Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ዋጋ ናይ ቢራ ብ150% ከምዝወርድ ጌርዎ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ብስእነት መሰረታዊ ስንቂ ጥምየት ኣትዩ ምህላዉ ይሕበር።

By   /  December 14, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ዋጋ ናይ ቢራ ብ150% ከምዝወርድ ጌርዎ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ብስእነት መሰረታዊ ስንቂ ጥምየት ኣትዩ ምህላዉ ይሕበር።

    Print       Email

ኣብ ኩለን ክፍለ ሰራዊታት ሕጽረት መሻርፍ ናይ ሕሩጭ ኣጋጢሙ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ሓይልታት ምክልኻል ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እተን ክፍለሰራዊታት ናይ ወርሒ ታሕሳስን ሕዳርን ስንቂ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተቀበላ ተረጋጊጹ ኣሎ።ብሰንኪ እዚ ኣብ ሰራዊት ዘይተላእከ ስንቂ ኣብ ኣሃዱታት ጥምየት ኣትዩ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት፡ ብፍላይ ኣሃዱታት እዚ ምዕራብ ካብ እቲ ናይ ሰራዊት ደሞዝን ውሽጣዊ ኣብ ባንክታት ዝጸንሐን ገንዘብን ብምግባር መሸላ ካብ ሹቅ ይዕድጋ ክም ዘለዋ ተፈሊጡ።

ካብ ወርሒ ግንቦት ኣቢሉ ኣብ ሰራዊት ስእነት መሻርፍን ቅያር ዩኒፎርምን ኣጋጢሙ ምኽራሙ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕደል ንጽህና መንዲል ማለት ሞዴስ ክችምኡ እውን ንሓደስቲ ዝወሃብ ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ንልዕሊ 6 ወርሒ ድሃዩ ክም ዘየለሓቢሮም። እቶም ክፍለሰራዊታት ብመንገዲ እዚ ግንባራት ጸገማቶም ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እኳ እንተላኣኹ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ሰራዊት ብዘለዎ ኢዩ ዝናበር፡ ጥሜትን ዕርቃንን ኣካል መለክዒ ጽንዓት ሰራዊት ኢዩ፡ ንጽህና መንዲል መሰረታዊ ሕቶ ኪኸውን ኣይግባእን ክብል ከምዝመለሰሎም ተሓቢሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኣብ ሰራዊት መሻርፍ ጎዲሉ፡ ደቀንስትዮ ንፍሕና መንዲል ንስድራቤተን ለኣኹልና ክብላ ይረኣያ ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ብተደጋጋሚ ዝቐረበ ናይ ሚሊታሪ ዩኒፎርም ሕቶ ስለዘይተመለሰ ኣብ ሰራዊት ዝምደቡ ሓደስቲ ኣባላት ሲቢል ክዳን ብምልባስ ኣብ መሳርዖም ይኣትዉ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ብኣንጻር እዚ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝግበር ዘሎ ብደዐን ዓመጽን መንግስቲ ኤርትራ ዋጋ ናይ ቢራ ብ150% ከምዝወርድ ጌርዎ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ዋጋታት ናይ ኩሎም መሰረታዊ ሃለኽቲ ብናህሪ ይቕጽለሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቢራ በጺሑ ዋጋ ዳርጋ ብ150% ሙግዳሉ ንብዙሓት ሰባት ኣገሪሙ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

ሓደ ካብቲ መንግስቲ ኤርትራ ተጊሁ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ተግባራት፡ መንእሰያት ኣብ ዝሙትን መስተን ሳዕስዒትን ከምዘድህቡ ምግባር ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ኣልኮላዊ መስተ ተገይሩ ዘሎ ገዚፍ ናይ ዋጋ ሙግዳል መርኣያ ናይቲ ዝተባህለ ተግባራት ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ዋጋ ባኒን ዝስተ ማይን ዘየጉደለ ስርዓት፡ ዋጋ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ከጉድል ምርኣይ ክሳብ ክንደይ ነቲ ህዝቢ ንዒቕዎ ከምዘሎ ዘርኢ ሙኻኑ እውን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ፈጢሩ ይዝርግሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →