Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኤርትራ፡ 100 ዓመታት ንድሕሪት!

By   /  October 4, 2017  /  Comments Off on ኤርትራ፡ 100 ዓመታት ንድሕሪት!

    Print       Email

ኣብ ትሕቲ ተኸታተልቲ መግዛእትታት ባዕድን ደቂ ሃገርን ኤርትራ 100 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሳ ኣላ።

ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለዘመን ብዝያዳ ድማ ኣብ መጀመርያ 20 ክፍለ ዘመን: ብኩለንትናዊ ምዕባለታት ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ማእከላይ ምብራቕ ብማሕበረ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ምዕባለታት ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ሃገር ኢያ ነይራ።

ኣብቲ እዋን እቲ ዱበይ እትበሃል ከተማ ኣይነበረትን፡ ኣዲስ ኣበባ ማስተር ፕላን ዘይነበራ ጊድጊዳን ጭቃን እያ ነይራ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ጅዳ ነባሪኣ ዘድንቓ ከተማ ስለዘይነበረት፡ እቶም ሰብ ዓቕሚ ቀዳመ ሰንበት ናብ ኣስመራ መጺኦም የሕልፍዎ ነይሮም።

እቲ ዘሕዝን ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን፡ ኤርትራ ሓደ ክፍለ ዘመን ንድሕሪት ተመሊሳ ምህላዋ ኢዩ። ንምንጽጻር መታም ክጥዕም እዞም ዝስዕቡ ንዘመናውነት ኤርትራ ቅድሚ 100 ዓመታት ዘንጸባርቑ ሓቅታት ነቕርብ። እዞም ምዕባለታት ንኣንባቢ ብመንጽር እዚ ኤርትራ ወዲቓቶ ዘላ ዘሕዝን ኩነት ምንጽጻር ንምግባር ዝሕግዙ ኢዮም።

ኣንባብቲ እዚ ዓንቀጽ ምናልባት እዚ ቀደም ብመግዛእታዊ ሓይሊ ዝተገበረ ምዕባለ ምስ ሎሚ ምንጽጻሩ እንታይ ኢዩ ዕላምኡ ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ ይኾኑ፡ ብሓቂ ድማ ክሕተት ዝግባእ ግርም ሕቶ ኢዩ። እዚ ምንጽጻር’ዚ ዝቐርበሉ ዘሎ ምኽንያት እዞም ዝስዕቡ 4 ነጥቢታት ስለዘነጽር ኢዩ።

1) ነቶም ደግሲ 50ታት ሒዝዎም ኤርትራ ነጻ ኮይና ነብሳ ክትክእል ኣይትኽእልን ኢያ ዝብሉ፡ ኤርትራ ይትረፍ ሎሚ ቅድሚ 100 ዓመታት ልዕሊ ካልኦት  ምንባራ ንምዝኽኻር፡

2) ኤርትራ መግዛእቲ ኢዩ ሃኒጽዋ ንዝብሉ ኤርትራ ብኤርትራውያን ከምእተሃንጸት መግዛእቲ ወሳድ ሞሳ ጥራይ ምንባሩ ንምሕባር፡

3) ሎሚ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ነታ ሃገር ይትረፍ ንቕድሚት ከሰጉማ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝገበርዎ ምዕባለታት እውን ክዕቅብ ዘይምኽኣሉ መርኣያ ከቢድ ውድቀቱ ሙኻኑ ንምንጻር፡

4) እንኮስ ካብዚ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ትገላገል እምበር ኤርትራ ጸጋታታን ዓቕሚ ሰባ ምሉእ ሙኻኑን ናይ ቀደም ቦተኣ ክትመልሶ ዘጸግማ ከምዘየሎን ንምርግጋጽ ኢዩ።

ኤርትራ ኣብ መፋርቕ 50ታት ካብ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዝውሕዙ ቱሪስትስ ማእከል ምብጻሖም ጌሮማ ነይሮም። ኣስመራ ብዙሓት ወጻእተኛታት ናይ ሕጽኖትን ዕረፍትን ምርጨኦም ይገብርዋ ነይሮም። ነዚ ዋሕዚ ዝተዓዘባ ከም ኣልኢታልያ፡KLM  ኢትዮጲያን ኣየርላይንስ ዝኣመሰላ ኣገልግሎት ኣየራት ናብ ኣሰመራ ዝገብረኦ ቀጥታዊ በረራ የበርክተኦ ነይረን።

ሆቴላት ኣስመራን ባጽዕን ብኣገልግሎተንን ደረጀአንን ኣብ ዓለም ዝወዳደራ መዕረፍ ኣጋይሽ እየን ነይረን። ሬድሲ ምጽዋዕ ንኣብነት ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለዘመን ዝበለጸት ናይ ኣፍሪቃ ሆቴል ተባሂላ ተሰሊማ ነይራ።

ምስዚ ዝተጠቐሰ ሓቂ ክነጻጸር ከሎ ሎሚ ከተማታት ኤርትራ መልኣከ ሞት ዝወረሰን ይመስላ፤ ኤርትራ፡ ይትረፍ በጻሕቲ፡እቶም ዝርካቦም ዜጋታታ ዝነፈጹላ ሃገር ኮይና ኣላ። ሆቴላት ብኻሮሳ ብዝጉተት ፊስቶታት ቦጥ ማይ ዝዕደላ ኮይነን ኣለዋ። ኣገልግሎት ኤሌትሪክን ማይን ስለዘይብለን ዓይኒ ምድረን ብሕማቕ ሽታታት ዝተጎብአ ኢዩ። እቲ ብዘመናውነቱ ዝልለ ዝነበረ ኢምፐርያል ሆቴል፡ ሎሚ በጻሒ ንዓይኒ ምድሪ ኪኸይድ እንተደሊዩ ሶፍት ካብ ረሰፕሽን ሓቲቱ ክወስድ ኣለዎ። በቲ ሕጊ መሰረትድማ  ምስወደአ እቲ ሶፍት ናብ ረሰፕሽን ክመልሶ ይሕተት።

ኤርትራ ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለዘመን ናብ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ክሳብ 25 ሽሕ ቶን ዓሳ ንሰደድ ትልእኽ ነይራ። ነቢት፡ ባናና፡ ፎርማጆን ጡጥን ዝኣመሰለ ፍርያት ኣግሮ ኢንዳስትሪ ናብ ሃገራት ወጻኢ ብናይ ውሽጥ ሃገር ትካላት ዝውነና ኤውሮፕላናት ይስደድ ነይሩ።

እንዳ መረንጊ፡ እንዳ ዘይቲ፡ እንዳ ፍንጃል፡ ነቢት ፈኒሊ፡ ፋብሪካ ዓለባ፡ ፋብሪካ ፊያት፡ ፋብሪካ ሴራሚክስ፡ ፋብሪካ መሎቲ፡ ፋብሪካ ሰሚንቶ፡ ፋብሪካ ኖራ፡ ፋብሪካ መልጎም፡ ፋብሪካ ዕንዲዳ፡ ፋብሪካ ክርቢት፡ ፋብሪካ ኦሞን ሳሙናን፡ፋብሪካ ቢሽኮቲን ካራሜለን፡ፋብሪካ ሽጋራ ሞኖፖል፡ፋብሪካ ኣቺ ጸባ፡ ፋብሪካ ቢኒ ጫማ፡ ፋብሪካ ሊያልፍ፡ ወዘተ ነይርዋ።

ሎሚ ሓደ ሽሕ ኪሎመተር ዝውንን ህዝቢ ኤርትራ ዓሳ ብማዕዶ ዝርእዮ ነገር ኮይኑዎ ኣሎ። ጥሜትን ጽምእን ዘጥቐዖ ህዝቢ ከብዱ ክዕንግል ናብ ባሕርታትን ጣሕርታትን ዓዲ ባዕዲ ይወፍር ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣስመራ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊባ ኢሉ እተን ካብ ሳዕስዒት ዘየዕርፋ መንኮቡ ጓይላ ክገብረለን ከሎ፡ እንታይ እየ ዘብዕል ዘለኹ? ኣነ ካብ ዝመጽእ ከ እንታይ ሃኒጸ? እተን ተመዝጊበን ዘለዋ ከም በዓል ሲነማ ኣዝማራ፡ ፊያታ ሌሮ፡ እንዳ ፋሊጣ  ዝኣመሰላ ህንጻታት ሎሚ እንታይ ይመስላ ኣለዋ ኢሉ ኣይሓተተን። እቶም ፈቐዶ መንግስቲ ተሓጎሰ ኣለኹ እንተኢልዎም እንታይ ከይበሉ ዝስዕስዑ ደገፍቲ ድማ እዚ ክሕተት ዝግበኦ ሕቶ ከይሓተቱ ዩኔስኮ እንዳበሉ ይስዕስዑ።

ከምግደ ሓቂ ግን ሲነማ ኣዝመራ ዓንዩ፡ ሲነማ ካፒቶል መዓስከር መሲሉ፡ ሲነማ ኢምፐሮ እንዳቪድዮ ተቐይሩ፡ ፊያታ ለሮ ከም ሰቡ ደስኪሉ፡ እንዳፋሌጣ ወተሃደራዊ መዓስከር መሲሉ፡ ማይጃሕጃሕ ማዩ ነቒጹ፡ዘርኣይ ደረስ ባንክ እንዳኣፍራስ መሲሉ፡ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ቦያን ቀለምን ተሓሪሙ፡ ሕርሻ ዒላበርዕድ ባዲሙ፡ ዝርካበን ኢንዳስተሪታት ዓንየን ኣለዋ።

እቲ ንባዕሉን ንኻልኦትን ብመስተ ንምድንዛዝ ዝሰርሕ መንግስቲ፡ ኣቓልቦ ሂቡ እንዳወደቐ እንዳተሰአ ከስረሖ ገንዘብ ዘውፈረሉ እንኮ ፋብሪካ ቢራን ኣረቂን ጥራይ ኢዩ። ንሱ እውን ንናይ ባዕሉ ዕላማ።

ብፖለቲካዊ ውዳበን ትካላውነትን እውን ኤርትራ ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘመን ከይተረፈ ብዙሕነት ኣመለኻኽታን ሰልፍታትን ነይርዋ። መንግስቲ ኤርትራ ዝበሃል ትካል፡ ቅዋም ኤርትራ ዝበሃል ሕገ መንግስቲ፡ ሰማያዊት ባንዴራ፡ ሲቪካዊ ማሕበራት ከይተረፈ ነይርዋ።

ንኣብነት ኣብ መፋርቕ 50ታት ብወይዘሮ መድህን በራድ ዝተባህላ ወዝይዘሮ ዝምራሕ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ ዝበሃል ሲቪካዊ ውዳበ ነይሩ።ሽሕ’ኳ እቲ ማሕበር ንኣንድነት ዝጣበቕ ውዳበ እንተነበረ ሲቪካዊ ውዳበ ምንባሩ ንባዕሉ ምልክት ብዙሕነት ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሎ ህንጻ፤ ሰማያዊ ባንዴራ ዘንበልብል ፡ ባይቶ ኤርትራ ዝእከበሉ ኣደራሽ ነይሩ። ሽሕ’ኳ ደሓር ናጽነቱ እንተተገፈፈ፡እቲ ባይቶ ንሓጺር እዋን ኣፈኛ ባይቶ፡ ኣባላት ባይቶን፡ ወከልቲ ህዝቢ ዝበሃል ኣምራት ኣአንጊዱ ኢዩ።

ፍርዳዊን ሕጋዊን መስርሕ እውን ብመጠኑ ስለዝነበረ ኤርትራውያን ጠበቓታት ብዉሑዱ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝካትዑሉ፡ ዜጋታት ጠበቓታት ቆጺሮም ዝዳነዩሉ፡ ኣኽባር ሕጊ ዝብል ቅርጺ ዝተፈጥረሉ ፍትሃ ብሄር ነይርዎም። ተመሃሮ ኣምሓርኛ ኣይንመሃርን ኢሎም ብልምዲ ሾፖሮ ዝበሃል ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩሉ እዋን ነይሩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሕቶ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዝለዓለ ሃገራዊ ገበን ስለዝቑጸር፡ ይትረፍ ሰልፍታት ማሕበራት ዕቁብ እውን ብጥርጣረ ኢዩ ምክትታል ዝግበረለን።   ቅዋም፡ ጸላኢ መንግስቲ ኤርትራ ስለዝተቖጽረ፡ ቅዋም ኢልካ ምሕታት ከም ዕልዋ መንግስቲ ምግባር ካብ ዝቑጸር ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ስፖርት ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለዘመን ኢዩ ተበጊሱ። ኣብቲ እዋን እቲ ከም ኢትዮጲያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሽክለታ ዝበሃል ተሽከርካሪ ኣይፈልጠኦን ነይረን። ኤርትራ ግን ብኢጣልያውያን ዝተዓብለለ ይኹን እምበር ኣብ 1936 ኮሚሽን ቅድድም ብሽግለታ እቁማ።

ኣብ 1946 ቀዳማይ ዙር ብሽክለታ ኤርትራ ተኻይዱ። ኣብ 1939 ገብረማርያም ገብሩ ዝተባህለ ዜጋ ሻፕዮን ዋንጫ ኤርትራ ኮይኑ ተዓዊቱ። ኣብ 1951 ወልደምካኤል ወልደማርያም በርበረ እተባህለ ኤርትራዊ ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ ተዓዊቱ። ኣብ 1956 ክልተ ኤርትራውያን ኣብቲ ኣብ መልበርን ኣውስትራሊያ ዝተኻየደ  ኦሎምፒክ ዓለም ተሳቲፎም።

