Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ድሕሪ እቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ኩሉ ምምሕዳራትን ንኡስ ዞባታትን ኣባላት ህግደፍ ብዝብሃሉ ቃርማታት ይሱኳዕ ምህላዉ ተሓቢሩ

By   /  November 27, 2017  /  Comments Off on ድሕሪ እቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ኩሉ ምምሕዳራትን ንኡስ ዞባታትን ኣባላት ህግደፍ ብዝብሃሉ ቃርማታት ይሱኳዕ ምህላዉ ተሓቢሩ

    Print       Email

ድሕሪ እቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ኩሉ ምምሕዳራትን ንኡስ ዞባታትን ኣባላት ህግደፍ ብዝብሃሉ ቃርማታት ይሱኳዕ ምህላዉ ተሓቢሩ። እቶም ኣባላት ንኡስ ዞባ ህግደፍ ተባሂሎም ዝጽውዑ ቁጽሮም እንዳበረኸ ይኸይድ ምህላዉን ቀንዲ ስረሖም ኣብ መንጎ ህዝብታት ጽልእን ቅርሕንትን ምእታዉ፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት እንዳተዛወሩ ድማ መንግስቲ ዝሰነዖ ናይ ሓሶት ወረ ማለት ባዶ ሰለስተ ምንዛሕ ሙኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ድሕሪ ናይ 31 ጥቅምቲ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ እዋን መግዛእትታት ሃይለስላሰን ደርግን ውን ከይተረፈ ብዘይተራእየ ዓቐንን ስፍሓትን ናይ ተጸናጸንትን ሰለይትን ( ‘ናይ እዝኒ’ ) ብዝሒ ዛይዱ ምህላዉ ምንጭታት መድረኽ ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እዞም ብዋህዮታትን ብንኡስ ዞባታትን ከባቢታትን ብውልቅን ተወዲቦም ዘለዉ ተጸናጸንቲ፡ ኣብ ኩሉ ዞባታት ተዘርጊሖም ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ማለት መንእሰያት፥ ኣረጋውያን፥ ገዳይም ተጋደልቲ፥ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፥ ገለ ኣካለ ስንኩላን ከምኡውን ኣረጋውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ከይተረፉ ዝርከብዎም ሙኻኖም እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ገለ ገዛውቲ ናይ ኣገደስቲ ሰባት መጸናጸኒ ማይክሮፎናት ብምትካል 24 ሰዓት ናይ ስድራቤታት ዝርርዝብ ይመልኡ ምህላዎም ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ብፍላይ እሱራት ዝነበሩ ዝተፈትሑ ናይ ፖለቲካ ቅዩዳት ኣብ ገዛውቶም ማይክሮፎናትን ናይ ስለያ ካሜራታትን ይትከል ምህላዉ ተሓቢሩ።

ብዘይካ እዚ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታትን ኣካላት መንግስቲን፡ ዝኾነ ንመንግስቲ ዝትንክፍ ዝካየዱ ዝርርባት ዝሕብሩ ብርክት ዝበሉ ተጸናጸንቲ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ኣብ ሃይማኖታውያን ትካላት ውን ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ብዝያዳ ኣብ ኦርቶዶኮሳዊት ቤተክርስትያን፥ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሙፍቲ ከምኡ ውን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ውሽጢ እቲ ማእከላይ ቤትጽሕፈታት ናይቲ ሃይማኖታዊ ትካላትን ጨናፍራቱን ልዑል ምክትታል ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ይካየድ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ውን ብብዝሒ ንምንቅስቓስ ናይ ዜጋታትን ተኸታቲሎም ናብቶም ንኡስ ዞባ ህግደፍ ተባሂሎም ዝፍለጡ ናይ ምጽንጻን ኣካላት ሓበሬታ ዘሕልፉ ሰለይቲ ልዑል ወፍርታት ይግበር ምህላዉ ኣረዲኦም።

    Print       Email

You might also like...

ኤርትራ – ሃብታም ሃገር፡ ዝሰርቕ መንግስቲ፡ ዝደኸየ ህዝቢ።

Read More →