Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ንሕናን ንሕናን እምበርን፡ ‘ሕናን ንሶምን’ ዝብል ቋንቋ ኣብ ኤርትራ ቦታ የብሉን። መልሲ ን’ሸኽ’ ዶክተር ዓብዱሓይ ዩሱፍ

By   /  November 12, 2017  /  Comments Off on ንሕናን ንሕናን እምበርን፡ ‘ሕናን ንሶምን’ ዝብል ቋንቋ ኣብ ኤርትራ ቦታ የብሉን። መልሲ ን’ሸኽ’ ዶክተር ዓብዱሓይ ዩሱፍ

    Print       Email

ድሕሪ እቲ ኣብ ኣስመራ ብ31 ጥቅምቲ ዝተገብረ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ውሑዳት ኤርትራውያንን ወጻተኛታትን ነቲ ጉዳይ ንረብሓኦም ኪጥቀሙሉን ከጽብብዎን ክፍትኑ ጸኒሖም ኣለዉ። እዞም ሰባት ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ኮይኖም ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ብነናቶም ጸቢብ ኣጠማምታ ክርእዩን ኪምዝምዙን ዝህቅኑ ኢዮም። እቶም ኤርትራውያን እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘስንቖም ናይ ምብትታን ሓበሬታ ከምዘለዎ ስለዝዝርግሑ ከይነፈሩ ከለዉ ንምህዳኖም ዘጸግም ኣይኮነን። እቶም ከደናግሩን ምክትታል ዘድልዮምን እቶም ብባዕዲ ዝመጹ ወስታታት ኢዮም።

ክንዲዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝግበር ዘሎ መርዛም ዘመተ ዝግባእ ቆላሕታ ሂቡ ከስተብህለሉን ክቃለሶን ይግባእ። ገለ ካብቲ ዘመተ ብስም ‘ኣስላም ኣሕዋትና’ እንዳተባህለ ዝግበር ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ብገለ ምሁራት ኢና፡ ሓለይቲ ምስልምና ኢና ዝብሉ ሰበኽቲ ዝግበር ዘሎ መርዛም ጎስጓስ ኣብዚ እንዛረበሉ ዘሎና ሓደገኛ ምትእትታው ዝምደብ ኢዩ።

ሓደ ካብዞም ሰባት ሱዳናዊ ሸኽ ዶክተር ዓብዱልሓይ ዩሱፍ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ መሳጊድ ሱዳን ዓርቢ ዓርቢ ዝግበሮ ዘሎ ስብከት ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዘስመዖ መደረ ኢዩ።  ሸኽ ዶክተር ዓብዱልሓይ፡ኣብቲ ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ተዛረበለይ ኢሉ ከይዓደሞ ዝገብሮ ዘሎ መደረ ህዝቢ ንሕናን ንሶምን ዝብል ኣመለኻኽታ ንኸሕድር ዝጽውዕ መንቀኛ ዘመተ ኢዩ ዘካይድ ዘሎ።

ዓለምና ኣብዚ ሕጂ ኣትያቶ ዘላ ሃይማኖታዊ ነውጽታት ዝወደቐትሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ከም ሸኽ ዶክተር ዓብዱልሓይ ዩሱፍ ዝኣመሰሉ ንሃይማኖት ናብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን መጋበርያ ዝቕይሩ ሰብ ሓድሽ እምነታት ስለዝበዝሑ ኢዩ። እዞም ሃይማኖታዊ ፍልጠትን ዕላማን ተጎልቢቦም ኣብ ዓለምና ሱር ሰዲዶም ዘለዉ መንዓብቲ ንኣእላፍ የዋሃት ሰባት ከጋግዩ ዝጥቀሙሉ ሜላታት ብዙሕ ኢዩ። ከምኡ ብምግባር ድማ ብስም ሃይማኖት ውግእ፡ ብስም ሃይማኖት ሽበራ፡ ብስም ሃይማኖት ምብትታን ኣህዛብ፡ ብስም ሃይማኖት ጸወታ ብመጻኢ ዕድል ቆልዑት ይፍጽሙ።

