Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ኪትግበር ከምዝግባእ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ብኣጋጣሚ  ናይቲ ሎሚ 12 ታሕሳስ 2017 መበል 17 ዓመት ዝገበረ ምኽታም ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

By   /  December 12, 2017  /  Comments Off on ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ኪትግበር ከምዝግባእ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ብኣጋጣሚ  ናይቲ ሎሚ 12 ታሕሳስ 2017 መበል 17 ዓመት ዝገበረ ምኽታም ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    Print       Email

ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ኪትግበር ከምዝግባእ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ብኣጋጣሚ  ናይቲ ሎሚ 12 ታሕሳስ 2017 መበል 17 ዓመት ዝገበረ ምኽታም ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኤርትራን ኢትዮጲያን  ኣብ ግንቦት 1998 ብሰንኪ ኣብ መንጎአን ዝተወለዐ ኩናትን ኽልተ ዓመታት ህይወት ኣእላፍ መንእሰያት ዝበልዐ ኩናት ምክያደን ድሕሪ ምዝካር፡  ከም ኩሎም ካልኦት ኩናት፥ ናይዘን ክልተ ሃገራት ኩናት ውን ኣብ ጠረጴዛ ጥራይ ክፍታሕ ስለዝነበሮን ዝግባእን ኣብ ሰነ 2000 ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት፥ ኣብ ታሕሳስ ናይቲ ዓመት ድማ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ድሕሪ ምኽታም እቲ ኩናት ደው ምባሉ ጠቒሱ።!

ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ፥ ኣብ ቅድሚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ኣፍሪቃዊ ሕብረት፥ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ኣውሓስቲን  ዝርከብዎ መጋበኣያ  ዝተኸተመ ውዕል ኢዩ።

እቲ ናይ ሰላም ማህደር ብዓንቀጽ 4.2 ናይ ዝርዝራቱ ንዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት(1900፤1902፤1908) ከምኡውን ተዛመድቲ ኣህጉራውያን ሕግታትን፥ ዶባዊ ብይኑ ክህብ፥ ክሕንጽጽን ክኽልልን (demarcation and delimitation) ሓላፍነት ዘሰከሞ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን መዚዙ ብኡ መሰረት ድማ ዶባት ኣብ ካርታታት ተመልኪቱ እኳ እንተነበረ፡ እቶም ኣውሓስቲ ዝግበኦም ሓላፍነት ስለዘየልዓሉ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ድማ ነቲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ኪኸውን ዝተሰማማዓሉ ውዕል ልዕሊ ጉጭ ትሕቲ ጉጭ ዝብል መመኽነይታታት ፈጢሩ ስለዘይተቐበሎ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ክትግበር ከምዘይከኣለ ገሊጹ። 

ኣብ መወዳእታ መግለጺ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ውዕል ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ኪትግበር ጻውዒት ብምቕራብ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን  እቲ ንነዊሕ እዋን ሃንቀው ዝበሎዎ ሰላም ኪረጋገጸሎም ፖለቲካዊ ውሳነን ምርጫን  ዘይኮነ፡ ሕጋዊ ውሳነን ግዴታን  ሙኻኑ ኣዘኻኺሩ።

    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ፈጢሩ ይዝርግሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →