Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ፕረዚደንት ኢሳያስ እቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ ዝነቶገ ነድሪ ህዝቢ እንዳበኣሰ ይከይድ ኣሎ ዝብል ገምጋም ስለዝተዋህበ ህዝቢ ንምትህድዳእ ዝዓለመ ሓደ ኮሚቴ ኣቑሙ ምህላዉ ተሓቢሩ። 

By   /  November 19, 2017  /  Comments Off on ፕረዚደንት ኢሳያስ እቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ ዝነቶገ ነድሪ ህዝቢ እንዳበኣሰ ይከይድ ኣሎ ዝብል ገምጋም ስለዝተዋህበ ህዝቢ ንምትህድዳእ ዝዓለመ ሓደ ኮሚቴ ኣቑሙ ምህላዉ ተሓቢሩ። 

    Print       Email

ፕረዚደንት ኢሳያስ እቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ ዝነቶገ ነድሪ ህዝቢ እንዳበኣሰ ይከይድ ኣሎ ዝብል ገምጋም ስለዝተዋህበ ህዝቢ ንምትህድዳእ ዝዓለመ ሓደ ኮሚቴ ኣቑሙ ምህላዉ ተሓቢሩ።

እቲ ኮሚቴ ብኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዝምራሕ ኮይኑ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶምን ፈጻሚ ቦርድ ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርትን ትካላትን ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ዝሃዘ ኢዩ።

እቲ ኮሚቴ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ከካይድ ተሓቢሩ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት ትሕዝቶ ናይቲ ተዋሂብዎም ዘሎ ነጥብታት ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትምህርቲ ሓድሽ ነገር ከምዘይኮነ፡ ዝምልከቶ ኣካላት መንግስቲ ደኣ ኣየተግበሮን እምበር ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ዝተነጸረ ሙኻኑ፡ ሃገራዊ ከሪክለም ትምህርቲ መንግስቲ ከምዝውስኖ፡ ሓደገኛ ተመኩሮ ናይ ሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዘስዕቦ ኣብነታት፡ ዝጉስጉስ ኢዩ።

ጎኒ ጎኒ እዚ ኣብ ጉጅለታት ህግደፍን መራኸቢ ብዙሃንን ዝወሃብ መግለጺታት ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብ03 ዝዝርጋሕ ካልእ መልክዕ ዝሃዘ ጎስጓስ ተኣዲሉ ምህላዉ እውን ይፍለጥ።

እቲ ኣኼባታት ናይ ህዝቢ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ኪጅመር ሙኻኑ ይሕበር።

    Print       Email

You might also like...

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥቓ ቤተ ክርስትያን እንዳስላሰ ዝጸንሐ ዕዳጋ ኣሕምልቲን ሽጉርቲ ኮሚደረን ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራት ከተማን ከምዝድምሰስ ጌሩ

Read More →