Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ብርክት ዝበላ ሎሪ ዝዓይነተን ናይ ህዝቢ መካይን ምስ ስግረዶብ ብዝተኣሳሰር  ጉዳያት ኣብ ግርማይካ ተታሒዘን ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ምሉእ ብምሉእ ተሃጊረን ናብ ዓሻ ጎልጎል ይግዕዛ ከም ዘለዋ ተሓቢሩ።

By   /  December 24, 2017  /  Comments Off on ብርክት ዝበላ ሎሪ ዝዓይነተን ናይ ህዝቢ መካይን ምስ ስግረዶብ ብዝተኣሳሰር  ጉዳያት ኣብ ግርማይካ ተታሒዘን ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ምሉእ ብምሉእ ተሃጊረን ናብ ዓሻ ጎልጎል ይግዕዛ ከም ዘለዋ ተሓቢሩ።

    Print       Email

ብርክት ዝበላ ሎሪ ዝዓይነተን ናይ ህዝቢ መካይን ምስ ስግረዶብ ብዝተኣሳሰር  ጉዳያት ኣብ ግርማይካ ተታሒዘን ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ምሉእ ብምሉእ ተሃጊረን ናብ ዓሻ ጎልጎል ይግዕዛ ከም ዘለዋ ተሓቢሩ።

እተን ሎሪታት ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ብውሳነ ስለያ እዚ ምዕራብ ስለዝተሃገራ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ሕርቃን ኣስዒቡ ቀንዩ። ብሰንኪ እዚ ቁጠዐ  ወነንቲ እተን መኻይን ነቲ ዝግበር ዘሎ ራስያ ብምቅዋም ኣብ ምምሕዳር ግርማይካ ቀሪቦም ነቲ ምህጋር ናይተን መካይን ብትሪ ተቃውሞኦም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣስሚዖም። 

ምምሕዳር ግርማይካ ነቶም ወነንቲ ዝተራሰያ ሎሪ ኣኪቡ ብወገኑ ዝፈልጦ ነገር ከምዘይብሉ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን እቶም ወነንቲ መካይን ብውገኖም፡ ምምሕዳር ኮንካ እንተተመዲብካ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ዝፈልጦ የብለይን ክትብለና ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ ህዝቢ ብእኩብ ቁጠዐኦም ገሊጹምሉ። ብወገን እቲ ምምሕዳር ግን እቲ ጉዳይ ልዕሊ ዓቅሙ ብምኻኑ ብዛዕባቲ ዝግበር ዘሎ ራስያ ናይ መካይን ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብሉን ጉዳዮም ተራእዩ ብመንግስቲ ኪምለሸሎም ኪጽዕር ሙኻኑን ሓቢሩ። 

ይኹን ግን ፡ ድሕሪ ገለ መዓልታት ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ህግደፍ ናብ ግርማካ ብምምጻእ ነቶም ነቲ ስጉምቲ ብምቅዋም ተቃውሞኦም ዘስምዑ ወነንቲ መካይን ገና ካልእ ስጉምቲ ይጽበዮም ከም ዘሎ ድሕሪ ምግቡዕባዕ ፡ እዚ እቲ መጀመርያ ናይ መቕጻዕትኹም ስግምቲ ኢዩ ካልእ ትሕተቱሉ ጉዳይ ኣሎ ብምባል  እቲ ኣኸባ ብምሕንሓን ከም ዝዛዘሞ ተፈሊጡ ኣሎ ።

ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ወነንቲ ሎሪ ዝግበር ዘሎ ዓመጽ እና ዛየደ ብምምጽኡ ኣብዚ ግዜዚ ህግደፍ ስግረ ዶብ ተመላልሱ ኣለኹም ብዝብል ምኽንያት ብርክት ዝበላ ሎሪ ኣብ ግርማይካ ኮምኡ ድማ ኣብ ፎርቶ ሳዋ ሃጊርወን ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። እዘን ብስርዓት ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ተወሪሰን ኣብ ዓሻ ጎልጎል ግዒዘን ዘለዋ ሎዋሪ ነቲ ስርዓት ብወነንተን ከቢድ ዝኾነ ተጻብኦ ይገጥሞ ኣሎ። 

    Print       Email

You might also like...

ሓድሽ ንቡር፡ ኣዚዩ ሓደገኛ ክስተት!!

Read More →