Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣብ እዋን ህዝባዊ ናዕቢ 31 ጥቅምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘርኣዮ ባህርያትን ስጉምታትን ንቡዙሓት ካድረታትን ሓለፍቲን ኣስደሚሙ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  November 17, 2017  /  Comments Off on ኣብ እዋን ህዝባዊ ናዕቢ 31 ጥቅምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘርኣዮ ባህርያትን ስጉምታትን ንቡዙሓት ካድረታትን ሓለፍቲን ኣስደሚሙ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

እቶም ምንጭታት ገለ ካብቶም ዘገርሙ ስጉምታት መንግስቲ ኤርትራ ኪዝርዝሩ ከለዉ፡ እቲ ናዕቢ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ንኤሪተል ናይ መዓስከር ሳዋ ናይ ተለፎን ርክብ ብህጹጽ ክዕጾ ከምዝኣዘዘ ሓቢሮም። ኣብ ልዕሊ እዚ ተለፎን ናይ ታወር ናይ ምዕጻው ስጉምቲ፡ ኩሎም ተዓለምቲ 31 ዙርያ ሳዋ ሞባይላቶም ክሕደጉን መደቀሲኦም ተፍቲሽ ኪግበረሎምን ከምዝተኣዘዘ እውን ተሓቢሩ። እቶም ዓለምቲ እቲ ትእዛዝ ምስመጾም ንባዕሎም እንታይ ይግበር ኣሎ ስለዘይተረድኡ ግር ኢልዎም ምንባሩ ሃቢሮም። ብዘይካ እዚ ዝኾነ ታዕላማይ ጥቓ ብረት ከይቀርብ፡ ዝወሃብዎ መዐለሚ ብረት ኣብ ጥቐኦም ከይህሉን ጥይት ከይህልዎን ምቁጽጻር ኪግበር ህጹጽ ትእዛዝ ከምዝተማሓላለፈ እውን ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲን ላዕለዋይ ኮለጃትን ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ፍሉይ ምክትታል ኪግበር፡ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዘሕልፍዎ ግዜ ክውሕድ ብመንገዲ ሃማመተአ ፌስቲቫላትን ስፖርታዊ ውድድራት እንዳተወደቡ ነቶም መንእሰያት ዝሕዞም መደባት ክስርዑ ከምዝኣዘዘ እውን ተሓቢሩ።

    Print       Email

You might also like...

ኤርትራ – ሃብታም ሃገር፡ ዝሰርቕ መንግስቲ፡ ዝደኸየ ህዝቢ።

Read More →