Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መንግስቲ ሱዳን ብዕለት 24/10 ኣብ ገዳርፍ ተኣሲሮም ዝነበሩ  137 ዝኮኑ ኤርትራውያን ብመንገዲ ኣዲባራ ናብ ኤርትራ ከም ዝስጎገ ተፈሊጡ፣

By   /  November 11, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ሱዳን ብዕለት 24/10 ኣብ ገዳርፍ ተኣሲሮም ዝነበሩ  137 ዝኮኑ ኤርትራውያን ብመንገዲ ኣዲባራ ናብ ኤርትራ ከም ዝስጎገ ተፈሊጡ፣

    Print       Email

እዞም ካብ ሸገራብን ከሰላን ናብ ካርቱም ንምእታው ይፍትኑሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ኣብ ከባቢ ሒሳሒሳ ብዕለት 12/10  ዝተታሕዙ ዜጋታት  ነፍሲ ወከፎም 5000 ጂነ ድሕሪ ምክፋሎም ናብ ኤርትራ ከም ዝሰጎጎም ምንጭታት ካብ ከሰላ ይሕብሩ፣

መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ ዓመት ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ከም ዝሰጎገ ይፍለጥ፣ፖሎቲካዊ ናጽነትን ናይ ምንባር መሰልንተነፊጎዎ ናብ ጎራባብቲ ኤርትራ ዝስደድ  ዘሎ ኤርትራዊ ንመሰላቱ ዝቆመሉን ዝጣበቀሉን ብዘይ ምርካቡ ናይ ጸጥታ ሓይልታትን ከተርትን ግዳይ ናይ ሙኻኑ ተኽእሉኡ እንዳዓበየ ኪመጽእ ጸኒሑ  ኣሎ።

ኣብዚ 10 ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ዞባ ከሰላ ናይ 68 ዝኾኑ ኤርትራውያን ድሃይ ጠፊኡ ከም ዘሎን ብኣማኢት ዝቁጸሩ መጭወይቲ ወሪድዎም ተሰዊሮም ከምዘለዉ፡ ካልኦት ብኣማኢት ዝቁጸሩ ውን ከም ዝሞቱን መዝገባት ቀይሕ መስቀል ይሕብር።

 

    Print       Email

You might also like...

ነቶም ናጽነት ዝሰለምዋ ኣካለ ስንኩላን ዘይትኸውን ኤርትራ ናይ መን ኤርትራ ኢያ?

Read More →