Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ጉዳያት ላዕለዋይ ትምህርታት ኤርትራ ብሪጋደር ጀነራል ሃይለ ምሕጹን ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኪዓጽዎ ሙኻኑ ኣሚቱ!

By   /  October 7, 2017  /  Comments Off on ኣቦ መንበር ፈጻሚ ጉዳያት ላዕለዋይ ትምህርታት ኤርትራ ብሪጋደር ጀነራል ሃይለ ምሕጹን ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኪዓጽዎ ሙኻኑ ኣሚቱ!

    Print       Email

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ጉዳያት ላዕለዋይ ትምህርታት ኤርትራ ዝነበረ ዶክተር ታመሰ መሓሪ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ድሕሪ ምብራሩ: ንቦትኡ ክትክእ ዝተሾመ ብሪጋደር ጀነራል ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፡ ኣብ ላዕለዋይ ስርዓተ ትምህርቲ ወተሃደራዊ ስርዓተ ምሕደራ የተኣታቱ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ብሪጋደር ጀነራል ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ድሮ ዝኾነ ካብ ዲፕሎማ ናብ ዲግሪ ናይ ምቕጻል ፕሮግራም ደው ክብል ክእዝዝ ሙኻኑ ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ከምዝኣመተ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ ኣብ ምሕደራ ላዕለዋይ ስርዓተ ትምህርቲ ወተሃደራዊ ሃዋህው ዓሲሉ ምህላዉ ገሊጾም።
ከምዝፍለጥ ብዲፕሎማ ዝተመረቑ መንእሰያት ናብ ዲግሪ ክሰጋገሩ ምስዝሓቱ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ምምሕዳር ላዕለዋይ ትምህርቲ ቁቡልን ዝተባባዕን ተበግሶ አዩ ነይሩ። እዚ ሕጂ ክትግበር ዝሕሰብ ዘሎ ውጥን ክዉን እንተኾይኑ መንእሰያት ካብ ዲፕሎማ ናብ ዲግሪ ናይ ምምራቕ ሕልሞም ብወተሃደራዊ ትእዛዝ ስርዓተ ትምህርቲ ኪቑጸ ሙኻኑ ይግመት።
ብዘይካ እዚ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኪዓጽዎ መደብ ከምዘለዎ ኣሚቱ ምህላዉ ተገሊጹ። ዶክተር ሓይለ ምሕጹን ምኽንያት ናይቲ ምዕጻው ኪገልጽ ከሎ ፡ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ዘፍርዮም ንዘሎ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ሕርሻ ምሩቓት ዝውሕጥ ሕርሻዊ ንጥፈታት ስለዘየሎ ክሳብ ሕጂ ኪግበር ዝጸንሐ ምምራቕ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብኽነት ኢዩ ነይሩ ዝብል ገምጋም ስለዘለዎ ኢዩ ክብል ይሕብር።
እቲ ካልኣይ ምኽንያት ምዕጻው ኮለጅ ሓመልማሎ ክገልጽ ከሎ ዶክተር ምሕጹን እቶም ኣብ እቲ ኮለጅ ዝምረቑ ዘለዉ ናይ ሕርሻ ምሩቓት ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ግብራዊ ዕዮ ምትእስሳር ዘይብሎም ናይ ክለሰሓሳብ ሰባት የፍሪ ስለዘሎ ኣብ ሕርሻዊ ዕዮ ዘበርከቶ ፍረ የለን ዝብል ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ገምጋም ስለዘሎ ሙኻኑ ይሕብር።  በዚ መሰረት ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኣብ ውሽጢ ኮለጅ ዓዲቀይሕ ተዋሒጡ ሓደ ፋካልቲ ኮይኑ ኪቕጽል ክውስን ሙኻኑ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ይሕበር።
እዚ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክልተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምስፋሕ እቲ ኮለጅ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ኢዩ።  ከምዝዝከር ብዕለት 11  ሓምላ  2017 ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ብ 5 ሚልዮን ዶላር ናይ ሕርሻ ላቦራተሪ ተተኺሉሉ ተባሂሉ በቶም ክዕጾ ሙኻኑ ዝኾነ ሓበሬታ ዘይነበሮምን ዝያዳ ዝምልከቶምን ሓለፍቲ ስነስርዓት ምምራቕ ከምዝተገበረሉ ዝፍለጥ ኢዩ። ይኹን ግን ኣብ ኤርትራ ኩሎም ውሳነታት ብሓደ ሰብ ስለዝፍጸሙ እዚ ሃንደበታዊ ውሳነ ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣስደሚሙ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ገሊጾም።
ዶክተር ሓይለ ምሕጹን ኣብ ኮለጅ ሓልሓለ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ ተኽእሎ ምህላዉ ይገልጽ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ኣብ ኮለጅ ጥዕና እውን ዝኾነ ብደገ ዝወሃብ ሓገዛት ስለያዊ ተልእኾ ስለዘለዎ ሓደገኛ ኢዩ ብዝብል መደምደምታ ብዘይካ ክዩባውያንን ህንዳውያንን ካብ ወጻኢ መማህራን ምምጻእ ደው ክብል ኣዚዙ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ ከም ኩሎም ስርዓተ ምሕደራ ናይቲ መንግስቲ፡ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እውን ብመጽናዕታዊ መርሓ ወይ ውን  ብምኽሪ ክኢላታትን ዘይኮነ ፕረዚደንት ኢሳያስ እንታይ ባህ ኢልዎ ተባሂሉ ዝውሰን ኢዩ።
ከም ግቡእ ኮለጅ ሓመልማሎ ይኹን ምቕጻል ተማሃሮ ካብ ዲፕሎማ ናብ ዲግሪ ክውሰን ዝግባእ ብናይ ስነትምህርቲ ፈላጣትን ቦርድ ምሕደራን እምበር ፕረዚደንት ኢሳያስ ፊን ብዝበሎ ውሳነ ብመንገዲ ዝመደቦ ጀነራል ብዝትግበር ትእዛዛት ኪኸውን ኣይግባእን።
    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →