Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.) ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር (ዋ.መ.ም.) ዳግመ-ውደና፤ትኹረት፤ ኣውራነት ፍ ራንክፈርት ጀርመን 20-22 ጥቅምቲ 2017

By   /  October 9, 2017  /  Comments Off on መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.) ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር (ዋ.መ.ም.) ዳግመ-ውደና፤ትኹረት፤ ኣውራነት ፍ ራንክፈርት ጀርመን 20-22 ጥቅምቲ 2017

    Print       Email

መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.)
ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር (ዋ.መ.ም.)
ዳግመ-ውደና፤ትኹረት፤ ኣውራነት
ፍ ራንክፈርት ጀርመን
20-22 ጥቅምቲ 2017

ጋዜጣዊ መግለጺ 9 ጥቅምቲ 2017

በቲ ብቀጻሊ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ተቓወምቲ ውድባት ሓባራዊ ሃገራዊ ራእይን፡ ውሁድ ተግባርን ክብ ንምባል ኪካየድ ዚጸንሐ ጻዕሪ መሰረት: መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.): ብኣሳላጥነት ኤሪ-መድረኽ: ኣብ 20-22 ጥቅምቲ 2017: ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር ዘርእስቱ ንምግባእ ጸዊዓ ኣላ::

ቀንዲ ዕላማ ዋ.መ.ም. ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ውድባት ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ብዛዕባ ንህዝብን ሃገርን ተደቊኑዎ ዘሎ ብድሆታትን ዕድላትን ሓባራዊ መረዳእታ ምብጻሕ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላማውን ስሩዕን መስርሕ ለውጢ ንምምጻእ ሓባራዊ ሃገራዊ ራእይን፡ ውሁድ ስትራተጂ ብምስኣል ሓባራዊ ስምምዕ ንምርግጋጽ እዩ።
ብጠቕላላ 20 ውድባትን ማሕበራትን ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዋዕላ ዋ.መ.ም. ክሳተፋ እየን::

ኣዳላዊት ሽማግለ መ.ሃ.ዘ. ዋ.መ.ም.: ኣብዚ ቀረባ እዋን እተን ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኤርትራ (ሃዋዲለኤ) ዘለዋ ውድባት: ምስ ዋ.መ.ም. ኣብ ሓደ ዕለት ዝውዕል ሰሚናር ከም ዝገብራ ፈለጣ:: እዚ ክልተ ኣኼባታት‘ዚ ተመላላኢ ኢዩ:: ኣዳላዊት ሽማግለ መ.ሃ.ዘ. ዋ.መ.ም. ዓወትን ኣሳልጥን ክረኽቡ ምንዮታ እናገለጸት: ምስ ነፍስወከፎም ዘመነ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር ክትርኢ ሃንቀው ትብል::

ኣዳላዊት ሽማግለ መ.ሃ.ዘ. ዋ.መ.ም.
[email protected]
9 ጥቅምቲ 2017

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →