Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

By   /  October 18, 2017  /  Comments Off on ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

    Print       Email

ሶማል ኣብ ምሉእ ዕምራ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ሽበራዊ ቅዝፈት ኣጋጢምዋ ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ኣረሜናዊ ግብረሽበራ ኣብ ሓደ እዋን 300 ሰባት ሞይቶም ካልኦትኣማኢት ቆሲሎም ኣለዉ።

እቲ ሓደጋ ተባራዒ ነቶግቲ ጽዒና ዝንበረት መኪና ምስ ሓንቲ ነዳዲ ጽዒና ዝነበረት ናይ ጽዕነት መኪና ድሕሪ ምግጫወን ኢዩ።

ሶማልያ ካብ 1991 ሰላም ተሓሪማ ዘላ ሃገር ኢያ። ብውሽጣዊ ግጭታት፡ ቀቢላውን ዓሌታዊን ምትፍናን፡ ጥሩፍ ምንቅስቓስ፡ ግዳማዊ ምትእትታው ብዘይምቁራጽ ንዳርጋ 3 ዕቑዳት ክትሕመስ ጸኒሓላ።

ሶማል ንኤርትራ ዓባይ መለበሚት ኣብነት ኢያ። ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ንሕና ፍሉያት ኢና ዝብሎ ዘሎ፡ ህዝቢ ሶማል እውን ሓደ ቋንቋ እንዛረብ፡ ሓደ ሃይማኖት ዘሎና ስለዝኾና ናይ ሓድነት ሽግር ክህልወና ኣይኮነን ኢሉ ዝምካሕ ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ። ዚያድ ባረ ዘይተርፍ ውድቀቱ ምስ ኣረጋገጸ ንህዝቢ ብነጻ ጠበንጃ ብምዕጣቕ እታ ሃገር ብድሕሪኡ ንኽትበታተን ኮነ ኢሉ ሰሪሑ።

ምልካውያን ስርዓታት ኣብ እዋን ስልጣኖም ብዝገብርዎ ግብረእከይ ኣብ ታሪኽ ብጽልኣት ከምዝዝከሩ ስለዝፈልጡ ነታ ብድሕሪኦም ዝገድፍዋ ሃገርን ህዝቢን ንምብትታን እጅገኦም ሰብሲቦም ኢዮም ዝዓዩ።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት መራሒ ኤርትራ ነዛ ሃገር ናብ ሶማል ንኣስመራ ናብ ሞቓድሾ ኪቕይራ ኢየ ክብል ዘፍእሞም ጉራታት መርኣያ ናይዚ ምብትታን ብውጥን (disintegration by design) ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ይጥመ ይጽገብ፡ ይሕሰሞ ይርሃዎ፡ ጉዕዙኡ ይሕጸር ይንዋሕ ንግሆን ምሸትን ነንሕድሕዱ ክበሃሃሎ ዘለዎ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ካብ ሃገራዊነት ናብ ትሕተ ሃገራውነት ሚሊመትር እውን ትኹን ንታሕቲ ክወርድ ከምዘይብሉ ኢዩ። ካብ ምጽውዋርን ምእንጋድ ኩሎም ዓይነት ሓሳባትን ብዝኾነ መልክዕ ክፍንተት የብሉን። ፍልልያት ከም ምረቓ እምበር ከም መርገም ኪቖጽሮም የብሎምን።

ትሕተ ሃገራዊነት ማለት መበቆልካን መንነትካን ምኽሓድ ማለት ኣይኮነን። ትሕተ ሃገራውነት ማለት ንወገንካን ከባቢኻ ዘይምኽባር ማለት እውን ኣይኮነን። ብኣንጻሩኳደኣ ከምኡ ምግባር ጭውነትን ክኹስከስ ዝግበኦን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ስድርኡን ከባቢኡን ዘፍቀረ ኢዩ ሃገር ዘፍቅር።

