Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ንቓነው ስተሽን ዝመስል ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይዘራረብ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  October 19, 2017  /  Comments Off on ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ንቓነው ስተሽን ዝመስል ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይዘራረብ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

መንግስቲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ዝወሰነሉ ምኽንያት መንግስታት ጅቡቲን ኢትዮጲያን ‘ንቻይና ልዕሊ ኣሜርካ ቀዳምነት ይህባ ኣለዋ’ ኣብ ዝብል መደምደምታ ስለዝበጽሐ ሙኻኑ ተሓቢሩ።

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕን ንምምስራት ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመልኪቱ ዝካየድ ዘሎ ርክባት፡  ከም ምምልካት ዶብ፡ ጉዳይ ዋሕዚ መንእሰያት፡ ጉዳይ ዝምድናታት ኢትዮጲያን ኤርትራ፡ ጸጥታዊ ውዕላት ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ተዛመድቲ ረቛሒታት ምስቲ ዘተ ተኣሳሲሮም ይለዓሉ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክሰጋገር ተኽእሎ ከምዘለዎ ውን ይሕበር።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ብ7 ጥቅምቲ ምስ መራኸቢታት ውሽጢ ሃገር ቃለመጠየቕ ኪካየድ ዝወሰነሉ ምኽንያት ነዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጀሚርዎ ዘሎ ዝምድና መንጸፍ ዝገብር ሓበሬታ ንምምሕልላፍ ኢዩ። ማእከል ናይቲ ቃለመጠይቕ ‘ካብ ዓለም ተነጺልና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና’ ዝብል ምንባሩ እውን ምስዚ ቅድመ ዘተ ዝተኣሳሰረ ኢዩ።

ኣብ ዝመጽእ ጽሑፍ እቲ ዘተ ብኸመይ ይኸይድ ኣሎ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብቲ ጉዳይ ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ እንታይ ይመስል፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ድሮ ናብ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣሕሊፍዎም ዘሎ መልእኽታት እንታይ ኢዮም ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንግዚኡ ብዛዕባዚ ጉዳይ ዝኾነ መግለጺ ከይወሃብ ኣሕሊፍዎ ዘሎ መምርሒ እንታይ ይመስል ን ካልእ ኣገደስቲ ነጥብታትን  ኣመልኪትና ሰፊሕ ጽሑፍ ከነቕርብ ሙኻና ንሕብር።

 

    Print       Email

You might also like...

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

Read More →