Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣብቲ ብ31 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዝጸንሑ27 ቆልዑ ዝሓለፈ ሮቡዕ 3 ሕዳር ካብ ቤትምእሰርቲ ተለቒቖም

By   /  November 15, 2017  /  Comments Off on ኣብቲ ብ31 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዝጸንሑ27 ቆልዑ ዝሓለፈ ሮቡዕ 3 ሕዳር ካብ ቤትምእሰርቲ ተለቒቖም

    Print       Email

ኣብቲ ብ31 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዝጸንሑ 27 ቆልዑ ዝሓለፈ ሮቡዕ 3 ሕዳር ካብ ቤት ማእሰርቲ ተለቒቖም። እቶም ካብ 9 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ቆልዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኮይኖም  ስድራቤቶም ተጸዊዖም ዋሕስ ኪኾኑን ክፍርሙን ተገዲዶም ኣለዉ።

ብዕለት 31 ጥቅምቲን ድሕሪኡን  ካብ ከባቢ ጎደና ሓርነትን  ኣኽርያን  ዝተኣሰሩ ዜጋታት ቁጽሮም 856 በጺሑ ኣሎ። ።እቶም እሱራት ኣብ ኩለን ኣብያተ ማእሰርቲ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኮይኖም፡  ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እዞም ሰባት ንኻልኦት እሱራት ከይጸልዉ ብፍሉይ ምቁጽጻር ኪግበረሎም ዝብል መምርሒ ናብ ኩለን ኣብያተማእሰርቲ ኣመሓላሊፉ ምህላዉ ይፍለጥ። በዚ መሰረት ኣብ ልዕሊ እዞም 31 ጥቅምቲ ናዕቢ ዘካየዱ ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒታት ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

ብፍላይ እዞም 27 ቆልዑ ኣብ ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ዝተቐየዱ 150 ትሕቲ ዕድመ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘሰቅቕ መግረፍቲን በደላትን ይፍጸም ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጻናት ገዛ ዓጺኻ ከቢድ ምቕጥቃጥን መግረፍቲን ይፍጸም ከምዘሎ ዘረጋገጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ እቶም ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኣብቲ ማእሰርቲ ምስበጽሑ ኣብ ልዕሊኦም ማይ ዝሑል ብምኽዓው ብጥልቁያቶም ብኣባትርን ጎማን ስልኪታትን ከምዝተቐጥቀጡ ገሊጾም።

 

6 ዝኾኑ ካብዞም ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብሰንኪ ዘጋጠሞም ከቢድ ምቕጥቓጥ ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ተላኢኾም ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ዜና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣኽርያ ዝግበር ዘሎ መግረፍቲን ዓመጽን ብመሰረት እቲ ካብ ሃገራዊ ድሕነት ዝመጸ መምርሒ መመሊሱ እንዳበኣሰ ይኸይድ ምህላዎ ሓቢሮም።

    Print       Email

You might also like...

ነቶም ናጽነት ዝሰለምዋ ኣካለ ስንኩላን ዘይትኸውን ኤርትራ ናይ መን ኤርትራ ኢያ?

Read More →