ትሕተ ሃገራውነት ኣዕናዊ ዝኸውን ናተይን ናይ ወገነይን ጥራይ ኢዩ ቅኑዕ፡ ኣነን ወገነይን ጥራይ ኢና ክንህሉ ዘሎና፡ ኣነን እምነተይን ንበልጽ፡ ስለዚ ካልኦት እምነታት ኪሕግሐጉ ይግባእ ናብ ዝብል እምነት ወይ ኣመለካኽታ ምስ ዝሰግር ኢዩ። ነዚ እምነትን ኣመለኻኽታን ንኽቕበሉ ንሰባት ንምድናን ዝግበር ዘይምኽኑይ ስጉምታት ድማ ሽበራዊ ይኸውን። ብስም ሃይማኖት ይገበር ብስም ስነሓሳብ፡ ምእንቲ እምነት ይገበር ምእንቲ ምልኪ ውጽኢቶም ምብትታን ሃገርን ጥፍኣት ህዝቢን ኢዩ።

ጥሩፍ ኣመለኻኽታ ናብ ጥሩፍ ተግባራት ኢዩ ዝወስድ። ጥሩፍነት ድማ ነቲ ናተይ ኣይኮነን ዝብሎ እምነት: ወይ ወገን፡ ወይ ከባቢ ብጽልእን ቅርሕንትን ምርኣይ፡ ንጥፍኣቶም ምስራሕ፡ ናቱ ኣተሓሳስባን እምነትን ልዕሊ ካልእ ንምንባር ድማ ሓይሊን ጎነጽን ሓዊሱ ንኻልኦት ምጥፋእ ይህቅን።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣበየናይ ኩርናዕ ናይ ዓለም ኣሎ ብዘየገድስ ሓንቲ ብትግሃት ክዓያ ዘለዎ ነገር ኣላ። ንሳ ድማ ሃገሩ ከም ሶማል፡ ከም ሊብያ፡ ከም ዒራቕ ብጸበብቲ መስመራት ዝኸይድ ምትፍናን ከምዘይህልዋ ምግባር ኢዩ።

እዚ ዕዮ እዚ ዝኾነ ኤርትራዊ ማለት ንመንግስቲ ዝቃወም ይኹን ዝድግፍ፡ ብፖለቲካ ኣይግደስን ኢየ ዝብል ይኹን ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝነጥፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ይኹን ኣብ ወጻኢ ብትኩርነት ኪነቕሓሉ ይግባእ። ሃገርን ህዝብን ዘዕኑ ገማማዒ ተግባር ኣብ ዝርእየሉ እዋን ወዲ ገደቡኡ ይኹን ወዲ ማዕዶኡ ብዘየገድስ ተሪሩ ኪግስጦ ይግባእ።

ሃገርን ህዝቢን ብዙሕ ነገር ክጽመሙ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ምብትታን ግን ክጽመምዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለዝኽነ ድማ ናብ መንገዲ ምብትታን ዝወስድ ኩሉ መንገድታት ብኣግኡ ያዕ ክብልዎ ይግባእ፥

ህግደፍ ኣብ እዋን ውድቀቱ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ይኸውን ከምዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብንቕሓት ይርእዮ ኣሎ። ሃይማኖታዊን ኣውራጃውን ምጡቓስ ስለምንታይን ብኸመይን ህግደፍን ከሳውሮ ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ ሰነዳት ዝምስክርዎም ሓቕታት ኢዮም። እዚ ጉጅለ’ዚ ኣብ ዕርበቱ ኩሉ ለኻኺሙ ኪጠፍእ ይደሊሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊኡ በሪኹ መንገዲ ሃገር ባዕሉ ክመርሖ ይግባእ። መላኺ ኢሳያስ ‘’እዛ ሃገር ሶማል፣ ኣስመራ ድማ ሞቓድሾ ኪገብራየ ’’ ክብል ተሰሚዑ ኢዩ። ኢሳያስ እንተደልየ ስያድ ባረ ይኹን እንተደለይ ፖልፐት ይኹን ናቱ ምርጫ ኢዩ። ደጊም ሰብ ናይ ሙኻን እዋኑ እውን   ስለዝሓለፈ ሎሚ ማንዴላን ጋንዲን ኪኸውን ኢየ እንተበለ እውን ኪኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

ስለዚ እቲ ግደ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ሶማል ግዳይ ከምዘይኸውን፣ ኤርትራ ናብ ሶማል ከምዘይትልወጥ- ኣስመራ ድማ ሞቓድሾ ከምዘይትቕየር ዝነግርን ዝከላከልን ባዕሉ ህዝቢ ኢዩ።

ህዝቢ ሶማል ንናጽነቱን ሉዓላውነቱን  ዘይፈቱ ስለዝኾነ ኣይኮነን ኣብ 1991 ሃገሩ ተበታቲና፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰለሎ ዘሎ፡  እንታይ ደኣ ነቲ መላኺ ዚያድ ባረ ኣብ እዋን ዕርበቱ ዝተኸሉ ናይ ምግምማዕ ውዲት ብእዋኑ ስለዘይነቕሓሉኢዩ ኣብ ከምዚ ሕንፍሽፍሽ ኣትዩ ዘሎ።

ሓደ ካብቲ ካብዚ ትማሊ ኣብ መቓድሾ ዝረኣናዮ ቅዝፈት ዘድሕን መንገዲ፡ ናይ ምጽውዋር፡ ናይ ምብህሃል ባህሊ ብምኹስካስ ኢዩ። ናተይ ኢዩ ቅኑዕ: እምነተይ ጥራይ ኢዩ ቅዱስ፡ኣነ ዝኣዘዝኩልኩም እምነታት ኢዩ ሓላል፡ ኣነ ዝበልክዎ ጥራይ ኪግበር ይግባእ ዝብል ደረቐኛ እምነትን ባህሊን መጀመርታ ጥሩፍነት ኢዩ። ናብ ዝኸፍአ ጫፉ እንተበጺሑ ድማ ተግባራት ግብረሽበራ ይደጋግም።

መንገዲ ራህዋ ዝረጋገጽ ብምክብባር፡ ብምጽውዋር፡ ሓርነት ሓሳባትን እምነትብን ምእንማን ኢዩ። ጥሩፍነት ብሃይማኖታዊ እምነት ጥራይ ኣይኮነን ዝድረኽ፡ ናይ ስነሓሳብ ጥሩፍነት፡ ናይ ምልካውነት ጥሩፍነት፡ ናይ ጉጅለኣውነት ጥሩፍነት፡ ናይ ስልጣንን ንዋይን ህርፋን ጥሩፍነት ሓደገኦም ካብ ካልኦት ጥሩፍነት ዝንእስ ኣይኮነን። መንግስታዊ ግብረሽበራ ድማ ካብዞም ዳሕረዎት ደረኽቲ ረቛሒታት ዝነቕል ኢዮ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሕጂኡ ማዕረ ማዕረ ፍትሓዊ ቃልሱ ንሃይማኖታውን ኣውራጃውን ምክፍፋል እንተዘይተቓሊዎን ስዒርዎን፤ በቲ ዘይስገር ቀይሕ መስመር ናይ ቅዋማዊ ሕግታት ጌሩ እንተዘየውሒስዎ፤ ምግምማዕ ነቲ ብሃንቀውታ ዝብህጎ ዘሎ ሓርነቱ ዝጨዊ ረቓሒ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ከምዚ ደቂ ሶማል ዝሓለፍዎ ምረት ኪሓልፉ የብሎምን። ሎሚ ደቂ 26 ዓመት ኮይኖም ዘለዉ ሶማልያውያን ምልእቲ ህይወቶም ዝከዖ ደም እምበር ዝትከል ዕምባባ ጽጌሬዳ ከይረኣዩ ኢዮም ዓብዮም። ደቂ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዘሕዝን ዛንታ ክደግምዎ የብሎምን።

ኣብ ኤርትራ ናቶምን ዘይናቶምን ዝበሃል ሰብ ከምዘየሎ ክንገሩ ይግባእ። ፍልልያት ሓይሊ ሙኻኑ ብዙሕነት ድማ ጽባቐ ሙኻኑ ብዘእምን መጎት ክርድእዎ ኪጸዓር ኣለዎ። ነቲ ካብኦም ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎ ሰብ ካብቲ ንሓሳቦም ዝመስል ሓሳብ ዘለዎ ሰብ ንላዕሊ ከኽብሩ ከምዘለዎም እንዳተነገሮም ኪዓብዩ ኣለዎም ምኽንያቱ ፍልልያት ብልጫ እምበር መቕጻዕቲ ኣይኮነን።

ብህግደፍ ዝተሰነዐ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ዝብል መዝሙር፡ድሑር ኣተሓሳስባ ሙኻኑ መንእሰያት ክንገሩ ይግባእ። ተገሪፍካን ከይፈተኻን ሓደ ምምሳል ሓደ ነገር ኢዩ፡ ብዙሕነት ሓሳባት ብምኽባር ዝመጽእ ምቅርራብ ድማ ካልእ ነገር ኢዩ።

ብመሰረቱ ሓደ ሙኻን ማለት ድኻም ማለት ሙኻኑ ብመጎታዊ ትንታነታት ክዝርዘረሎም ይግባእ። ሓደ ተምሳልን ኣካልን ኮንና ኢና ኢልካ ምእዋጅ ብኩራት ምጽውዋር፡ ብኩራት ጸጋታት ዝእውጅ ኢዩ። ሓደ ህርመት ሓደ ገለ ምባል ድኽነት ሕብርታት ሓሳባት ምእዋጅ ማለት ኢዩ። ሓደ ሙኻን ማለት ሓባራዊ ሓይሊን ድኻምን ዘለዎ፡ እቲ ሓደ ምስቲ ካልእ ዘይመላላእ ሙኻን ማለት ኢዩ።

ብሓደ ሓሳብ ዝምራሕ ህዝቢ፡ ኣማራጺታቱ ዘየሰላስል፡ ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና ኢሉ ዝኸይድ ዘይኣፍራዩ ህዝቢ ኢዩ ዝኸውን። ሓደ ሙኻን ማለት ዝተወሳሰበን ፍሉይን ብድሆታት ዘይጸውር፡ ክስዕብ እምበር ኪመርሕ ዘይክእል፡ ክርዕም እምበር ኪፈጥር ዘይተዓደለ ድኑስ ህዝቢ ምዃን ማለት ኢዩ።

እቶም ስኑዕ ሓደ ሙኻን ኪፈጥሩ ዝህቅኑ ሰባት፡ እቶም ካብ ብዙሕነት ሓሳብን ውጽኢቶምን ዝርዕዱ መለኽቲ ኢዮም። ኣያይ ከምዚ ኢሉ ዝብሉ እምበር ብኸመይን ስለምንታይን ዝብሉ ሰባት ክርእዩ መላኺ ባህርያቶም ኣየፍቅደሎምን ኢዩ።

ሰዓብቶም እውን ፍልልያት ሓሳብ ዝበሃል ከምዘሎ ስለዘይፈልጡ፡ ቶኪስኩም ቅተሉ እንተተባህሉ ኣብ ምንታዩኦም ዝብሉ እምበር ስለምንታይ ዘይብሉ ሰዓብቲ ይኾኑ።

መለኽቲ ስርዓታት ብዙሕነት ምምቕራሕ ጸጋታትን ሓይልን ስለዘስዕብ፡ብኹሉ መልክዓቱ ከጥፍእዎ ይህቅኑ።  ንብዙሕነት ኣብ እዋን ፌስቲቫላት ኤክስፖ ከም መጸበቒ ሕብሪ ጥራይ ጌሮም ይጥቀሙሉ።  ብሓጺሩ ከምቲ ባዕሎም ዝብልዎ ንኣርባዕተ ሚልዮን ህዝቢ ሓደ ልቢ ኢኻ እንዳበሉ ልቡ የቑስልዎ።

ኣርባዕተ ሚልዮን ልብታት ግን እቲ በበይነን ዝሃርመኦ ትርግታ ነናተን ሓይሊ ስለዝፈጥር መዋእለን ቆሲለን ኣይክነብራን ኢየን። ድምጸን ኣወሃሂደን ሰዓቱ ኣብ ዝበለኦ እዋን ናይ ባዕለን ህርመት፡ ናይ ባዕለን ቃና ኪፈጥራ ኢየን። ሽዑ ኢዩ መወዳእታ ምልኪ ዝኸውን። ሽዕኡ ኢዩ እቲ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ዝብል ናይ ሓሶት መዝሙር፡ ናብቲ ዘይተርፎ ጎሓፍ ዝድርበ። ሽዑ ኢዩ ድማ እቲ መዝሙር ናብ ብዙሓት ልብታት፡ ብዙሕ ህርመታት፡ ንሓንቲ ሃገር ናብ ዝብል ቴማ ዝቕየር።

    Print       Email

You might also like...

ነቶም ናጽነት ዝሰለምዋ ኣካለ ስንኩላን ዘይትኸውን ኤርትራ ናይ መን ኤርትራ ኢያ?

Read More →