Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ህግደፍ፡ ንህዝቡ ዘይኮነ  ንባይታ ክረግጽን ኣብ ውሽጢ ህዝቡ ክነብርን ይግባእ!

By   /  December 7, 2017  /  Comments Off on ህግደፍ፡ ንህዝቡ ዘይኮነ  ንባይታ ክረግጽን ኣብ ውሽጢ ህዝቡ ክነብርን ይግባእ!

    Print       Email

ኤርትራ ንኹሉ ዞባዊ ኣህጉራዊን ዓለማዊን ጉዳያት ‘ሞያዊ ምኽሩ ዝልግስ’፥ ዓለም ኣብ ቁጠባዊ፥ ፖለቲካዊ፥ ማሕበራዊ፥ ወተሃደራዊ – እረ ሳይንስን ቴክኖሎጂን – እንታይ ክትገብር ከምዘለዋ ዝፈልጥ ኩሉ ዝከኣሎ ህግደፍ ከምዘለዋ ኢና ንንገር ንግሆን ምሸትን ብደገፈቲ ናይቲ ስርዓት።

ስርዓት ህግደፍ ፡ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን  እንታይ ኢዩ ኣበስኡ፡ ደቂ የመን ስለምንታይ ይስደዱ ምህላዎም፡ ሰሜን ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተኸተለኦ ጉጉይ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ፡፥ መስርሕ ርእሰ ውሳነ ክሬምያ ካብ ዩክረይን ኣብ ምንታይ መዳያት ጌጋታት ፈጺሙ፤ ንዕኡ ተኸቲሉ ዝሰዓበ ውግእ ዶንባስን ናይ ፕረሲደንት ቪክቶር ያኖኮቪች ስትራተጂካዊ ጌጋታትን እንታይ ነይሮም ኣስተምህሮ  ድሕሪ ምሃብ ፍታሕ ዝብሎም ነጥብታት ይዝርዝር።

ቅንይ ኢሉ ካልእ ወረቓቕቲ ናይ ህግደፍ፥ ህንዲ ስለምንታይ ዴሞክራስያዊት ክትበሃል ከምዘይትኽእልን እተካይዶ ምርጫታት ዘይረብሕ ሙኻኑን፥ ፍልስጤም ክልተ ሃገራት ዝብል ሕቶ ገዲፋ ስለምንታይ ምስ ጆርዳን ክትሕወስ ከምዝሕሻ፡ ዓለም ካብዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ናይ ፍልሰት ቅልውላው ክትወጽእ ክትገብሮ ዘለዋ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ምኽርታት ንዓለም የቕርብ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እውን ኣድላዩ እንተኾይኑ ህግደፍ ናብተን ሃገራት ተጓዒዙ መርኣያ ፕሮጀክተታ ከቕርብ ኪተሓጋገዝ ሙኻኑ ይሕብር።

ጸኒሑ ፡ ብልሽውና እንታይ ማለት ሙኻኑ፡ ትርጉም ተኣማንነት ህዝቢን ብልሽውናን፡ ዓለም ካብ ብልሽውና ነጻ ክትወጽእ ሕድሪ ሰማእታታታ ብኸመይ ከተኽብር ከይተረፈ  ካብቲ ሃብታም ተመኩሩኡን ንኤርትራ ኣብ ዓለም ቁጽሪ 1 ዝሰርዓ ኣብነታውነትን ኪኽፈል ከይበለ ኣስተምህሮኡ ይልግስ።

ደገፍቲ እቲ ስርዓት  ንግሆ ተሲኦም ሰሚዕካያዶ ናይ ትማሊ መግለጺ፡ ህግደፍ ንዓለም ይምህራ ኣሎ፡ ህግደፍሲ ዓለም ምልእቲ ክመርሓ ነይርዎ፡  እንታይ እሞ  ጸማም ዓለም ዘይትሰምዕ ከላ እንታይ ይገበር፡  ነተን ኤውሮጳ ዝገበረለን ከ ሰሚዕካዮዶታ! ይብሉ ሓሻኻ!

