Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ጻብኡ ብመኪንኡ ዘመላልስ፡ ስርዓተ መዝሓሊን ምኽዛንን ዘለዎ፡ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘውሕሰሉ ሓርነት ዝሰርሕ ናይ ሚዩኒኽ ሓረስታይ፡ ምስቲ ጀነራል ተክለ ማንጁስ ንግሆ ንታዕሊም እንተዘይጸዊዕዎ ጥራይ ዝወፍርን ዝሓልብን ናይ ቀራናኹዶ ሓረስታይ ምውድዳሩ እንተዘየብከየ ዘሕዘን ምንጽጻር ኢዩ።

By   /  October 15, 2017  /  Comments Off on ጻብኡ ብመኪንኡ ዘመላልስ፡ ስርዓተ መዝሓሊን ምኽዛንን ዘለዎ፡ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘውሕሰሉ ሓርነት ዝሰርሕ ናይ ሚዩኒኽ ሓረስታይ፡ ምስቲ ጀነራል ተክለ ማንጁስ ንግሆ ንታዕሊም እንተዘይጸዊዕዎ ጥራይ ዝወፍርን ዝሓልብን ናይ ቀራናኹዶ ሓረስታይ ምውድዳሩ እንተዘየብከየ ዘሕዘን ምንጽጻር ኢዩ።

    Print       Email

መጠን ሸርፊ ባጤራ ሓንቲ ሃገር ብመንጽር ካልእ ባጤራ ብብዙሓት ረቓሒታት ዝውሰን ኢዩ። ካብ ኩሎም እዞም ረቋሒታት እቶም ቐንድን ወሰንትን ዓቐንን ደረጃን ቀረብ፡ መጠንን ደረጃን ጠለብ ከምኡ እውን ኩነታት ዝቕባበ ናይ ሃገራዊ ዕዳጋታትን ዋጋታትን ኢዮም።

ብመሰረት መባእታዊ ቁጠባዊ ኣምር፡ ቀረብ ማለት እኩብ ድምር ናይ ኩሎም ኣብ ሓንቲ ሃገር ብመጠን ኣሃዱ ዋጋታት፡ ብቐሊሉ ኪርከቡ ዝኽእሉ ኣቕሑትን ኣገልግሎታትን ማለት ኢዩ።

ብኣገላልጻ ቁጠባዊ ክለሰሓሳብ ጠለብ ማለት ናይ ኣህለኽቲ ባህግን ድልውነትን ንምዕዳግ ኣቐሓን ኣገልግሎትን በቲ ውሁብ ዋጋ ናይቲ ኣቐሓን ኣገልግሎታትን ማለት ኢዩ።

ሕጊ ጠለብን ቀረብን ድማ ነዚ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣምራት ዘሎ ተግባብሮ ዝገልጽን ዝጸሉን ስነሓሳብ ቁጠባ ኢዩ።

መጠን ሸርፊ ባጤራታት እምበኣር ኣብዚ ቀሊል ቁጠባዊ ሕጊ ዝተመሰርተ ኢዩ። ኣብ ዝኾነት ሃገር  ዝህሉ መጠን ሸርፊ፡ ብሓይሊ ዕድጊ እቲ ባጤራን ኣብ ዓለም ብዝወሃቦ ቦታን ዝውሰን ኢዩ። እዚ ማለት ሓደ ኣሃዱ ናይቲ ባጤራ ወይውን ኣምሳይኡ፡ ኣብ ዝኾነት ክፋል ናይ ዓለም እንታይ ኣገልግሎት ወይ ኣቐሓ ከግዘኣካ ይኽእል ዝሕብር ምልክት ዋጋ ኢዩ።

እታ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ቃለመሕተቱ ዝጠቐሳ ሃገረ ጀርመንን ነቲ ብኺሎ ተሚኑ ዝገለጾ ጻበኣን ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ እዚ ዓንቐጽ ይጸሓፈሉ ኣብ ዘሎ ዕለት፡ ኣብ ፍራንክፈርት ንሓደ ሊትሮ ጸባ ሓደ ኢዩሮ ይሽየጥ ኣሎ። ዶላር ሒዙ ዝኸደ ገያሻይ ድማ ነታ ጸባ ብ1.18 ዶላር ከፊሉ ኪገዝኣ ይኽእል ማለትዩ።