ሸኽ ዶክተር ዓብዱልሓይ ዩሱፍ ‘ዝተረስዑ እስላም ኤርትራውያን’ ዝብል ኣርእስቲ ሂቡ ንዝገበሮ መግለጺ እቲ ሓጺር መልሱ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኡስታዝ ማሕሙድ ሳልሕ ዝተባህለ ዜጋ ኣብ ዝጸሓፎ እጹብ ድንቅ ዓንቀጽ ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ። ንምድጋሙ ዝኣክል ‘ዶክተር ዓብዱልሓይ ኤርትራውያን ናይ ገዛእ ሃገርና ጉዳይ ክንፈትሕ እኹል ዓቕሚ ስለዘሎና መልሓስካን ኣእዳውካን ኣክብ’ ዝብል ኢዩ!

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዋህበ መልሲ ጥራይ እንተሓሊፍናዮ ካልእ ዘይተደለየ መልእኽቲ ከይነሕልፍ እምበኣር ዝያዳ ክንጸሩ ንዝግበኦም ክፋል ደጊምና ከነብረሆም ክንፍትን ኢና። ምኽንያቱ ንዶክተር ዓብዱልሓይ ኣእዳዉ ክእክብ ጥራይ ምጽዋዕ፡ እቲ እትብሎ ዘሎኻ ሓቂ ኢዩ ግን ባዕልና ኣሎናዮ ከስምዕ ስለዝኽእል፡ከምቲ ኣብቲ ቀዲሙ ዝተጠቐሰ ዓንቀጽ ብዘዕግብ መንገዲ ተገይሩ ዘሎ  ነቲ ኣብ ስብከቱ ዝጠምዘዞ መሰረት ዘይብሉ ናይ ታሪኽ ጽውጻው ደጋጊምካ ምእራም ከድልየና ኢዩ።

ኣብ ዝርዝራት ከይኣቶና ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰም ናይ ሓደ ወገን ወይ ሃይማኖት ሽግር ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሕሰም ኢዩ። እቲ ሽግር ብመሰረቱ ዕምጻጸ ሰብኣዊ ክብረትን፡ መሰረታዊ መሰላትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

3ይ ፓትርያርክ ኦርተዶክስያዊት ቤተክርስትያን ብዓቢኦም ኣብ ማሕዩር ካብ ዝሳቐዩ ድሮም 10 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። መራሕቲ ካቶሊካዊት በተክርስትያን በብእዋኑ ብዘይ ኣዋጅ ኪልቀሙን ክስወሩን ጸኒሖም ኣለዉ። ጴንጠቆንታል ጂሆቫ ቅድሚ ኩሎም እምነታት ተለቒሞምሲ ብዘይገደብ እዋን ኣብ ጎዳጉዲ ኣብያተ ማእሰርቲ 20 ዓመታታት ኣሕሊፎም ኣለዉ። መሻይኽን መማህራን ኣብያተ ትምህርቲ ምስልምናን ካብ መፋርቕ 90ታት ጀሚርካ ክስወሩ ጸኒሖም ኣለዉ።  መራሕቲ ወንገላዊት ክርስትያን ዝርካቦም ተገፊዖም ኢዮም። ዘመርቲ ክርስትያን ካብ ናይ ውልቂ ኣባይቲ ከይተረፈ ብሓይልታት ጸጥታ እንዳተለቕሙ መንግስቲ ኤርትራ ሊችንሳ ዘይሃቦ እምነት ኣሚንኩም ተባሂሎም ይሕየሩ ኣለዉ። ብሓጺሩ ኣብ  ትሕቲ እታ ናይ ህግደፍ ኤርትራ ነብሲ ወከፍ ስድራን ጽላል ሃይማኖታዊ እምነታትን ተዳሂኸንንን ሓሪረንን ኢየን። ስለዚ ኤርትራዊ መኣዱን ጓይልኡን፡ሓዘኑን ጓሂኡን፡ ምውዳቑን ምትስኡን፡ ምውጋሑን ምዕራቡን ብሓባር ዝነብሮ ዘሎ ናይ ሓባር ህይወት ኢዩ’ሞ ኣብ ውሽጡ ኣቲኻ ክትገማምዖ ምፍታን ከንቱ ፈተነ ኢዩ።

