Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሰራሕተኛታት ገዛን ናይ ቤትጽሕፈት ጸሓፍቲን ገለ ሓለፍቲ ብኣስገዳድ ናይ እዝኒ ኮይነን ክሰርሓ ይግድድወን ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  December 8, 2017  /  Comments Off on ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሰራሕተኛታት ገዛን ናይ ቤትጽሕፈት ጸሓፍቲን ገለ ሓለፍቲ ብኣስገዳድ ናይ እዝኒ ኮይነን ክሰርሓ ይግድድወን ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email
ሰራሕተኛታት ገዛን  ናይ ቤትጽሕፈት ጸሓፍቲን  ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዘይ ድልየተን ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኮይነን ክሰርሓ ይግደዳ ምህላወን ምንጭታት ሓቢሮም። እተን ሰራሕተኛታት ገዛን  ናይ ቤት ጽሕፈት ጸሓፍቲን  እዚ ዝካየድ ስራሕ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ እቲ ዕማም ከም ሃገራዊ ኣበርክቶ ርእየን ግድን ኪሰማማዓ ጸቕጢ ዝገብር ሙኻኑ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት ነተን ሰራሕተኛታት ገዛን  ናይ ቤትጽሕፈት ጸሓፍቲን ንምስዳዕ ክሳብ 1200 ናቕፋ ተወሳኺ ክፍሊት ክግበረለን ሙኻኑ ይሕበረን ምህላዉ ተሓቢሩ።
ቀንዲ ዕማም ናይተን ሰራሕተኛታት ገዛን  ናይ ቤትጽሕፈት ጸሓፍቲን እቶም ሓለፍቲ ኣብ ገዘኦምን ቤትጽሕፈቶምን ዝገብርዎ ርክባት፡ ዝመጽዎም ሰባት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ምሕባር ሙኻኑ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት ክትኣምኖ ንምእማኑ ናይ ዘሸግር ላዕለዎት ሓለፍቲ ሊስታ ኣብ ኢዶም በጺሑ ምህላዉ ኣረጋጊጾም።
ምልካውያን ስርዓታት ኣብ ኣጋ ውድቀቶም ንዝኾነ ወገን ዝጥርጥሩሉ እዋን ሙኻኑ ብታሪኽ ዝተረጋገጸ ኢዩ። ንኣብነት ናይ ኡጋንዳ መላኺ ፕረዚደንት ዝነበረ ኢዳ ኣሚን ዳዳ ነተን ካብ 3 ዘይውሕዳ ኣንስቱ ምስ ቦዲጋርድታተይ ኮንክን ውዲት ትኣልማ ኣለኽን ኢሉ ከምዝኣሰረን ይፍለጥ። ናይ ሕብረት ሶቬት መራሒ ዝነብረ ስታሊን እውን ንገዛእ በዓልቲ ቤቱ ብጥርጣረ ድሕሪ ምእሳሩ  ነታ ደሃይ ክትፈልጥ  ዝመጸት ዞምኡ እውን ክትቀትልኒ ትኣልሚ ኣሎኺ ብምባል ከምዝቐተላ ይፍለጥ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ራዕዲ ምልክታት ናይዚ ባህሪ መቐጸልታ ኮይኑ ሰራሕተኛታት ገዛን  ናይ ቤትጽሕፈት ጸሓፍቲን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃሱሳት ጌርካ ህይወት ናይ ሓለፍቲ ምርባሽ መርኣያ ጭንቀት ናይቲ ስርዓት ኢዩ።
    Print       Email

You might also like...

ሓድሽ ንቡር፡ ኣዚዩ ሓደገኛ ክስተት!!

Read More →