Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ንስንኩላን ተባሂለን ዝለኣኻ ናይ ስንኩላን ዓረብያታት ቀረጽ ኪኸፍላ ምእዛዙ ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ከቢድ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ። 

By   /  November 17, 2017  /  Comments Off on ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ንስንኩላን ተባሂለን ዝለኣኻ ናይ ስንኩላን ዓረብያታት ቀረጽ ኪኸፍላ ምእዛዙ ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ከቢድ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ። 

    Print       Email
ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲን ምኽባር ሉዓላውነትን ህይወቶም ዝበጀዉ ኣካለ ስንኩላን: ካብ ቤተሰቦምን ኣዕርኽቶምን ዝለኣኸሎም ዓረብያታት ቀረጽ ኪኸፍላ  ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ኣዚዙ። እተን ናይ ስንኩላን ዓረብያ ማለት ዊልቸይር ስንኩላን ብዘለዎም ከቢድ ሞግዳእቲ ከም መንቀሳቐሲ ዝጥቁምለን ሙኻኑ ዝፍለጥ ኢዩ። ይኹን ግን ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ሓደ ስንኩል ካብ ሓንቲ ዓረብያ ንላዕሊ እንተእትዩ ንንንግዲ ክጥቅመላ ኢዩ ብዝብል ጥርጣረ ኩሎም ስንኩላን ካብ ወጻኢ ዝለኣኸሎም ዓረብያታት ክሳብ 18% ቀረጽ ኪኸፍሉ ይእዘዙ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ካብ ወጻኢ ብስም ናይ ቦንድ ገዛውቲ ምስራሕ፡ ብስም ኣቕሑት ኣባይቲ፡ ብስም መተባብዒ ኣብ  ወጻኢ  ዝቕመጡ ኣባላት ህግደፍ ብነጻ ንብረት የእትዉሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ እዞም ህይወቶምም ንሓርነትን ሉኣላውነትን ዝኸፈሉ ስንኩላን ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዘሕዝን ሙኻኑ እቶም ልኡኻት ሓቢሮም።
ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ንሃገር ወላሓንቲ ዘየበርከቱ ሰባት ኣብ ከም ኤክስፖ ምእለያ ዘይብሉ ትካላት ንግዲ ኣብ ዝዕደሉሉ እዋን ስንኩላን እቶም ሃብታማት ዝገዝእወን ኣባጊዕ ብላምብሬታ ናብ ገዛ እቶም ሃብታማት ዘመላልሱ ረፋዓት ተቐይሮም ምህላዉ ዘሕዝን ኢዩ።
ኣብ ልዕሊ ኣካለ ስንኩላን ዝግበር ግፍዕታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ብፍላይ ምስ ምዕዳል ኣባይቲ ብዝተኣሳሰር ንምቕጽዖም ተባሂሉ ዝውሰድ ስጉምታት ኣዚዩ ብዙሕ ሙኻኑ ይፍለጥ።ብኻልእ ወገን ገለ ምንጭታት እቶም ኣካለ ስንኩላን እዚ ኩሉ ዝፈጸሙ ኣካለ ስንኩላን ንመሰሎም መሰል ደቆምን  ኪለዓሉ ዘይምኽኣሎም ኣዚዩ ዝገርም ሙኻኑ ሓቢሮም። ኣብታ ነጻ ዘውጽእዋ ሃገር መንበሪ ገዛን ሰላምን ኪረኽቡ ዘይምኽኣሎም ከም ቅቡል ምውሳዶም ዘገርም ሙኻኑ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት ንሃገር ቅንጣብ ዘየበርከቱ ኣብ ዘጋይጹላ ሃገር ተኾርምዮም ክነብሩ ከም ቅቡል ምውሳዶም ዘሕዝን ሙኻኑ ሓቢሮም።
    Print       Email

You might also like...

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥቓ ቤተ ክርስትያን እንዳስላሰ ዝጸንሐ ዕዳጋ ኣሕምልቲን ሽጉርቲ ኮሚደረን ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራት ከተማን ከምዝድምሰስ ጌሩ

Read More →