Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ፈጻሚ ቦርድ ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ብሪጋደር ጀነራል ሃይለ ምሕጹን ንኮለነል እዝራ ‘ቻንስለር’ ኮለጅ ማይነፍሒ ጌሩ ክምዝዞ ሙኻኑ ተሓቢሩ።

By   /  October 16, 2017  /  Comments Off on ፈጻሚ ቦርድ ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ብሪጋደር ጀነራል ሃይለ ምሕጹን ንኮለነል እዝራ ‘ቻንስለር’ ኮለጅ ማይነፍሒ ጌሩ ክምዝዞ ሙኻኑ ተሓቢሩ።

    Print       Email

ፈጻሚ ቦርድ ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ብሪጋደር ጀነራል ሃይለ ምሕጹን ንኮለነል እዝራ ‘ቻንስለር’ ኮለጅ ማይነፍሒ ጌሩ ክምዝዞ ሙኻኑ ተሓቢሩ።

ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ኮለጃት ብምንቅስቓስ መድረኽ ተሶሊኸን ስለዘለዋ ‘ከጽርየን’ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ መምርሒ ከምዝተቐበለ ይነግር ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ ኣብ ኮለጅ ማይነፍሒ ዘሎ ምሕደራ ንተማሃሮ  ሰጥ ዘብል ሕግታት ብምትእትታው ከስተኻኽሎ ሙኻኑ ይሕብር ምህላዉ ገሊጾም።

ዶክተር ሃይለ ምሕጹን  ነቲ ኣብ ማይነፍሒ ዘሎ ምሕደራ ብፋንታዝያ ናይ ምህራት ዝተሳእለ ቀበጥበጥ ዘተኣታቱ ዲሞክራሲ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። በዚ መሰረት ኮለነል እዝራ ናብ ኮለጅ ማይነፍሒ ዝምደብ ዘሎ ነዚ ቐበጥበጥ ዝበሃል ዘሎ ምሕደራ ብናይ ሳዋ ዝመስል ሕግታት ንምድሃኹ ኢዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኮለጃት ማይነፍሒን ዓዲቐይሕን ብተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ተሶሊኸን ኣለዋ፡ ኣብ እተን ኮለጃት ዝርከቡ ምሁራት ምስ መድረኽ ርክባት ኣለዎም ኢሉ  ስለዝኣምን  ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ጥቡቕ ምክትታል ኪገብር ምጽንሑ ይፍለጥ። ድሮ ምክትል ፕረዚደንት ማይነፍሒ ምስተቓወምቲ ርክብ ኣሎካ ተባሂሉ ተኣሲሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ምንቅስቓስ ተቓውሞ እንተተላዒሉ ኣብ ኮለጃትን ብተማሃሮን ክምራሕ ከምዝኽእል ስለዝኣምን ንኮለጃት ጥቡቕ ስለያዊ ምክትታል ኪገብረለን ጸኒሑ ኣሎ። ኣዛዚ ማእከል ስልተና ሃገራዊ ኣገልግሎት ሳዋ ዝነበረ ኮለነል እዝራ ናብ ማይነፍሒ ንምምጻእ ዝሕሰብ ዘሎ ስጉምቲ ድማ ካብዚ መረዳእታ እዚ ዝተበገሰ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣካይዳ መመሊሱ ናብ ዘይንቡር ስርዓት ይቕየር ከምዘሎ ብዙሓት ምልክታት ይሕብሩ። ኣብ ማእከላት ትምህርቲ ፕሮፈሰራት ኣሊኻ ኮለነላት ምምጻእ፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዝርከብ ተለንተ ንጀነራላት ምእዛዝ፡ 29 ዙርያ ንፕረዚደንት ስለዝተዳፈሩ ናብ ጎላጉል ናሮ ወሲድካ ምቕጻዕ፡ መጀር ጀነራል ዝማዕርጉ ኣዛዚ ሃይሊ ኣየር ብወዲ ፕረዚደንት ከምዝእዘዝ ምግባር፡ ሚልዮናት ዶላር ዝሰረቐ እንዳሃለወ ዚንኦ ንዝሰረቐ 7 ዓመት ምፍራድ፡ ኣብ ወጻኢ ዘሎ መጣቕዒ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ ዜጋ ሃገራውነት ምምሃር፡ ኣካለ ስንኩላን ኣብ ዚንጎታት ቃነው ከለዉ ኣብ ወፋኢ ዝቕመጡ ዜጋታት ናይ ሳመር ዝብልዎ እዋን ዕረፍቶም ጥራይ ዝግልገሉሉ ገዛውቲ ምስራሕ  ወዘተ መርኣያ ናይዚ ስጊንጢር ኣካይዳ ኢዩ።

    Print       Email

You might also like...

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

Read More →