እዚ ማለት ኣብዚ እዋን እዚ መጠን ሸርፊ ዶላር ብመንጽር እዩሮ 1 ን1.18 ኣሎ። እዚ መጠን ሸርፊ ዝቕየር ብብዙሕ ረቓሒታት ኢዩ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፊን ስለዝበሎ ወይ ውን ቻንስለር ኣንግላ መርከል ስለዝደለየቶ ዝምጠን ሸርፊ ዶላርን ኤውሮን የለን። እቲ ዋጋ ብዓለማዊ ምጣነ ባጤራታት ኢዩ ዝውሰን። ሓይሊ ናይቲ ባጤራ ድማ ዘለዎ ቁመና ዕድጊ፡ ብዝሒ ዝጥቀማሉ ሃገራት ፤ ዝርገሐ ኣብ ወፍርን ዕድግን፡ ምርግግኣን ትንቢተ ዕርገቱን ወዘተ ዝጸልዎ ኢዩ።

እቲ ናይ ምልውዋጥ ክብታን ለጠቕታን ዕዳጋኡ ክፉት ኮይኑ፡ ብዝኾነት ሃገር ዘይውነን ኣብ ናይ ባጤራታት ናይ ምዕዳግ ሓይሊ ተሞርኪሱ ዝውሰን ኢዩ። ኣብቲ መዓልታዊ ዝግበር ምልውዋት ምጣነ ድማ ናይ 180 ሃገራት ባጤራታት ይምዘን። ክሳብ 5 ትሪልዮን ገንዘብ ድማ ኣብቲ ምዘና ይጽመድ። ባጤራታት ተደለይቲ ዝኾኑ ብመንጽር እቲ ኪገዝእዎ ዝኽእሉ ሰፈርን ሓይልን ኢዩ። ሓደ ኣውፋሪ ወይ ገያሻይ ኤውሮ ኣብ ዝኸዶ ሃገር ሓያል ዕድጊ ዘቕርበሉ እንተኾይኑ ዝያዳ ይጠልቦ። እውሮ ብመጠን እቲ ዝያዳ እተጠልቦ ዝያዳ ተደላዩ ስለዚ ድማ ዝያዳ ክቡር ይኸውን።

ሓያል ባጤራ ማለት ግን ግድን ሓያል ቁጠባ ማለት ዘይሙኻኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ንኣብነት እታ ቁጠባኣ ሓያል፡ ጃምላ ሃገራዊ እቶታ ልዑል ዝኾነ ጃፓን፡ ብመንጽር ዶላር ባጤራ ትሑት ኢዩ። ብመንጽር ቁጠባ ግን 3ይቲ ዝሓየለት ሃገር ኢያ። ብኣንጻሩ ቆጵሮስ ባጤራኣ ድርብ ሓይሊ ዶላር ኣለዎ። የግዳስ ብቑጠባኣን ጃምላዊ እቶታታን ኣብ ዓለም መበል107 ኢያ ትስራዕ።

ቻይናን ጃፓን ኣኸቲላ ካልአይቲ ዝሓየለ ቁጠባ ክትከውን ዝበቕዐት፡ ብሓይሊ ትእዛዝ ናይ ሓለቓ ስታፋ ወይ ብኣዋጅ ዴሳዊ ሰልፊ ኣይኮነን። እንታይደኣ ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ 11 ትሪልዮን ዶላር ኣጽሚዳ ን14.3 ዓለማዊ ቁጠባ ስለዝበሓተት ኢዩ።

ህንዲ 2 ትሪልዮን ዶላር ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ኣጽሚዳ ብደረጃ ዓለም 7ይቲ ዝሓየለት ቁጠባ ኮይና ኣላ። እቲ ዝገርም ብመሰረት እዚ መንግስቲ ኤርትራ ኮይነዮ ኣለኹ ኢሉ ዝሓስቦ ናይ ሕልሚ ምጣነ ሸርፊ ምስዝረአ፡ 100 ናቕፋ ኤርትራ፡ 422 ናይ ህንዲ ሩፒ ኢዩ ዝሽረፍ። እዚ ማለት ብመሰረት እቲ ሕልሚ፡ እቲ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ 500,000 ዶላር እውን ዘይውፍር መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዛ 2 ትሪልዮን ዶላር እተውፍርን እተእቱን ህንዲ ባጤራኣ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ሓይልዎ ኣሎ ኢሉ ኢዩ ዝኣምን። ከምኡ እንዳመሰሎ ድማ ደቂሱ ይሓድር።

ሓደ መራሒ ናይ ሸርፊ ምጣነ ትእዛዝ ስለዘሕለፈ ዝኸብር ባጤራ የልቦን። ንባጤራታት ዘድክሞምን ዘሐይሉምን ፖለቲካዊ፡ ቑጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ማሕበራዊን ዲፕሎማስያዊን ረቓሒታት ኣለዉ።

ግብጺ ንኣብነት ድሕሪ ዝተኻየደ ሰውራ 20 ጥሪን ንዕኡ ስዒቦም ዝመጹ ዘይርጉእ ፖለቲካውን ወተሃደራዊን ኩነታት፡ ምጣነ ሸርፊ ባጤራኣ ኣዚዩ ጎዲሉ ኣሎ።

1) ብሰንኪ እቲ ተደጋጋሚ ብኣሸበርቲ ኣብ ልዕሊ ቱሪስት ዝግበር መጥቓዕቲ፡ናይ ግብጺ ናይ ቱሪዝም እንዳስትሪ ስለዝዓነወ:

2) ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣውፈርቲ ስለዝሰሓቡ፡

3) ግብጺ ብዘይካ ሓደ ፍርያት ማለት ጸዓት ኩሉ ካልእ ኣገልግሎትን ኣቕሑትን ካብ ደገ እትገዝእ ብሙካና ስለዚ ድማ እታውን ሰደድን ስለዘይተመዓራረየ ከቢድ ሕጽረት ዶላር ኣጋጢምዋስ እቲ ሓደ ንሓሙሽተ ዝስረፍ ዝነበረ ፓውንድ፡ ሓደ ን 17 ኮይኑ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ትእዛዝ ንምንቁልቋል ባጤራታት ደው ከብል ተኽእሎ እንተዝነብሮ እቲ ብኹልንትንኡ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ሲሲ ነቲ ዝጋልብ ዘሎ ፓውንድ ደው መበሎ።

ልኽዕ ኢዩ ምጣነ ሸርፊ ባጤረአን ቀዋሚ ዝገብረኦ ገለ ሃገራት ኣለዋ። ንኣብነት ስዑድያ፤ ሆንግኮንግ፤ ኢማራት ወዘተ። ከምኡ ዝገብራሉ ምኽንያት፡ ኣብ ግምጃታት ባንክታተን ልዕሊ እኹል ናይ ዶላር ትሕጃ ስለዘለወን፡ ኣብ ዝደለየኦ እዋን ነቲ ብዓለማዊ ረቛሒታት ዝውሰን ሸርፊ ባጤረአን ኣብ ዝደኽመሉ እዋን ዶላር ኣፍሲሰን ከሐይለኦ ዘኽእለን ዓቕሚ ስለዘለውን ኢዩ።

ብቐሊል ኣበሃህላ ሓይሊ ዕድጊ ባጤራ ሓደ ካብቶም ንባጤራ ናይ ሓንቲ ሃገር ዘሐይሉ ረቛሒታት ኢዩ። ሰለስተ ካብዞም ንባጤራ ዘሐይሉን ዘድክሙን ደረኽቲ ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።

1) ናይ ወጻኢ ወፍሪ ከምኡ እውን እታ ሃገር ንወጻኢ እትልእኮ ኣገልግሎታትን ኣቕሑን ብርክት ዝበለ እታው ናይ ሓያል ባጤራታት ዘርክባ እንተኾይኑ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዘየሎን ዘይሕሰብን ኢዩ።

