Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ 31 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ናዕቢ ህዝቢ፡  ክሳብ ናብቲ ደረጃ ክበጽሕ ዝኸኣለ መርኣያ ውድቀት ሃገራዊ ድሕነትና ኢዩ ክብል ንሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ብኸቢድ ወንጂሉ።

By   /  November 8, 2017  /  Comments Off on ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ 31 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ናዕቢ ህዝቢ፡  ክሳብ ናብቲ ደረጃ ክበጽሕ ዝኸኣለ መርኣያ ውድቀት ሃገራዊ ድሕነትና ኢዩ ክብል ንሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ብኸቢድ ወንጂሉ።

    Print       Email
ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ናዕቢ ፕረዚደንት ባዕሉ ዝመርሖም ብዙሓት ናይ ሃገራዊ ድሕነት፡ ስለያን ምክልኻልን ኣኼባታት  ይካየዱ ምህላዎም ዝሓበሩ  እቶም ምንጭታት:  ‘ሰልፈኛታት ናብ ማእከል ኣስመራ ክሳብ ዝወርዱ ስለያዊ መሓውርኩም ኣበይ ነይሩ’ ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ በቲ ፕረዚደንት ይለዓል ምህላዉ ሓቢሮም።
 
እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ እቲ ናዕቢ ቅሳነት ስኢኑ ምህላዎም ዘረጋግጹ ብዙሓት ምልክታት ምህላዎም ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ እዚ ናዕቢ ‘ነቶም ኣጋጣሚ ዝጽበዩ ዝነበሩ ጸላእቲ ዕድል ዝሃበ ሓደገኛ ፍጻመ ኢዩ’ ክብል ከምዝገለጾ ሓቢሮም። 
ድሒሩ ከምዝተሓበረ እቲ ናዕቢ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን ፕረዚደንት ኢሳያስ ብቕጽበት ብሄሊክፕተር  ከምዝተንቀሳቀሰ ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ፕረዚደንት በዛ ካብ 120 ዘይበዝሑ ሰባት ዝተሳተፍዋ ዕግርግር ብኽንድቲ ቅልጣፈ ሄሊኮፕተር ኣዚዙ ምህዳሙ ንቡዙሓት ሰባት ኣገሪሙ ምህላዎ እውን እቶም ምንጭታት ገሊጾም። 
    Print       Email

You might also like...

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

Read More →