ኪልቀቕ ከምዝተወሰነ ይፍለጥ። እቲ ብረት ናይ መካይን መቐያየሪ ኣቑሑት ኮይኑ፤ ካብ ሱዳን ብመንገዲ ከሰላ፡ ካብ ኢትዮጲያ ድማ ብመንገዲ ሑመራ ብኮንትሮባንዳ ተገዚኡ ዝኣቱ ዝነበረ ኢዩ።

እቲ ዞምኡ ንጀነራል ፍሊጶስ ዘእትዎ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ናይ መካይን መቀያየሪ ንብረት ኣብ ኬላ ሓጋዝ ኢዩ ብኣባላት ግምሩክ ተታሒዙ። ብመሰረት ኣሰራርሓ ፖሊስ ግምሩክ ሽዑ ንሽዑ ማለት ብዕለት 29 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ እኳ ናብ ዓዲ ኣቤቶ እንተተሰጋገረ፤ ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ኣዛዚ ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ካፕተን ወዲ ከበደ ቀጢን ትእዛዝ ብምምሕልላፍ፤ ዞምኡ ብቕጽበት ክወጽእ ኣዚዙ።

በዚ መሰረት ሓዋ ንበዕልቲ ቤት ጀነራል ፍሊጶስ፤ ንጽባሒቱ 30 ሚያዝያ ካብ ዓዲ ኣቤቶ ከምዝወጸ፤ ካብቲ ክልተ ሚልዮንን ሓሙሽተሚእቲ ሽሕን ዝዋግኡ ዘይሕጋዊ ንብረት፤ እቲ ርብዒ ጥራይ ብምትራፍ ናይ ክልተ ሚእቲ ሚልዮን ንብረቱ እውን ከምዝተዋህበ ተሓቢሩ።

ኣብ ኬላታት ቁጻር ቡን፡ ቁጻር መሸላ ሒዝኪን ጸኒሕክን ተባሂለን ድኻታት ኣዴታት ይእሰራሉ ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ከም ወይዘሮ ጽጌሬዳ ዝኣመሰላ ሰብ ፍቕሪ ኣቶ ፍሊጶስ ሓንሳብ 40 ኪሎ ወርቂ ብኤርፖርት ሓንሳብ ሚልዮናት ናቕፋ ዘውጽእ መቀያየሪ ብኬላታት የሕልፋ ኣለዋ። 

    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ፈጢሩ ይዝርግሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →