Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ንኣሃዱታት ሃገራዊ ድሕነትን ፖሊስ ኤርትራን ዘጠቓለለ ምቅይያር ኪግበር መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

By   /  November 21, 2017  /  Comments Off on ንኣሃዱታት ሃገራዊ ድሕነትን ፖሊስ ኤርትራን ዘጠቓለለ ምቅይያር ኪግበር መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

    Print       Email

እቲ ውሳነ ብ8 ሕዳር 2017 ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ዝተወሰደ ሙኻኑ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ  ፤ ድሕሪ እቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ ዝግበር ዘሎ ሙኻኑ  ኣረዲኦም። መንግስቲ ኤርትራ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብፍላይ ድማ ኣባላት ፖሊስ ዞባ ማእከል ስምዒቶም ካብ ናይ ህዝቢ ዘይፍለ ኢዩ ዝብል ገምጋም ጌሩ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ተወጢኑ ዘሎ ምትሕንፋጽ ሰባትን ኣሃዱታትን፡ ካብ ስለያ ምክልኻል ናብ ኣሃዱታት ፖሊስ እሙናት ሰባት ምምጻእ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ብኻልእ ወገን ብርክት ዝበሉ ሲቪላዊ ክዳን ዝለበሱ ተጸናጸንቲ እዝኒ ኪኽተቡን ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ፋሕ ክብሉን ዝብል መደብ ኣካል ናይቲ ምልውዋጥ መስርሕ ኪኸውን ሙኻኑ ተገሊጹ።

ድሕሪ ፍጻመ 31 ጥቅምቲ ጀነራል ፍሊጶስ ተወሰኽቲ ሓለውቲ ኣብ መንበሪ ገዝኡን ቤትጽሕፈቱን መዲቡ ምህላዉ እውን እቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

    Print       Email

You might also like...

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥቓ ቤተ ክርስትያን እንዳስላሰ ዝጸንሐ ዕዳጋ ኣሕምልቲን ሽጉርቲ ኮሚደረን ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራት ከተማን ከምዝድምሰስ ጌሩ

Read More →