Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ግዝያዊ ሙፍቲ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ምህላዉ ተፈሊጡ። 

By   /  November 11, 2017  /  Comments Off on ግዝያዊ ሙፍቲ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ምህላዉ ተፈሊጡ። 

    Print       Email
እቲ ሙፍቲ ናብ ኤምባሲ ሱዳን ክሃድም ዝወሰነሉ ምኽንያት ኣብዚ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ ንጹር መርገጺ ክወስድ ስለዘጸገሞ ሙኻኑ ምንጭታት ካብ ቤት ጽሕፈት ሙፍቲ ሓቢሮም። 
 
መንግስቲ ንቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣኽርያ ኣብ ዝዓጸወሉ እዋን፡ ምስ መርገጺ መንግስቲ ደው ክብል ስለዝሓተቶ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ህዝቢ መጋበርያ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኢሉ ስለዝኾነኖ፡  እቲ ሙፍቲ ኣብ መንጎ ክልተ ወገን ተቐርቂሩ ምጽንሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። 
 
ግዝያዊ ሙፍቲ ኤርትራ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መስጊድ ኹለፋ ራሺዲን ከምዘይሰገደ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ሙፍቲ ከቢድ ቅሬታ ጌሩ ምህላዉ ሓቢሮም። 
 
ብፍላይ ህዝቢ ኣኽርያ  ኣዴታትን ቆልዑን ዝርከቦም ኣማኢት ዜጋታትና ተኣሲሮም ከለዉ  ኣብ ክንዲ እሱራት ይፈትሑ ኢሉ ዝሟጎት ብኣንጻሩ ሰባት ዘእስር ሙፍቲ ኢዩ ኢሎም ስለዝሓምይዎን ዝጸልእዎን ኢዩ እዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ናይ ጭንቀት ስጉምቲ ክወስድ ተገዲዱ ይብሉ እቶም ምንጭታት። 
 
ሙፍቲ ነዚ ናብ ኤምባሲ ናይ ሙዕቓብ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዱ ኣብ ምዕጻው ናይታ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣሉታዊ ተራ ተጻዊቱ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኮሚቴ ቤት ትምህርቲ ዲያእን ወለዲን ነቲ ሙፍቲ ተሪር ደብዳበ ጽሒፎምሉ ምንባሮም ይሕበር። 
    Print       Email

You might also like...

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

Read More →