ሃይማኖታዊ ሙጡቓስ ንዝኾነ ህዝቢ ዘየርብሕ ኣዕናዊ ተግባር ሙኻኑ ዶክተር ዓብዱልሓይ ትውልዲ ዓዱ ኣብነት ክትኮኖ ምተገበአ። ብምዕራብ ዳርፉር፡ ብደቡብ ደቡብ ሱዳን፡ ብሰሜን ግብጽን ዕግርግራን፡ ብምብራቕ ኣብ ኤርትራ ዝተፈትሐ ሽግራታ መንቀሊኦም ምውጋንን ምክፍፋልን ኢዮም። ዋጋ ሓድነት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ሙኻኑ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘላ ሱዳን ንዶክተር ዓብዱላሂ ኣብነት እትኾኖ ግዳይ ሳዕቤናት ምክፍፋል ኢያ።

ቢንላዲን ኣብ ሑቕፉ ጌሩ፤ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ክሳብ ምብራቕ ኤሽያ መሽሩዕ ሓዳሪ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዕንደራ፡ ሃይማኖታዊ መንግስቲ ዘንቀደ ናይ ዶክተር ሓሰን ኣልቱራቢ ዕቡድ ሃቐነ፡ ንዶክተር ዓብዱልሓይ መለበሚ ተመኩሮ ኪኾኖ ምተገበአ።

ህዝቢ ኤርትራ ከም ዶክተር ዓብዱልሓይ ዝኣመሰሉ ብመርዛም ሰሙናዊ ስብከቶም ሓዊ ዝኣጉዱ ናይ ሽበራ ጨለታት ከአንግድ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ዋጋን ዕዳን ጉድለት ሓድነት ኣብ ኣርበዓታት፡ ማለት ዓሰርተታት ዓመታት ቅድሚ ናጽነት ሱዳን ነቢርዎን ተጠቢስዎን ኢዩ።

ዶክተር ዓብዱሓይ ዩሱፍ ኣብቲ ላህመታዊ ፍልጠቱ ተሞርኪሱ ዝገበሮ መደረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዘሕብን ታሪኹውን ኢዩ ተዳፊሩዎ ኢዩ። ንሙጡቓስን ሓዊ ምስዋርን ክጥዕሞ መታን፡ ንኤርትራ ምስ ሃይማኖታት ኣተሓሒዙ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዝበዝሐ ሓሶት፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ጥምዙዝ ታሪኽ ኢዩ።

ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ መንገዲ ፍቕሪ እምበር ከምቲ ዶክተር ዓብዱላሂ ክሰብኮ ዝፍተነ መንገዲ ጽልኢ ኮይኑ ኣይፈልጥን።

ንዶክተር ዓብዱላሂ ንዛንታ ኪኾኖ እዚ ዝስዕብ ንእሽቶ ኣብነት ኤርትራዊ ምንብባር ከነዕልል።

ኣብ ሓንቲ ዳርጋ ኩሎም ነበርታ ክርስትያን ዝኾኑ ንኡሽተ ዓዲ ናይ ዞባ ደቡብ፡ ሓንቲ ሃይማኖት እስልምና ትኽተል ስድራቤት ነበረት። ሓደ ኣብታ ዓዲ ዝነብር ሃይማኖቱ ክርስትና ዝኾነ ልምዳዊ መሃንድስ፡ እቶም ስድራ ኣቦኦም ምስሞቶም ቆልዑ ሃይማኖታዊ እምነቶም ከየጥፍኡሞ ሰአንሰለት እምነት ከይብተኽ ብዝብል ተበግሶ፡ ብናቱ ወጻኢታት ኣብታ ሓንቲ እስላም ስድራ ጥራይ እትቕመጣ ዓዲ ክርስትያን፡ ሓደ መስጊድ ሰሪሑሎም።

ኤርትራ ክልቲኦም ሃይማኖታት ብሓባር ዝነብሩላ፡ ዝተቓለሱላ፡ ዝተዓወቱላ፡ ደሓር ግን ብዉሑዳት ሰባት ዝተጠልሙላ ሃገር ኢያ። ዝነብዕ ፡ዝሳቐ ዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ዝቃለስ ንለውጢ ዝጽዕር ዘሎ ድማ መላእ ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝበሃል ኣፍንጫ እንተተሃረመት ዓይኒ ትበኪ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝብታት ኤርትራ ዓይኒን ኣፍንጫን ኣይኮኑን፡ እንታይ ደኣ የማነይቲን ጸጋመይትን ዓይኒ ኢዮም።

ከም ዶክተር ዓብዱልሓይ ዝኣመሰሉ ነዛዕቲ መርዚ፡ ከምቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕ፡ ሊብያ፡ ግብጺ፡ የመን፡ ሶማል፡ ዘሎ ዕግርግር ዘፍርዩ ፋብሪካ ጽልእን ግጭትን ቅዝፈትን ኢዮም። ኣብ ቅዱስ ሰፈርን ኣብ ጥቕስታት ቅዱሳት መጻሕፍትን ተሓቢኦም፡ ዘይቅዱስን ነውራምን መልእኽቲ ዝነዝሑ መረዝቲ እምነታት ኢዮም። ንዓኣቶም ሃይማኖት ንግዳዊ ትካል እምበር መንገዲ ሰማያት ኣይኮነን። ስብከት ንጽድቂ ዘይኮነስ ንሃበባ ዝጥቀሙሉ ‘መርኣይ ፍልጠቶም’ ኢዩ።

ከም በዓል ዶክተር ዓብዱልሓይ መርዞም ንምንዛዕ ከናድይዎ ዝውዕሉ ነገር እንተሎ ግሩህ ኣእምሮን፡ ፍልጠት ዝወሓዶ ህዝቢን ኢዩ። ከምኡ ተረኺቦም ናብ መንገዲ ጸልማት ክወስድዎ ምቹእ ዕድል ይኾኖም። እቲ ገርሂ ሓንጎል ክፋእ ክዘርኡሉ፡ እቲ ውሑድ ፍልጠት ብቐሊሉ ምድንጋር ክብትኑሉ የኽእሎም።

ህዝቢ ኤርትራ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ዝመጹሉ እዋን፡ ክልቲኡ ሃይማኖታት እቲ ሓደ ዋልታ እቲ ካልእ ኩናት ኮይኑ ብሓባር ኪኸላከሎም ይግባእ። ካብቲ ቀንዲ ውራዮም ከይተኣልዩ ኣብቲ ናይ ሓባርን ቀዳማይን ጸላኢ ከተኩሩ የድሊ።  ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ናይ ባዕሉ ጉዳይ፡ ናይ ካልኦት ጉዳይ እውን ከነባብር ከምዝኽእል ንዶክተር ዓብዱልሓይ ከዘኻኽርዎ ይግባእ። ካብኡ ዝደልዮ ነገር ኣእዳዉን መልሓሱን ምእካብ ሙኻኑ፡ እንተኽኢሉ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝብሎ ሃይማኖት ንስኒትን ፍቕርን ኪጥቀመሉ ከዘኻኽርዎ የድሊ። መጀመርያ ጥበብን እምነትን ንኣምላኽ ምፍራህ ኢዩ!

    Print       Email

You might also like...

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

Read More →