በቲ መግለጺታት ኤርትራ ክንደይ ሃገራት ይስሕቓኣ ምህላወን፥ ክንደይ ውድባት መላገጺ ከምዝገብረኣ፥ ክንደይ መሓዙት፥ ክንደይ ዲፕሎማስያዊ ነጥብታት ከሲራ ከምዘላ ብዓቢኡ ድማ እቲ ምኽርን ማዕዳን ካብ ገዛእ ነብሲ ክጅምር ከምዝግባእ እቶም የዋሃት ንምርድኡ ዓቕሚ ኣይረኽቡን ወይ ውን እቲ ካልእ ረብሐኦም ነዚ ንዝርኢ የዒንቶም ይደፍን!

ኣብ ውሽጥ ሃገር እውን ተመሳሳሊ ሞያዊ ኣስተምህሮታት ኢዩ ዝቐርብ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም ነዚ ወረ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ክዝርግሑ ዝተመደቡ ሰባት፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ መሃንድሳት ሞያዊ ዓቕሞም ድሩት ስለዝኾነ፤ ናይ ሕርሻ ክኢላታት ድማ ዝጠቕሙ ስለዘይኮኑ፤ናይ ፋይናንስ ወይ ሕጊ፡ወይ ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ዘካይዱ ክኢላታት ስለዘየለዉ፡ መራሕቲ ህግደፍ ኢዮም ኩሉ ነገር ዝሰርሑ። ዲጋ ይሰርሑ፡ ናይ ኢሚግረሽን ኣዋጃት የርቅቑ፡፡ ናይ ፋይናንስ ኣኼባታት ይሳተፉ፡ ናይ ማዕድንን ጸዓትን ስራሕ ይወስዱ፡ ናይ ፍትሕን ሕግን ኮሚቴ ይኾኑ፡ ናይ ቅዋም ምንዳፍ ሓላፍነት ይወስዱ፡ ወዘተ ምኽንያቱ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓላፊ ኩሉ ደንቆሮ ስለዝኾነ እቶም ናይ ህግደፍ ሓለፍቲ ናቶምን ዘይናቶምን ክሰርሑስ ድቃስ ስኢኖም በቃ!

እቲ ህዝቢ ውጽኢት ናይቲ ዝስራሕ ዘሎ መብራህቲን ዲጋን መታን ክርእይን፥ ‘መስዋእቲ’ መራሕቱ መታን ከድንቕን ድማ ዲጋታት ቶከርን ማይነፍሕን ምስ ማየን ከለዋ ህዝቢ ኣስመራ ማይ ከምዝስእን፡ ለይቲ ተሲኡ ፊስቶታት ብሞቕነን ሓሓንሳብ 100 ናቕፋ እንዳኸፈለ ከምዝመልእ ከምዝኸውን ይግበር። ብህግደፍ ‘ዝውላዕ’ መብራህቲ መታን ከድንቕ፡ ኩሉ እውን እንዳሃለወ፡  ንዓመታት ኣብ ጸልማት ከምዝጸንሕ ይግበር። ዸሓር ድሕሪ 26 ዓመት መብራህቲ ምርካብ ከም ተኣምር ዝቑጸር ነገር ጌርካ ብምቕራብ ከዓ መጸ መጸ ኣንበሳ ይመስል ኢልካ ምውዳስ ይውደብ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገርዩ። ኣብ ጉዳያት ዓለም ውን ህግደፍ ካብቲ ዕዉት ተመኩሩኡን ሞያዊ ብስለቱን ሰፊሕ ኣጠማምትኡን ሞይኡ ንዓለም ኣይበቐቐላን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ መጋበኣያታት፥ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ናይ ትካላውነትን መዋቕራዊ ዝርገሐን ጸገም ድሕሪ ምግላጽ እቲ ውድብ ከመይ ጌሩ ትካላውነትን ተሓታትነትን ከተኣታቱ ከምዝግባእ ሞያዊ ምኽሪ ለጊሱሎ።

ልክዕ’ዩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዝነበረ ኩነት ኢሉ ዝተፈጠረ ውዳበዩ። ካብዚ ብምንቃል ድማ ዘይፍትሓዊ ምቕረሐ ስልጣን ዘለዎ፥ ሰፊሕ ናይ ቀውፊ ሓይሊ ብዝውንን ጸቢብ ውዳበ ዝተዓብለለ ሙኻኑን ስለ ዓለማዊ ፍትሒ ክስተኻኸል ከምዝግባእን፥  ሓደን ክልተን ዘይበሃሎ ወይ እውን ኤርትራ ጥራይ በይና ዘይትፈልጦ ኣድማሳዊ ሓቂ’ዩ።

እቲ ሕቶ ግን ካልእ ኢዩ። እቲ መባእታዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይብሉ፥ ብሓደ ሰብ ብዝተጨበጠ ሓይሊ ዝመሓደር፤ ሓጋጊ ኣካሉ ዘፍረሰ፥ ፍርዳዊ ኣካሉ ዝበተነ፥ ፈጻሚ ኣካሉ ናብ ትርጉም ዘይብሉ መዋቕር ዝቐየረ፡ ብውልቂ ደረጃ እውን ወሪዱ ኣየናይ ስድራ ኪሳቐ ኣለዎ ኣየናይ ማርቻቤዲ ክጽገን ኣለዎ ዝቆጻጸር ስርዓት፡ በየናይ መለክዒ’ዩ ብዛዕባ ትካላውነትን ተሓታትነትን ክምድር ዝኽእል? ውጥን ይኹን ሃገራዊ ፕሮግራም፥ ትግባረ ይኹን ናይ ምትግባር ዓቕሚ፥ ገምጋም ይኹን ናይ ተሓታትነት መስርሕ ዘይብሉ ስርዓት፥ በየናይ መንገዲ ብዛዕባቶም ይትረፍ ክምድረሎም ከልዕሎም ውን ዘይግባኣ ጉዳያት ኣጻብዕቱ ናብ ካልኦት ከመልክት ዝኽእል።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ ኣብ ንዩ ዮርክን ዎል ስትሪትን ዘሎ ፊናንሳዊን ጌጋታት ብምጥቃስ ቁጠባዊ ፍልስፍናዊ መደረታት ውን ይህብዩ።

ልክዕዩ ኣብ ፊናንሳዊ ዓለም ከምእተጋህደ፥ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ክስተት ዓለማዊ ፊናንሳዊ ቅልውላው 2007 ከምእተረጋገጸ፥ ኣብ ምንስፋፍን ባሉናትን ዝነብር ብምውቕቓዕ ዝእዘዝ ፊናንሳዊ ትካላት ዓለም፥ ብፍላይ ድማ ልጛም ዘይብሉ ባንካኣዊ ኣሰራርሓ ንዓለምና ኣብ ቁጠባዊ ምከት ኖቒትዋዩ።

የግዳስ እቲ ነታ እንኮ ኣብ ዓለም ብዘይ ባጄት እትመሓደር ፥ ህዝቢ ገዛእ ገንዘቡ ክህልዎ ዘይተፍቅድ፥ ናይ ወፍርን ንግድን ዕድላት ስለዝተዓብለለ ነጋዶኣን ኣውፈርታን ናብ ኡጋንዳን ሱዳንን ዜሳደደት፥ ዶላር ምሓዝ ማዕረ ሓሽሽ ምሓዝ ዝቑጸረላ ሃገር ዘመሓድር ህግደፍ ፤  3 ሚልዮን ህዝባ ጸጊቡ ዜሕድር ቁጠባዊ ፖሊሲ ዘይብሉ ክንሱ፥ በየናይ መለክዒዩ ንዓለምን ናይ 6 ቢልዮን ህዝቢ ቁጠባን ኣስተምህሮ ክህብ ዝደፍር። ዝኽእልን ዝምህርን ተኾይኑ እቲ ቀዳማይ ሓላፍነቱ ኪኸውን ዝግበኦ ገዛእ ህዝቡ ብግቡእ ምምሕዳር ኢዩ።

እቲ ስርዓት ብዛዕባ ርሑቕን ቀረባን ዘለዋ ሃገራት ውን ብምስትንዓቕ መደረታት ይገብርዩ። ብዛዕባ እንዳ ጨቓዊት ዝመስል ገዛውቲ ገለ ሃገራት፥ ብዛዕባ ዘይጠቅም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ገለ ጎረባብቲ፥ ብዛዕባ ብውጥን ዘይተሰርሐ ከተማታት ወዘተ። ንዕቀት እንታይ ይጠቅም፥ ብዛዕባ ካልኦት ምዝራብ እንታይ ይፍይድ፥

ህዝቢ መወዳእታ ሚዛኑ ዝህብ መራሕቱ ንኻልኦት ሃገራት ክንደይ ግዜ ኣነኣኢሶምን ጸሪፉምን ኣይኮነን። ህዝቢ ገዛ ረኺቡዶ፥ መጽለሊ ይህነጽ ኣሎዶ፡ ሽግራት መታን ክቕረፉ እንታይ ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ፥ ኤሌትሪክ ይርከብ ኣሎዶ፥ ብሓርነት ካብ ሃገሩ ክኣቱን ክወጽእን ይኽእልዶ፥ ዝብላዕ መግቢ፤ ዝስተ ማይ ይረክብ ኣሎዶ፥ ፍትሒ ነጊሱ ኣሎዶ፥ እሱራት ኣሕዋቱ፥ ኣሓቱ፥ ደቁን ወለዱን ስለምንታይ ከምዝተኣስሩ፥ መን ከምዝኣሰሮም፥ ኣበይ ከምዘለዉ ንኽንደይ ከምዝተፈርዱ በየናይ ሕጋዊ መስርሕ ተኣሲሮም ክፈልጥ መሰል ኣለዎ’ዶ እዩ ዘገድሶ፥

እታ እንኮ ቅዋም ዘይብላ ሃገር ዝመርሕ ስርዓት ብዛዕባ ሕጋውነትን ትካላውነትን ንሕቡራት ሃገራት መደረ ክህብ ሕጋዊ ባይታ የብሉን። ንገዛእ ህዝቡ መሰረታዊ ጠለባት ወዲሰብ ማለት መግቢ፥ ማይ፥ ቤትን ልብሲን ክቕርብ ዘይከኣለ ስርዓት ብዛዕባ ኣብ ዎል ስትሪትን ኑዮርክን ዘሎ ቁጠባዊ ፍልስፍናታት እንተተዛረበ ነገር ዋሎ’ዩ ኪኸውን።

ኣብ ስርዓታት ከምዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምህውታት ዝረኣዩ እቶም መራሕቲ ካብ ባይታን ህዝብን ኣዚዮም ዝተፈንተቱ፥ ንክውንነት ብዓይኖም ክርእይዎ ብኢዶም ክድህስስዎ ኣብ ዘይክእሉሉ ርሕቀት ምስዝህልዉ እዩ።  ስለዝኾነ፥ እቲ ስርዓት፤ እታ ብዙሓት ዝበሃግዋ ብዉሑዱ ህዝባ ሰለስተ ግዜ በሊዑ፥ ጽሩይ ማይ ሰትዩ፤ ኣብ ማሙቕ ቤት ዝሓድረላ ሃገር ከምትህሉ ክገብር ተኾይኑ ካብቲ ዜንሳፍፎ ዘሎ ናይ ሕልሚ ዓለም ክዓልብ፥ ንህዝቡ ዘይኮነ  ንባይታ ክረግጽን ጎኒጎኒ ህዝቡ ክነብርን ይግባእ።

እንተ’ቲ ንዞባዊያንን ዓለማውያንን ውድባት ምምሃርን ምምካርን ግን፥ እቲ ናይ ቤት ዕዮ ምስተገበረ እንተዝወሃብ ምሓሸ። እቲ እትብሎ ኣብ ቤትካ ምስእትገብሮ ኢዩ ዘረባኻ ሰማዒ ዝርከብ፤ ከምኡ ከይገበርካ ከምኡ እንተመዲርካ ግን መዳ’ኣሊ ካልኦት ጥራይ ኢኻ ትኸውን።

    Print       Email

You might also like...

ኤርትራ – ሃብታም ሃገር፡ ዝሰርቕ መንግስቲ፡ ዝደኸየ ህዝቢ።

Read More →