Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ይሕበር ኣሎ፡ ዛጊት እንታይ ተገይሩ ኣሎ፤ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ኪቐንዕ ይኽእል። 2ይን መወዳእታን ክፋል

By   /  October 26, 2017  /  Comments Off on ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ይሕበር ኣሎ፡ ዛጊት እንታይ ተገይሩ ኣሎ፤ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ኪቐንዕ ይኽእል። 2ይን መወዳእታን ክፋል

    Print       Email

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ሽሕኳ መንግስቲ ኣሜሪካ ኤርትራ ታሪኻዊ መደበርና ኢያ ነይራ ዝብል ኣመት ይህብ እንተሃለወ፡ ንምምስራት ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ እግሩ ዘሕጽርን ነቲ ጉዳይ ብጥንቃቐ ዝሕዞን መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ ኪኸውን ብዝብል ሓሳብ ኢና ጽሑፍና ዓጺና ነይርና። ብድሕሪ እዚ ምጉት ዘሎ መጎት እንታይ ኢዩ፡ ስለምንታይ መንግስቲ ኤርትራ ንምምስራት ወተሃደራዊ መዓስከር ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ከም ብልጫ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ከም ሓደጋ ዝርእዮ ዝብል ሕቶ ዝቕጽል ጽሑፍ ክዝርዝሮ ክህቅን ኢዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቢሉ ዝምድንኡ ምስ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንምምሕያሽ ጀሚሩ ምህላዉ፡ ምምልካት ዶባት ኪግበር ሙኻኑ ንናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ሓቢሩ ኣሎ። ከም ወትሩ ነቲ ከም ሃመማ ዘይርእዮ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን፡ እቲ ስርዓት ካብ ገዛእ ህዝቡ ንላዕሊ ነቶም ዘሰንብድዎን ብሕግታት ዝሓትዎን ወጻተኛታት ኢዩ ሓበሬታ ዝህብ።

ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጹ ዘለዉ ሓበሬታ ከምዘረጋገጽዎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ምምስራት መዓስከር ክህወኸሉ ከምዘይኮነ ዝሕብሩ ምልክታት ኣለዉ። እቶም ምልክታት ይሕብርዎ ከምዘለዉ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ጉዳይ ብዘይታህዋኽ ክሕዞ ዝመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስቲ ውዕል ተኣሳሲሮም ዝምዕብሉ፡ ንህላዊ ዝፈታተኑ ፡ ንኩለንትናዊ ዘይሕጋዊ ኣካይድኡ ዝብድሁ፡ ብዓቢኡ ነቲ ዓሚጹ ጂሆ ሒዝዎ ዘሎ ህዝቢ ሓራ ብምግባር ንስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ምዕባለታት ኪቕልቀሉ ስለዝኾኑ ኢዩ።

ድሮ’ኳ ንጉዳይ ምምሕያሽ ዝምድና ኣሜሪካን መንግስቲ ኤርትርና ብዝምልከት ሕቶታት ምስዝለዓል ዝኾነ ሓበሬታ ከይወሃብ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ፖለቲካዊ ጉዳያትን መምርሒ ተመሓላሊፉ ምህላዉ ይሕበር። እቶም ካልኦት ‘ኣካላት መንግስቲ’ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓበሬታ እውን የብሎምን።

ሃገራዊ ኣገልግሎት መወዳእታ ኪገብረሉ ይኽእልዶ

ንምምስራት ዝምድና ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት ኤውሮጳዊ ሕብረት ርእይቱኡ ትስፍዉ ከምዘይኮነ ይሕበር። ካብ ዝቐደሙ ተመኩሩኡ ብምብጋስ ንመንግስቲ ኤርትራ ‘ክእመን ዘይክእል ስርዓት ኢዩ’ ኢሉ ዝግምግሞ። ናይዚ ምኽንያት ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2015 ጀሚሩ ዝገበሮ ዳግመ ጽምዶ ፋይዳ ስለዘይረኸበሉ ኢዩ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት 200 ኤውሮ ደገፍ ክህብ ከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ኪገብረሉን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ኪገብርን መብጸዓ ጌሩ እኳ እንተነበረ፡ መንግስቲ ኤርትራ ቃሉ ከምዘየኽበረን፡ እቲ ስርዓት ዘይእመን ሙኻኑን ኤውሮጳዊ ሕብረት ገምጊሙ ምህላዉን ካልእ ኣማራጺታት ከናዲ ከምዝኽእልን ይሕበር። ኤውሮጳዊ ሕብረት ንመንግስቲ ኣሜሪካ ዝህቦ ርእይቶ እውን ካብዚ ተስፋ ዝቖረጸሉ ገምጋም ዝፍለ ኪኸውን ከምዘይክእል ይግመት።

ኤውሮጳዊ ሕብረት መንግስቲ ኤርትራ ምንጪ ስደተኛታት ኢዩ፡ ናይዚ ጠንቂ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ስለዝኾነ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትን ብዘይቅድመኩነት ደው ክብል ይግባእ ክብል ይሓትት።

መንግስቲ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ልክዕ ብኸምቲ ኣባላት ንኡስ ዞባታት ህግደፍ ዝበሃሉ ሰዓብቱ ጌሩ ዝሕዞም ጌሩ ክሕዞ ኢዩ ዝፍትን። ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ቀይርናዮ ኣሎና ኢሉ ብሓደ ኣዚዩ ታሕተዋይ ስታፍ መግለጺ ከምዝወሃብ ዝገበረን ያኢ ኤውሮጳዊ ሕብረት በቲ መግለጺ ኪዓግብ ዝተጸበየን። እቲ ክውንነት ግን ሰማይን ምድርን ኢዩ።

ልኡኽ ስርዓት ኤርትራ ንኣባላት ንኡስ ዞባታት ህግደፍ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ቀይርናዮ ኣሎና ክብሎም ከሎ ‘መንግስትና ሓየት ኩሉ ዝከኣሎ ንኺድ ጥራይ’ ኢዮም ዝብልዎ።ከም ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኣመሰለ ብተሓታትነትን ሕግን ዝኣምን ስርዓት ግን ኣበይ ኣሎ እቲ ጭብጢ፡ ኣበይ ኣለዉ እቶም ዝተፋነዉ፡ ኣበይ ኣሎ እቲ ሕጋዊ ኣዋጅ፡ ኢሎም ኢዮም ዝሓቱ። ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብሸፈጥ ናይቲ ስርዓት ዘይተታለለ። 

መንግስቲ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደው ከብሎ ዘይሕሰብ ኢዩ። ምኽንያቱ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደው ምባል ማለት እቲ ንለውጢ ዝመርሕ መንእሰይ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ምፍናዉ ማለት ኢዩ ኪኸውን። ከምኡ ምግባር ፖለቲካዊ ነብሰቅትለት ምግባር ጌሩ ስለዝርእዮ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብትሕቲ ዝተፈላለዩ መንገድታት ምቕጻሉ ዘይተርፍ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከም እቲ ንምብቓዕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝገብረሉ ዘሎ ጸቕጢ ክህልዎ ፍቓደኛ ኪኸውን ይኮነን።

መንግስቲ ኤርትራ ምምልካት ዶብ ብልቢ ይደልዮ ዶ

ምናልባት ንብዙሓት ሰባት እዚ ዝቕጽል ሓረግ ጋን ኪኾኖም ይኽእል ይኸውን፡ ግን ማዕረ እቲ ምምራሩ ሓቒ ዝነግር ሓረግ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ምምልካት ዶብ ዝብህጎ ፍጻመ ኣይኮነን። ምምልካት ዶብ ስለዘይደሊ ዘይኮነስ፡ ምስ ምምልካት ዶብ ንህዝቢ ኤርትራ ጂሆ ኪሕዞ ምስምስ ዝጥቀመሉ ዘሎ ኩሉ ረቛሒታት ክቕንጠጥ ሙኻኑ ስለዝግንዘብ ኢዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዝጸንሕ፡ ህዝቢ ብሕልሚ ይኹን ብጋህዲ ዘንጸላልዎ ጸላኢን ውግእን ኣሎ ኢሉ ምስ ዝኣምን፡ መንእሰያት ኣብ ግንባራት ምስ ዝስለፉ፡ ህዝቢ ብበራሚልን ፊስቶን፡ ብሪጋ ላምባን ማይን፡ ብመሳርዕ ባኒን ዘይቲን ክሓስብ ምስዝውዕል ኢዩ።

ምእዋጅ መባእታዊ መሰላትን ዴሞክራስያዊ መስርሕን ካልእ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘሰንብዶ ሴናርዮ ኢዩ

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ምምሕያሽ ኣህጉራዊ ዝምዳናታቱ ተለቂቡ ከይመጽእ ዝፈርሆ ግዳማዊ ጸቕጢ፡ምስ ምምሕያሽ መባእታዊ መሰላት፡ምስ ሕቶ ምህላዉ ክፉት ቁጠባ፡ ምስ ፖለቲካዊ ፖሊሲታትን ምርጫታትን ዝተኣሳሰር ብድሆታት ኢዩ።

ህዝቢ መነባብሩኡ እንተተመሓይሹ፡ መሰላቱ ክሓትት፡ ኣብ ሕቶ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላቱን ከድህብ ይኽእል ኢዩ ኢሉ ስለዝሓስብ፡ ኩነት ኣይሰላም ኣይኩናት ተጎልቢቡ፡ኣብ ዘይእዉጅ ህጹጽ ሓደጋ ኪነብር ቀዳማይ ባህጉ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምስቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጲያ ዝፈልሕ ዘሎ ውሽጣዊ ኩነታት ብቐጥታ ምትእስሳር ዘለዎ ኢዩ። ብሙኻኑ እቶም መጻእቲ ምዕባለታት ካብዞም ኣህጉራዊን ዞባዊን ኩነታት ተነጺሎም ክረኣዩ ኣይክእሉን። ብደጋዊ ሸነኾም ዝረኣዩ ምዕባለታት ምስዝግምገም፡ዛጊድ እቲ ምዕባለታት ንረብሓ መንግስቲ ኤርትራ ይኸይድ ኣሎ ተባሂሉ ክግምገም ይከኣል።   

ይኹን ግን እቲ ወድዓዊን ናይ ነዊሕ እዋን ገምጋምን ጸኒሑ ምስ ግዜ ዝረአ ኢዩ። ሓደ ብእዋኑ ኪረጋገጽ ዝኽእል ግምት እንተሃሊዩ መንግስቲ ኤርትራ ምምሕያሽ ዝምዳናታትን ምምስራት ምዕራባውያን መዓስከራትን ነቶም ምስኦም ለጊቦም ዝመጹ ሓደገኛ ሴናርዮታቶም ንምእላይ ብኣዚዩ ጥንቁቕ መንገዲ ኪሕዞ ሙኻኑ ኢዩ።  

ውጽኢቶም እንታይ ክመስሉ ኢዮም፡ ብኸመይ ምብቓዕ ዕምሪ መንግስቲ ኤርትራ ክእውጁ ይኽእሉ፡ ስለምንታይከ ንቐጽሪ ተቓውሞ ወርቓዊ ኣጋጣሚ ናይ ለውጢ ኪኾኑ ተኽእሎ ኣለዎም፡ንሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንመነባብሮ ህዝቢ፡ ንቁጠባዊን ወፍረኣውን መዳያት ኤርትራ፡ ንኣካይዳ ስርዓት ኤርትራ ወዘተ ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእሉ ግዜን ግብሪን ዝምልስዎም ሕቶታት ኪኾኑ ኢዮም።

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

ነቶም ናጽነት ዝሰለምዋ ኣካለ ስንኩላን ዘይትኸውን ኤርትራ ናይ መን ኤርትራ ኢያ?

Read More →