Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ብዕለት 31 ጥቅምቲ ካብ ከባቢ ጎደና ሓርነትን ኣኽርያን ንዕኡ ብዝሰዓበ ግፋን ዝተኣሰሩ ዜጋታት ቁጽሮም 856 ከም ዝበጽሐ ተረጋጊጹ።

By   /  November 4, 2017  /  Comments Off on ብዕለት 31 ጥቅምቲ ካብ ከባቢ ጎደና ሓርነትን ኣኽርያን ንዕኡ ብዝሰዓበ ግፋን ዝተኣሰሩ ዜጋታት ቁጽሮም 856 ከም ዝበጽሐ ተረጋጊጹ።

    Print       Email

ብዕለት 31 ጥቅምቲ ካብ ከባቢ ጎደና ሓርነትን  ኣኽርያን  ንዕኡ ብዝሰዓበ ግፋን ዝተኣሰሩ ዜጋታት ቁጽሮም 856 ከም ዝበጽሐ ተረጋጊጹ።እቶም እሱራት ኣብ ኩለን ኣብያተ ማእሰርቲ ፋሕ ኢሎም ምህላዎም ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡ ክፍሊ  ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እዞም ሰባት ንኻልኦት እሱራት ከይጸልዉ ብፍሉይ ምቁጽጻር ኪግበረሎም ዝብል መምርሒ ናብ ኩለን ኣብያተ ማእሰርቲ ኣመሓላሊፉ ምህላዉ ሓቢሮም። በዚ መሰረት ኣብ ልዕሊ እዞም 31 ጥቅምቲን 1ን 2ን ሕዳር ናዕቢ ጌርኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ  ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒታት ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ዝተቐየዱ 150 ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘሰቅቕ መግረፍቲን በደላትን ይፍጸም ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጻናት ገዛ ዓጺኻ ከቢድ ምቕጥቃጥን መግረፍቲን ይፍጸም ከምዘሎ ዘረጋገጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ እቶም ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኣብቲ ማእሰርቲ ምስበጽሑ ኣብ ልዕሊኦም ማይ ዝሑል ብምኽዓው ብጥልቁያቶም ብኣባትርን ጎማን ስልኪታትን ከምዝተቐጥቀጡ ገሊጾም።

6 ዝኾኑ ካብዞም ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብሰንኪ ዘጋጠሞም ከቢድ ምቕጥቓጥ ናብ ሆስፒታል ተላኢኾም ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ዜና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣኽርያ ዝግበር ዘሎ መግረፍቲን ዓመጽን ብመሰረት እቲ ካብ ሃገራዊ ድሕነት ዝመጸ መምርሒ መመሊሱ እንዳበኣሰ ይኸይድ ምህላዎ ሓቢሮም።

ብዘይካ እዚ ሓሙስ ምሸት ሓድሽ ግፋ ብምክያድ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ከምዝተኣስሩ ተገሊጹ። ዕላማ ናይቲ ማእሰርቲ ንኹሎም እቶም ድሕሪ ናይ ዓርቢ መደብ ስድጋን ተዛሪቦም ከስምዑ ይኽእሉ ዝበልዎም መሻይኽን መራሕቲ ሃይማኖት ምስዋር ኮይኑ፡እቶም መሻይኽን መራሕቲ ሃይማኖትን ብናይ ዓፋን መኪና ኪልቀሙ ከምዘምሰዩ ተሓቢሩ፥

ትማሊ ዓርቢ ንግሆ እውን ኣብ ከባቢታት ሹቕ፡ ሜርካቶን፡ ሜዳ ኤርትራን ብብዝሒ ሲቪል ዝገበሩ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብምውፋር፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ናይ ምጽንጻን ስራሕ የካይድ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ምስዚ ናዕቢ ብምትእስሳር ትማሊ ዓርቢ ኣብ ከባቢ እንዳ ሳዕሪን ኣኽርያን ከቢድ ግፋ ከምዝተኻየደ፡ዝኾነ ዜጋ ወዲ ኣኽርያ ተኾይኑ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይግበር ኣይግበር ብዘየገድስ ይእሰር ምህላዉ ተፈሊጡ። እቲ ግፋ ንደቂንስትዮ ደቂ ኣኽርያን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ዘጠቓለለ ከምዝኾነ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ገለ ስድራቤታት ተቐማጦ ኣኽርያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣኽርያ ተኣዊጁ ዘሎ ውግእ ናብ ካልእ ከባቢታት ምግዓዝ ጀሚረን ምህላወን ዝሓበሩ ምንጭታት፡ ይኹን ግን ዳርጋ ኩሎም ስድራቤታት ንመሰልናን መሰል ደቅናን ኣብ መሬትና ኢና ንመውት ብምባል ንዝኾነ ግፋን ምእሳርን ክምክቱ ወሲኖም ምህላዎም ይሕብሩ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ትሕቲ ኣመጽ ዘሎ ህዝቦም ብኩሉ ዝከኣሎም ክሕግዝዎ ሙኻኖም ዘረጋግጽ ሰላማዊ ሰልፍታት የካይዱ ኣለዉ። እቲ ሰልፍታት ዘይከም ባህጊ መንግስቲ ኤርትራን መርዛም ውዲታቱን፡ ሓድነትን ሕብረትን ህዝቢ ዘረጋገጽ ኢዩ ነይሩ።

 

    Print       Email

You might also like...

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

Read More →