Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ተመሃራይ ማዕተብ/መስቀል  ወይ ውን ሕጃብ እንተገይሩ/ራ ካብ ትምህርቲ ኪስጎግ ዝእዝዝ ኣዋጅ ኣውጺኡ ክትግብሮ ጀሚሩ ምህላዉ ተሓቢሩ። 

By   /  October 31, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ተመሃራይ ማዕተብ/መስቀል  ወይ ውን ሕጃብ እንተገይሩ/ራ ካብ ትምህርቲ ኪስጎግ ዝእዝዝ ኣዋጅ ኣውጺኡ ክትግብሮ ጀሚሩ ምህላዉ ተሓቢሩ። 

    Print       Email

ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ሃይማኖት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርትኹም ኣስላማይ/ክስታናይ ኣየእተኹምን ተባሂሎም ክዕጸዉ ሙኻኖም ተሓቢሩ።

እቲ ኣብዚ ቅንያት ብካቶሎካዊት በተክርስትያንን ቤት ትምህርቲ ዲያእን ጀሚሩ ዘሎ ተግባራት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኪቕጽል ሙኻኑ ተሓቢሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ታሪኹ ብሃይማኖታዊ ስኒትን ምክብባርን ኪነባብበር ዝጸንሐ ብሃይማኖት ዝተላዕሉ ግጭታት ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ህዝቢ ኢዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት  ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ተግባራት እዚ ብምውሳድ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ስምዕትን ጽልእን ቅርሕንትን ንምኡጋድ ይፍትን ምህላዉ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ንዝረአ ተቓውሞ ህዝቢ ንምድቋስን ንምብትታንን ገዚፍ ባጀት ሰሊዑ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ከናቑቱ ዝለኣኾም ኣዚዮም ብዙሓት መርበባት ከምዘለዉዎ ዝፍለጥ ኢዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጀሚሩ ዘሎ ሃይማኖታት ናይ ምብትታን ስራሕ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ፖለቲካዊ ሃይማኖት ዝኽተል ፖሊሲታቱ ኢዩ።

ንዝጸንሐ ኣሰራርሓ ምቕያር፡ ሓድሽ ሕግታትን ስርዓትን ምእታው ኣብ ዝኾነ ሃገር ዝስረሓሉ ንቡር ከይዲ ኢዩ፥ ይኹን ግን ዝኾነ መንግስቲ ዘተኣታትዎም ሓደስቲ ስርዓታት፡ ሕግታት፡ ንህዝቢ ዝጸንበረን ዘኽብርን፡ ርእይቶ ህዝቢ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ዝሰምዕ፡ ግዜ ዝህብ፡ ኣድላዩ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ዽምጺ ህዝቢ ብመንገዲ ረፈረንዱም ዝብምሃብ ዝውሰን ኪኸውን ይግባእ።

ሃይማኖታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ክህልዋ ይግባእ ዶ፡ እንተሊየን ከ ንተኸተልቲ ካልኦት ሃይማኖታት ክጽንብራ ይግባእ ዶ ከምኡ እንተኾይኑ በየናይ መስርሕ፡ ብልጫታቱን ድኻማቱን እንታይ ኢዩ፡ ወዘተ ምስ ህዝቢ ምምኻር ግዜ ወሲድካ፡ ንሰባት ዕላማታቱን ብልጫታቱን ኣረዲእካ ኪኸውን ይግባእ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ግን ልዝብን ምቅይያር ሓሳባትን ዝበሃል ዘይፈልጥ ኩሉ ዕለታዊ ህይወት ህዝቢ እንተላይ ትካላት ሃይማኖት ናብ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ቀይሩ ዘሎ ስለዝኾነ ዝወስዶም ስጉምታት ብወተሃደራዊ ትእዛዛትን ምእሳርን ዝተሰነዩ ኮይኖም ጸኒሖም ኣለዉ።

 

    Print       Email

You might also like...

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

Read More →