Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣብ ዞባታት ዓንሰባ ደቡብን ማእከልን ገዛውቲ ምፍራስ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

By   /  October 18, 2017  /  Comments Off on ኣብ ዞባታት ዓንሰባ ደቡብን ማእከልን ገዛውቲ ምፍራስ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

    Print       Email
ካብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ናብ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ክፍሊ ትሕተቅርጽን ብዝተመሓላለፈ መሰረት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት  ብዘይፍቓድ ገዛውቲ ዝሰርሑ ምዝገባ ኪጅመርን ናይ ምፍራስ መደባት ክትግበርን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
እዚ ናይ ሕጂ ትእዛዝ ወላ ተወሳኺ መናድቕ ዝነደቑ ወይ ውን ኣብ ቀጽሪ ቤቶም ተወሳኺ ጋራጃት ወይ ክሽነ፡ ወይ ውን  ምግፋሕን ምውሳኽን ገዛውቲ  ዝገበሩ ኩሎም ክምዝገቡን ኣድራሸኦም ብቕልጡፍ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻልን መንግስታዊ ጋራጃትን ክለኣኹን ተወሲኑ ኣሎ።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ምዝገባ እቶም ኣብ መዓስከራት ደንደንን ኣልጌንን ዘለዉ ተጋደልቲ ዝገበርዎ ተወሳኺ ጽላላትን ክሽነታትን  ክፈርስ ዝብል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ’ኳ እንተነበረ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ናይቲ ኮሚቴታት ኣብ መዓስከር ደንደንን ኣልጌንን ምፍራስ እንተተጀሚሩ ናይ ብዙሓት ተጋደልቲ ስምዒት ክትንክፍ ሙዃኑ ብምጥቃስ ስግኣቶም ይሕብሩ ኣለዉ።
ብመሰረት እዚ ክምዝገብ ተጀሚሩ ዘሎ ሊስታ ናይ ገዛውቲ  ኣብ ከባቢታት ኣስመራ ኣብ ዝርከባ ኣድታት ዝተሰርሑ ብርክት ዝበሉ ገዛውቲ ክፈርሱ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ኣባይቲ ዝኾነ ዝረአ ኣበርክቶ ከይገበረ ኣብ ምፍራስ ገዛውቲ ብኽንድዚ ሓይሊ ተጊሁ ክሰርሕ ምርኣይ ንቡዙሓት ሰባት ከገርም ጸኒሑ ኣሎ። ካብዚ ተርእዮ ብምብጋስ  ብዙሓት ሰባት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ዶዘራት ንምህናጽ ዘይኮነ ንምፍራስ ዘገልግላ ኢየን ክብሉ ይገልጽወን።
ምሉእ ህይወቶም ንሰውራ ኤርትራ ዝወፈዩ ተጋደልቲ ብፍላይ ድማ ኣካለስንኩላን ኣብ ዚንጎታት መዓስከር ደንደን ተደርብዮም ይነብሩሉ ኣብዘለዉሉ እዋን፡ ካብ መዓስከር ናይቶም ስንኩላን ሓደ ኪሎመተር ኣብ ዘይርሕቕ መሬት ካብ ወጻኢ ዝመጹ ዜጋታት ዘጋየጹሉ ቪላታት ይህነጽ ምህላዉ ይፍለጥ። በዚ ተግባራት እዚ መንግስቲ ኤርትራ ክልተ ደርቢ ዘለዎም ዜጋታት ከምዝፍጠሩ ይገብር ኣሎ።
ንኣካለ ስንኩላን ተባሂሉ ኣብ ጥቓ መሰልጠኒ ማእከል መማህራን  ዝተሰርሐ ገዛውቲ ህንጻታቱ ተዛዚሙ ንኣካለ ስንኩላን ክዕደል ምስቀረበ ፕረዚደንት ኢሳያስ ባዕሉ ንዝመረጾም ሰባት ክወሃብ ከምዝወሰነ ዝዝከር ኮይኑ ክሳብ እዚ እዋን እቶም ኣካለ ስንኩላን ኣብ ዚንጎታት ተደርብዮም ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣካለ ስንኩላን ክሳቐዩን ክሻገሩን ምርኣይ ምስ ሳዲስት ባህርያቱ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ሓደ ካብቲ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ባህታ ዝፈጥረሉ ነገር ሙኻኑ ይግመት።
    Print       Email

You might also like...

ነቶም ናጽነት ዝሰለምዋ ኣካለ ስንኩላን ዘይትኸውን ኤርትራ ናይ መን ኤርትራ ኢያ?

Read More →