2) ዘስርሕ ኣሳታፊ ፍሲካላዊን ገንዘባዊን ፖሊሲ ምስዝህሉ፡ ስለዚ ድማ ዝቕባበ ወይ ምንሃር ዋጋታት ምስዘይህሉ። እዚ እውን ኣብ ኤርትራ ቦኺሩ ዘሎ ቀደም ዝሸፈተ ነገር ኢዩ።

3) ርጉእን ብልዕልና ሕጊ ዝመሓደርን ስርዓት፡ ሰላማዊን ዘይህወኹን ንግዳዊ ሃዋህው፡ ጥዑይ ቁጠባዊን ወፍራውን ስርዓትን ታሪኽን ዘለዎ መንግስቲ ሃገርን ምስዝህሉ ኢዩ። እዚ ዳሕረዋይ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ውድቀት ባጤራ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ውድቀት ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ነጥቢ ኢዩ ስለዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ንኹሎም እቶም ምሕያል ባጤራ ወሰንቲ ዝኾንይ ሰለስተ ረቛሒታት ኣይተማእን ኢዩ። ንሱ ክሳብ ዘየማልአ ሓያል ባጤራ ኣሎኒ ክብል ብቑጠባዊ ክልሰሓሳብ ዘይክውነታዊ፡ ብርትዓዊ መዐቀኒ ዘይመጎታዊ ኢዩ።

ክንዲዝኾነ፡ኣብ ኤርትራ ዘሎ መጠን ሸርፊ ሰብ ሰርሖ ቁጽርታት ኢዩ። ሚእቲ ዶላር = ሽሕን ሸሞንተ ሚእቲን ናቕፋ ዝብል ኣሃዛት፡ ንሕልሚ ኢልካ ዝተቐመረ ስኑዕ ኣሃዛት ኢዩ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነት ብዝኾነ መልክዑ ዘንጸባርቖ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ 100 ዶላር 5000 እንዳተሸርፈ ዝነበረ ኩነታትን፡ ሕጂ ዶላር 1800 ይሽረፈሉ ኣብ ዘሎ እዋንን ዝተቐየረ ናይ ቀረብን ጠለብን ኩነት የሎን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ እቲ ቁጠባ ኣዚዩ ተዳኺሙ፡ ዝቕባበ ሰማይ ዓሪጉ፡ናይ ናቕፋ ናይ ዕድጊ ሓይሊ ተረሚሱ ኢዩ ዘሎ።

ብወተሃደራዊ ሕጊታት ምጣነ ሸርፊ ምርጋእ ዝብል ሃቐነ ኣብ ዓለም ብዙሕ እዋን ተፈቲኑ እኳ እንተነበረ ተዓዊቱ ግን ኣይፈልጥን። ምኽንያቱ ሕግታት ዕዳጋ ይኹን ናይ ባጤራታት ሸርፊ ብሕግታት ቀረብን ጠለብን ኢዮም ዝውሰኑን ዝሰርሑን።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ዘይጥዑይ ምሕደራ ዝርከባ ሃገራት መራሕተን ገንዘበን ሓያል ንምምሳል ነቲ መሰረታዊ ናይ ቀረብን ጠለብን ሕቶ ከይፈትሑ ባጤረኦም ማዕረ ዶላር ክገብዎ ፈቲኖም ኢዮም። ንኣብነት ሮበርት ሙጋበ፡ ጀነራል ዑመር ኣልበሽር ወዘተ።

እቲ ውጽኢት ግን ነብስካ ምቕሻሽን መስሓቕ ሰብ ሙኻንን ኢዩ ኮይኑ። ምኽንያቱ ዝዓነወ ቁጠባኻ ሓቢእካ መልክዕ ናይ ባቴራኻ ከተቆናጁ ምፍታን ከም ስራሕ ሰገን መላእ ኣካላትካ ተቓሊዑ ከሎ ርእስኻ ምሕባእ ኢዩ።

ንኣብነት ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣመሃህርኡ ደኺሙ፡ መማህራኑ ሰኒፍም፡ ስርዓተ ትምህርቱ ውዱቕ ስለዝኾነ ካብ 10 ተመሃሮ 9 ሰባት ጥራይ የሕልፍ እንተነይሩ፡ መሕለፊ ነጥቢ ናብ 5% ብምውራድ ኩሎም ተመሃሮ ከምዝሓልፉ ተገይሩ፡ እቲ ትምህርቲን ዋግኡን ስለዝተመሓየሸ ዘይኮነስ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ነብሱ ኪቕሽሽን ንውድቀቱ ብኻልእ ውድቀት ክጉልብብን ስለዝደለየ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ዶላር ኩነታት ነዚ ሓቂዚ ዝገልጽ ኢዩ። ዶላር ብፖሊሳዊ ስርዓት ኣዊጅካ ሸርፊ ካብ 5000 ናብ 1800 ክትወርድ ስለዝኣዘዝካ፡ ሓይሊ ናቕፋ ወሲኹ ማለት ኣይኮነን።

እቲ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ብልክዑ ክግለጽ ተኾይኑ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እዋን ሸርፊ፡ ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ሚእቲ ዶላር 3200 ናቕፋ ይዘምት ኣሎ። 100 ዶላር እንተምጺእኩም ከም ቀደም 5000 ዘይኮንኩስ 1800 ናቕፋ ኢየ ክህበኩም ኢሉ ኣዊጁ ኣሎ መንግስቲ ኤርትራ። እቶም ዝእዝዙ፡ እቶም ዘሽርፉ፡ እቶም ዝሕውሉ፡ እቶም ዘቀባብሉ፡ እቶም ዝእክቡ፡ እቶም ዝሕስዉ ባዕሉ መንግስቲን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝመሓደሩ ሰባትን ስለዝኾኑ ድማ፡ ሕጊ ዕዳጋን ቁጠባዊ ሕግታትን ዝበሃል ኣይገዝኦምን ኣይጸልዎምን። ምኽንያቱ ይትረፍ ሕጊ ዕዳጋ፡ ሕጊ ቅዋም፡ ሕጊ ሰብኣውነት፡ ሕጊ ሓርነት ከይተረፈ በቲ መንግስቲ ተዳሂኹ ኢዩ ዘሎ።

ከምኡ ስለዝኾነ ኩሉ ነገር ከምዘለዎ ወይ ዝበኣሰ ኮይኑ እንዳሃለወ፡ መንግስቲ ኤርትራ መጠን ሸርፊ ናቅፋ ምስ ዶላር ተመሓዪሹልኩም ኣሎ ፌስታ ግበሩ እንተበለ እምበኣር ንኸንቱ ሕልሚ እመኑ ዝብል ጻውዒት ጌርካ ጥራይ ኢዩ ክውሰድ ዝኽእል። ሸርፊ ብሰለስተ ዕጽፊ ኣግዲለዮ እንዳበልካ ባኒ 3 ናቕፋ፡ ሓደ ኪሎ ቡን 100 ናቅፋ፡ ሓደ ቶስት 35 ናቅፋ ዝሽየጥ እንተኾይኑ፡ ናቕፋ ብሰለስተ ዕጽፊ ጎዲላ ኣብ ክንዲ ምባል ዋጋታት ስም ቀይሮም ምባል ኢዩ ዝሓሸ።

ሓደ ኣቐሓ ወይ ኣገልግሎት ዋግኡ ክቡር ዝገብሮ እቲ ዝተስርሓሉ ንጥረነገራትን ንምስርሑ ዝተሓልፈ መስርሕን ኢዩ። ናይ 10 ዶላር ሰዓት ኣብ ሳንዱቕ ናይ ሮሌክስ ተቐሚጣ ካብ ሕጂ ንንየው ዋጋይን ክብረይን ከም ሮሌክስ ቁጸርዎ ኢላ እንተኣወጀት፡ ክብራ ኪቕይር ኣይክእልን ኢዩ። ክብራ ዝቕይር እቲ ንሮሌክስ ክብርቲ ዝገብራ መስርሕን ንጥረነገርን ምስ እትሕዝ ኢዩ።

ዛንታ ባጤራ ናቕፋ መቐጸልታ ናይቲ ኩሉ ነገር ብሓይሊ ክትልውጥ ምፍታን ዝብል ፍልስፍና መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ። ናይ ናቕፋ ሸርፊን ኣዋጃቱን ዕዳጋ ኣብ ክንዲ ብክልሰ ሓሳብ ቁጠባ ዝግዛእ፡ ብሓይሊ ፖሊስን ጠበንጃን ይገዛእ ካብ ዝብል ድሑር ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት ዝነቕል ኢዩ።።

ባንክታት ኣብ ክንዲ ብፊናንሳዊን ገንዘባዊን ክልሰሓሳብ፡ ገንዘብ ህዝቢ ብምዝማትን ብምዕማጽን ኪካየድ ጸኒሑ ኣሎ። ህዝቢ ደም ርሂጹ ዝኣከቦ ገንዘብ ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መግለጺን ምኽንዩነትን ኣብ ሳናዱቕ ተዓሺጉ ተዘሚቱ ኣሎ። ንግዲን ወፍሪን ኣብ ክንዲ ብሕግታት ኣህጉርን፡ ብሓራ ንግዳዊ መትከላትን ምምራሕ ነጋዶ ብምእሳርን ምስዋርን ንግዶም ብምግባት ኪምራሕ ጸኒሑ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ኣካይዳ ድማ ሃገር ተስፋ ናብዘይብሉ መዓሙቕ ትሽመም ኣላ።

26 ዓመት፡ ወዲሰብ ይትረፍ ንዝተዳህሰሱ ክልሰሓሳብ ንምርዳእ ጥራይ፡ ናይ ባዕሉ ሓድሽ ክልሰሓሳብ ክፈጥር ዝኽእሎ ነዊሕ እዋን ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዝጸንሖ እዋን እንዳዛየደ ክመጽእ ከሎ ድንቁርንኡ እንዳወሰኸ ምኻዱ ኢዩ።

ጸባን ሓረስታይን ካብ ሓፈሻዊ ቁጠባን ንዕኡ ዝድርኹን ዝስሕቡን ረቛሒታት ነጺልካ ምርኣይ መርኣያ ድንቁርና ኢዩ። ብቑጠባዊ ሕግታት ነጻ ዕዳጋ ንዝምራሕ ናይ ጀርመን ጸባን ኤውሮን፡ ምስቲ ብትእዛዛት ኣብ ዝተሓንቀ ሃዋህው ዝፈሪ ናይ ዓዲሰግዶ ጸባ ምንጽጻር መስሓቕ ኣናሎጂ ኢዩ።

ጻብኡ ብመኪንኡ ዘመላልስ፡ ስርዓተ መዝሓሊን ምኽዛንን ዘለዎ፡ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘውሕሰሉ ሓርነት ዝሰርሕ ናይ ሚዩኒኽ ሓረስታይ፡ ምስቲ ጀነራል ተክለ ማንጁስ ንግሆ ንታዕሊም እንዘይጸዊዕዎ ጥራይ ዝወፍርን ዝሓልብን ናይ ቀራናኹዶ ሓረስታይ ምውድዳሩ እንተዘየብከየ ዘሕዘን ምንጽጻር ኢዩ።

ብዓቢኡ ብልዕልና ሕጊ፡ ብቕዋም፡ ብሓርነት፡ ብዴሞክራስያዊ ምርጫ ኣብ እትመሓደር ሃገረ ጀርመን ዘሎ ኩነታት፡ ምስታ ሓደ ሰብኣይ ንግሆ ተሲኡ ፊን ዝበሎ ሕግታት ዘሕልፈላ ዘኽቲማ ዘላ ኤርትራ እንዳኣነጻጸርካ፡ ኣብነታት ምቕራብ ምሉእ ዕብዳን እንተዘይተባህለ፡ ምልክት ናይ ንዓመታ እምኒ ዝድርቢ ሰብ ዘረባ ኢዩ።

ኣብ ታሪኽ ፊሲካላዊን ገንዘባዊን ፖሊሲታት ዓለምና ከምዚ ዓይነት ድንቁርና ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን።

    Print       Email

You might also like...

ነቶም ናጽነት ዝሰለምዋ ኣካለ ስንኩላን ዘይትኸውን ኤርትራ ናይ መን ኤርትራ ኢያ?

Read More →