Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ዓዲሃሎ ንግዕዙይ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ተቓዊሞም ዝኣደሙ ኣባላት 29 ዙርያ ኣብ ጎላጉል ናሮ ከቢድ መቕጻዕቲ ይወሃቦም ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  October 15, 2017  /  Comments Off on ኣብ ዓዲሃሎ ንግዕዙይ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ተቓዊሞም ዝኣደሙ ኣባላት 29 ዙርያ ኣብ ጎላጉል ናሮ ከቢድ መቕጻዕቲ ይወሃቦም ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email
እቶም ኣባላት 29 ዙርያ ካብ ኣፍዓበት 30 ኪሎመተር ንሰሜን ኣብ ዝርከብ ጎላጉል ናሮ ድሕሪ ምልኣኾም፡ ንግሆን ምሸትን ብጉዕዞ እግሪ ይቕጽዑ ምህላዎም ተሓቢሩ። ነቲ ዝወሃቦም ዘሎ መቕጻዕቲ ንምኽራር ድሕሪ ጉዕዞ እግሪ እምኒ ከምዝኣርዩ ይግበር ምህላዉ ተገሊጹ።
ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ከምዝሓበርዎ፡ ነቶም ኣባላት 29 ዙርያ መንእሰያት ድሕሪ እዚ ዝወሃቦም ዘሎ ኣህላኺ ጉዕዞ እግሪን ምእራይ እምኒን፡ ካልእ መቕጻዕቱቲ ይጽበዮም ምህላዉ  ሓቢሮም።
ካብ ጎላጉል ናሮ ይሉሑኽ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፡ እቶም መንእሰያት ን6 ኣዋርሕ ኣብ ጽዑቕ ታዕሊም  ክኣትዉ ሙኻኖም ይሕበር።
ኣብ ዝሓለፈ መጸባትና ከምዝተገለጸ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዝነበሩ ኣስታት 2000 ዝኾኑ መንእሰያት ብዘይ ዝኾነ ስራሕ ቀንፈዘው ድሕሪ ምባሎም ናዕቢ ከምዘልዓሉ ይፍለጥ።
ድሒሩ ይረጋገጽ ከምዘሎ ግን እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ መቕጻዕቲ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝተዋህበ ፍሉይ ትእዛዝ ኢዩ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ቀጥታዊ ትእዛዝ፡  እቶም ኣባላት 29 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዓዲ ሃሎ ናዕቢ ይገብሩሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብመኪና እንዳሓለፈ ኣጸያፊ ጸርፊ ስለዝጸረፍዎ ሙኻኑ እቶም  ምንጭታት ሓቢሮም።
ድሕሪ እቲ ፍጻመ ሓለፍቶም ኣኪቦም እቶም ንፕረዚደንት ኢሳያስ ዝጸረፉ ሰባት ካብ መንጎኹም ኣውጽእዎም ኢሎም እኳ እንተሃደድዎም፡ እቶም ኣባላት 29 ዙርያ ኩላትና ኢና ተዛሪብና ብምባል ንብጾቶም ኣሕሊፎም ምሃብ ከምዝኣበዩ ተፈሊጡ።
ብድሕሪ እዚ ፍጻመ እቲ ብሕነ ምፍዳይን ምትህልላኽን ዝፍለጥ ፕረዚደንት፡ እቶም መንእሰያት ናብ ናሮ ክውሰዱን ከቢድ መቕጻዕቲ ክወሃቦምን ብመንገዲ ተለንተ ቴድሮስ ዓዲሃሎ  ናብ ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ወዲ መምህር ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ እቶም ምንጭታት ካብ ዓዲሃሎ ሓቢሮም።
እቶም መንእሰያት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ተወሲኑ ዘሎ ኣዚዩ ኣድካሚ ጉዕዞ እግሪን ምእራይ እምንን፡ ንኸቢድ ጥሜት ይሳቐዩ ምህላዎም እውን  ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ብወዲ መምህርን ኮለነል ኮረንፎትን  ዝእዘዙ ኣሃዱታት ነቶም መንእሰያት ኮነ ኢሎም የጥምይዎም ምህላዎም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ብርክት ዝበሉ ስድራቤታት ናይዞም ኣባላት መበል 29 ዙርያ፡ ደቅና ኣበይ ኣለዉ ኢሎም ክሓቱ ጀሚሮም ምህላዎም ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ ገለ ስድራቤታት ብኢደዋኒኖም ናብቲ ደቆም ዘለዉዎ ቦታ ኪኸዱ ጀሚሮም ኣለዉ።
2000 ዝኾኑ ኣባላት 29 ዙርያ ኣብ ዓዲ ሃሎ ድሕሪ ምምዳቦም ብዘይስራሕ ንዕሊ ዓመት ቀንፈዘው ክብሉ ምጽነሖም ዝፍለጥ ኢዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ግዕዙይ ምሕደራ እቶም መንእሰያት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናዕቢ ከምዝገበሩ ዝዝከር ኮይኑ እዚ ፍጻመ ኣብ ኣስመራ ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብዞም ደቂ 20 ዓመት መንእሰያት ኣባላት 29 ዙርያ ዝረአ ዘሎ ትብዓትን ሓቢርካ ምቅዋምን  ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሙኻኑ ምንጭታት ገምጋሞም ይገልጹ።
    Print       Email

You might also like...

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

Read More →