3ይ ዋንጫ ዓለም ኣፍሪቃ ኤርትራ ኢያ ጨቢጣቶ፥ ምኽንያቱ 9 ካብቶም 11 ተጻወቲ ጋንታ ኢትዮጲያ ኤርትራውያን ኢዮም ነይሮም።

ኣብ መዳይ ውድድር ጽባቐ ኣብ መፋርቕ 50ታት ኤርትራዊት ወይዘሪት ኣብ ውድድር ቁንጅና ዓለም ተሳቲፋ። ኣብ 60ታት ንሶማልያዊት ፓይሎት ስዒባ ቀዳመይቲ ናይ ኢትዮጲያን ኤርላይንስ ፓይሎት ንሙኻን ዝተሓጽየት ጓለነስተይቲ ኤርትራዊት ኢያ ነይራ። ኣብ መዳይ ሲነማቶግራፊ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ዝተሰርሑሉ ከባቢታት ነይርዋ። ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ዝሰርሓ ከም ዘወይዘሮ ውዲ ኣርኣያ ጥበባውያን ኣብ ውድድር ጽባቕ ኤክስፖ ዝተሳተፋ ከም ወአይዘሮ ኑራ ዝኣመሰላ ደቀንስትዮ ነየረናኣ።

ኣብ እዋን ከንቲባ ሓረጎት ከተማ ኣስመራ ኣብ  ወርሒ ሓንሳብ ጽርግያታታ ይሕጸብ ነይሩ። ሽበካታት ዝማዕርጉ ጎደናታት ብክንክን ዝተኾስከሱ ነይሮም። መስመራት ጽርግያታት ኣህጉራዊ ደረጃ ዝሓለዉ ነይሮም። ሲነማታት ብሉጻት ፊልምታት ዘአንግዳ ነይረን። እታ ንእሽተ ማዕርፎ ነፈርቲ ብጽሬታን ስርዓታን እትልለ ኢያ ነይራ።

ሎሚ ኣስመራ ተመሊስና ንርኣያ። ድሕሪ 100 ዓመት ካልእ ሓደ ሚእቲ ዓመት ንድሕሪት ተመሊሳ ኣላ። ‘ኣስመራ ከተማ ንፓሪስ መሲልኪ’ ተባሂሉ ከምዘይተደርፈላ፡ ሎሚ ኣስመራ ዑናታት ፋሉጃን ቲኽሪትን መሲላ ኣላ። ቱቦታት መስመር ማይ ዓንዩ፡ ማርቻቤዲታት ተሰባቢሩ፡ ብጽባቐኡ ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ገዛውቲ ሓጹራት ሎሚ ብዚንጎን ተንከቦትን ናብ ዝተሸፈነ ዑናታት ተቐይሩ ኣሎ።

ዓዲ ፋብሪካታት፡ ዓዲ ኣግሮ እንዳስትሪ፡ ዓዲ በጻሕቲ ቱሪስት፡ ትእምርቲ ጽሬትን ጽፈትን ዝነበረት ኤርትራ መልክዓ ተደዊኑ ንፈላጢኣ እተሕዝን ኮይና ኣላ። ብዓቢኡ እታ ሓቛፊት ደቃ ዝነበረት ኤርትራ ሎሚ መልኣከ ሞት ዝወረሳ፡ ብጥሜትን ሕማምን ዝተጠቕዐት፡ህዝባ ናብ ፈቐድኡ ዝነፍጽ፡ ቡንባታት ገዲፋ ብጅርባ እትዕደል ዓዲ ኮይና ኣላ።

ዱበይ ኣብ 1991 ዝበዝሐ ክፋላ ጎልጎል ሜዳ ኢያ ነይራ። ንጉሳዊ እኳ እንተኾነ ንምዕባለ ዝሰርሕ ዝሕተት መንግስቲ ስለዘለዋ፡ ኣብ ሓጺር እዋን እዚ ምዕባለታት ኣርኢያ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ዝረኸቦ ገንዘብ ኣብ ሕሳባት ውልቀ ሰባት ኢዩ ዘውዕሎ ዘሎ። እቲ ካብ ስርቂ ዝደሓነ ገንዘብ ድማ ኣብቲ ገዛእ ህዝቡ ኣብ ምእሳርን ምቕጥቃጥን ዝተዋፈረ ፖሊሳዊ ስርዓትን ናይ ስለያ ወጻኢታትን ስለዘውዕሎ እታ ዓዲ ናብቲ ቅድሚ 100 ዓመት ዝነበረቶ እውን ክትበጽሕ ኣይከኣለትን ኣላ።

በጃኣ ኤርትራ ለምለም፡ በጀኣ ኣስመራ ዓዕዳ!

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →