Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ናብ ካልእ መኣዝን ንምጥዋይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ሳይበር ኩናት ተኣዊጁ ስለዘሎ ጥንቃቐ ኪግበር ዝብል ጽዑቕ ኣኼባታት ትካላት መንግስቲን ግንባርን የካይድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  December 24, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ናብ ካልእ መኣዝን ንምጥዋይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ሳይበር ኩናት ተኣዊጁ ስለዘሎ ጥንቃቐ ኪግበር ዝብል ጽዑቕ ኣኼባታት ትካላት መንግስቲን ግንባርን የካይድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ናብ ካልእ መኣዝን ንምጥዋይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ሳይበር ኩናት ተኣዊጁ ስለዘሎ ጥንቃቐ ኪግበር ዝብል ጽዑቕ ኣኼባታት ትካላት መንግስቲን ግንባርን የካይድ ምህላዉ ተሓቢሩ። 

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ዘመተ፡ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ኩሉ ኣቓልበኦም ናብ ቅሬታን መረረን ስለዘድሃበ፡ እቲ ጸላኢ ፈጢርካ ህዝቢ ኣብ ራዕዲ ናይ ምእታዉ ሜላ ንምቕጻል ዝዓለመ ኢዩ። ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ፍርሂ ከድህብ መታን ወግሐ ጸብሐ ኩናት ዘይተርፍ ኢዩ፡ ወያነ፡ ኣሜሪካ፡ ጅቡቲ ወዘተ እንዳበለ ኪሰርሖ ዝጸንሐ ጽውጽዋያት ህዝቢ ዒቕ ስለዝበሎን ክንዕቆ ስለዝጀመረን፡ ሕጂ ናይ ኮምፒተርን ሳይበርን ጠለፋ ኩናት ተጀሚሩ ዝብል ጎስጓስ ጀሚሩ ምህላዉ ተሓቢሩ። 

ናይ ሳይበር ውግእ ኣብ መንጎ ኩለን ሃገራት ዘሎ ባህርያዊ ነገር ሙኻኑ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ገና ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን ይስረሓሉ ብዝነበረ ወረቐትን ናይ እዋን ዘመነ ጥልያን ፋይላትን ዝሰርሕ ትካላት መንግስቲ፡ ናይ ሳይበር መጥቓዕቲ ክኣትዎ ኢዩ ወዘተ ኢልካ ጎስጓስ ምግባር ካብ ዘስሕቕ ነገር ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ይግመት። 

እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ወያነ እስራኤል ዝሃቦም መሳርሒ ሳይበር ጌሮም ኣብ ውሽጥና ኣትዮም ኣለዉ ዝብል ኮይኑ፡ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ንስኹም እውን ትጥርጠሩ ኢኹም ዘስምዕ መጠንቀቕታ ይወሃቦም ምህላዉ ተሓቢሩ። 

መንግስቲ ኤርትራ እቲ ካብ ስርቂ ፕረዚደንት ኢሳያስን ካልኦት ውሑዳት ላዕለዎት ሓለፍቲን ዝተረፈ ዝርካቡ ገንዘብ ኣብ ምጽንጻን ኣብ ዝውዕሉ መሳርሒታት ከምዘውፍሮ ይፍለጥ። እቲ ኣብ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ዝግበር ወፍርታት ምሉእ ብሙሉእ ህዝቢ ንምጽንጻን፥ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት እንተላይ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝግበር ናይ ኢንተርነትን ቴሌፎንን ርክባት ብሪከርደርን ቅዳሕ ጽሑፍን ንምሓዝን ንምምላእን  ኣበርቲዑ ይጽዕት ኣሎ። 

ብዘይካ እዚ ኣብዚ ናይ ምጽንጻን ስራሕ ዝዋፍሩ ሰባት  ብኣስገዳድ ይምድብ ምህላዉ ይፍለጥ።እቶም ኣብዚ ዓይነት ስራሕ ዝሰርሑ መንእሰያት እቲ ዕማም ሓደገኛ ብሙኻኑን ሕልነኦም ስለዘይቅበሎን ፈትዮም ከምዘይሰርሕዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እቶም ኣብ ናይ ምጽንጻን ዓይነት ስራሕ ዝሰርሑ መንእሰያት ምስ ስድራቤቶም ርክባት ከይገብሩ፥ ምስጢር ከየውጽኡ ንባዕሎም ከቢድ ምክትታል ከምዝግበረሎም ይፍለጥ።

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እቲ ህጻን ቆልዓ እውን ከይተረፈ ቴሌፎናት ምጽንጻን ከምዝግበረሉ ስለዝፈልጥ ካብ ወጻኢ ናብ ሃገር ኣብ ዝድውለሉ እዋን ዘረብኡ ብኮድ ሸፊኑ ክዛረብ ተገዲዱ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ ኤርትራ ሕጂ እውን ብዘይ ዝኾነ ምኽንያትን ሕጋዊ መስርሕን ኣብ እንተርነት ዝሰርሑ ሰባት ምእሳር ይዛይድ ምህላዉ ናይዚ ምጽንጻን መርኣያ ኮይኑ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ከባቢ ባሕቲ መስከረም ካብ ዝርከባ እንዳ እንተርነታት 5 ሰባት ብሃገራዊ ድሕነት ተኣሲሮም። እቶም ዜጋታት ብሰለስተ እብረ ኣብቲ እንዳኢንተርነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኮይኖም ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ኢዮም ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተኽብኪቦም ተወሲዶም።

    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ፈጢሩ ይዝርግሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →