Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ወርሓት ነሓሰን ሓምለን ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን 67 ክላሺንን ሴማኖፍን  ዝዓይነቱ ብረት ካብ ዕጡቓት ጠፊኡ

By   /  October 3, 2017  /  Comments Off on ኣብ ወርሓት ነሓሰን ሓምለን ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን 67 ክላሺንን ሴማኖፍን  ዝዓይነቱ ብረት ካብ ዕጡቓት ጠፊኡ

    Print       Email
እቲ ዝጠፍአ ብረት 67 ኮይኑ ካብ ኣባላት ዕቑር ሰራዊትን ኣባላት ፖሊስን ዞባ ማእከልን ዞባ ደቡብን ኢዩ ጠፊኡ። እቲ ጸብጻብ ናብ ሃገራዊ ድሕነት ምስ በጽሐ ክፍሊ ጸጥታ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ምዕጻው ብሎኮታት ዘጠቓልል ኣዚዩ ሰፊሕ ተፍቲሽ ከምዘካየደ ተፈሊጡ።
ብዘይካ እዚ ሃገራዊ ድሕነት ምጥፋእ ናይቲ 67 ብረታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘለዉ ባእታታት ምንቅስቓስ ዴሞክራስያዊ ለውጢ  ዝተገበረ ስርሒት ኪኸውን ይኽእልዩ ብዝብል ስግኣት ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ዝግበር ሓለዋ ኪጸንዕ ኣዚዙ ምህላዉ ተፈሊጡ።
ብዘይካ እዚ ሃገራዊ ድሕነትን እዚ ተወርዋሪ ኣሃዱታትን ሲቪላዊ ስለያ ተባሂሎም ዝፍለጡ  ብምውፋር በጻሕቲ መሲሎም ብዛዕባ ኩነታት ብረት ኣብ ስድራቤታት  ዘጣይቑ ቃርማታት ኣዋፊሩ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ነዚ ምጥፋእ ብረት ስዒቡ  ኩሎም ብረት ሒዞም ዘለዉ ዜጋታት ንኩነታት ዝተዋህቦም ብረት ዝምልከት በብእዋኑ ንናይ ቀረባ ሓለፍቶም ጸብጻብ ክህቡ ብእዚ ዕቑር ሰራዊትን ሃገራዊ ድሕነትን ሓድሽ መምርሒ ተመሓላሊፉ ምህላዉ ተገሊጹ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና እዚ ጠፊኡ ዘሎ ብረት ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ከይሰሉኽ እሞ እሱራት ስርሒት ከየካይዱ ብዝብል ስግኣት ብፍላይ ኣብያተ ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ፡ ማይስርዋን ካርሸሊን ጽኑዕ ሓለዋ ክካየድ ጀሚሩ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ስለያ ውሽጢ ኣብ ልዕሊ ካብ ስራሕ ቦኺሮም ዘለዉ ሓለፍቲ ዘካይዶ ምክትታል ኣዛይድዎ ምህላዉ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝነበሩ ከምኡ እውን ኣምባሳደራት ዝነበሩ ዝካየዱ ምክትታል ኣዚዮም ጽዒቖም ምህላዎም ተሓቢሩ።
    Print       Email

You might also like...

ኣብ ዞባታት ዓንሰባ ደቡብን ማእከልን ገዛውቲ ምፍራስ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

Read More →