Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ህዝቢ ኤርትራ መመሊሱ ዝንዕቆ መንግስቲ ዝፈጥር ዘሎ ብዘርእዮ ዘሎ ልኡም ባህርያት ኢዩ።

By   /  December 15, 2017  /  Comments Off on ህዝቢ ኤርትራ መመሊሱ ዝንዕቆ መንግስቲ ዝፈጥር ዘሎ ብዘርእዮ ዘሎ ልኡም ባህርያት ኢዩ።

    Print       Email

ኣብ ዜናታት ከምዝተሓበረ፡ ኣብ ኣስመራ ክሳብ 350 ትካላት ተዓጽየን ኣለዋ። እዞም ወነንቲ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ዝጸንሐ ዓመጽ ተጻዊሮም ዝኾነ እንዳኾና ኣብ ዓድና ክንነብርን ክንሰርሕን ኣሎና ዝበሉ ኢዮም።

ብዙሓት መራሕቲ ንህዝበይ ብከመይ የሕጉሶ ኢሎም ክሓስቡ ይሓድሩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሪሕነት ግን ጽባሕ ንግሆ ተሲአ ብኸመይ መንገዲ ኢየ ነዚ ህዝቢ መዓንጥኡ ዘሕርሮ ኢሎም ከይደቀሱ ይሓድሩ።
እዚ ኣብ ጸጋም ትርእይዎ ዘለኹም ሎሚ 14 ታሕሳስ ዝተወሰደ ስእሊ እቶም ትካላቶም ምስተዓጽወ ዝተቓወሙ ዜጋታት ካብቲ ከሰምዑሉ ዝመጹ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ተኣሲሮም ናብ 6ይ መደበር ፖሊስ ኪውሰደኩ ከለዉ ዘርኢ ኢዩ።
ገለ ኣዋርሕ ይገብር ሓደ ሚኒስተር ንእኩባት ሰባት ኣብ ዘዕልለሉ ዝነበረ እዋን፡  ፕረዚደንትና ነዘን ሃብታማት እንተስ ብጓሂ ጸቕጢ ደም፡ እንተስ ብብስጭት ነብሰን ከምዝሓንቃ  ክንገብረን ኢና ኢሉ’ ክብል ከምዘነይት ነገር ክዛረበሉ ተሰሚዑ ነይሩ። ንገዛእ ህዝብኻ ብብስጭት ምቕታል ብኸመይ መንገዲ ምስ ብልሕን ጅግንነትን ይቑጸር እቶም ባሃልቱን ደገምቱን ጥራይ ዝርድእዎ ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ግን ዘሕዝን ኣበሃህላ ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ነጋዶን ኣውፈርቲን ኩናት ካብ ዝእወጅ ዓመታት ኣቕጺሩ ኣሎ። ምኽንያቱ ስሰዐ ዝፈጠሮ ምሕሳድ ጥራይ ኢዩ። ዜጋታት ክሰርሑ፡ ንኻልኦት ከስርሑ ህግደፍ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ብፍልስፍና ህግደፍ ጥር ዝበለት ገንዘብ ፡ ዝኾነ ዝሰርሕ ትካል፡ ወይ ዘፍሪ ፋብሪካ ኣብ ትሕቲ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣትዩ፡ ገንዘቡ ኣብ ስድራቤት ፕረዚደንት ኢሳያስን ሓጎስ ገብርህይወትን ካልኦት ብልሽዋትን ክኣቱ ኣለዎ።
ባዕሎም ዘዋፍርዎም ኣሽረፍቲ  ዶላር ተመሊሶም ዝኣስሩ ንሳቶም ኢዮም። ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ኬንያን ኡጋንዳን ኣውፊርዎ ዘሎ ናይ ጽዕነት መካይን ቢዝነስ፡ ኣብ HSBC ዱበይ ብስም ወይዘሮ ሩት ኣቐሚጥዎ ዘሎ ሚልዮናት ዶላራትን፡ ካብዚ ምዝማት ዝውህለል ኢዩ።
ብዙሓት ሰባት እቲ ብልሽውና ኣይንጻወርን ኢና ዝብል ፕረዚደንት ብኸመይ መንገዲ እዚ ኩሉ እንዳተገበረ ንገለ ሰባት ትም ኢሉ ይርእይ ዝብል ሕቶ የልዕሉ ኢዮም፡ መልሱ ግን ንጹር ኢዩ። እቲ ብጭካኒኡን ብደዐኡን ጸቢብ ምትእስሳሩን ስልጣን ክሕሉ ዝተመረጸ ጀነራል፡ ዋጋ ዓስቡ ነጻ ፍቓድ ብልሽውናን ምብዕላግ ብስልጣንን ኢዩ፡ እቲ ብብልሽውንኡ ዝተመረጸ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ንዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ወጻኢ ንምቕማጥን ንምሕላውን ዝተመረጸ ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ናይ ሎምቅነ ተግባራት ዝተማህሮ ነገር እንተሎ ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ክመሓየሽ ከምዘይኮነ ኢዩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡ ምኽንያቱ  ገንዘቡ ወሪስዎ ስቕ፡ ንብረቱ ወሪስዎ ስቕ፡ ዓረብያታት ስንኩላኑ ወሪስዎ ስቕ ዝብል እንተኾይኑ መመሊሱ ዝንዕቆ እምበር ዘኽብሮ መንግስቲ ክረክብ ኣይኮነን።
    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዘሻቕሉ ጉዳያት ፈጢሩ ይዝርግሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →