Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ሃይማኖታዊ መልክዕ ከትሕዞ ልሙድ ናይ ምብትታን ዘመትኡ ጀሚሩ

By   /  October 31, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ሃይማኖታዊ መልክዕ ከትሕዞ ልሙድ ናይ ምብትታን ዘመትኡ ጀሚሩ

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ሃይማኖታዊ መልክዕ ከትሕዞ ልሙድ ናይ ምብትታን ዘመትኡ ጀሚሩ ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ተላዒሉ ዘሎ ተቓውሞ ህዝባዊ ተቓውሞ ኢዩ፡ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ዓመጽን ፍትሕን ኢዩ፡ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ እቲ ንነዊሕ እዋን ክውህለል ዝጸንሐ ጽልኢ ኣብ መንጎ ገፋዒ ጉጅለን፡ ተወጺዑ ዘሎ ህዝብን ኢዩ። እቲ ሕቶ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ኢዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ተኣማንነቱ ንህዝቢ ኤርትራን ቅውማዊ ስርዓትን ፍትሕን እምበር፡ ንግፍዓዊ ስርዓት ምክልኻል ኪከውን ስለዘይግባእ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ዝወስዶ ስጉምቲ ዘሕትቶ ሙኻኑ ክፍለጥ ይግባእ።

እቶም ንለውጢ ኪመርሑ ዝግባእ ሓለፍቲን፡ ንናጽነት ኤርትራ ዝወደቑ ተጋደልቲን እውን ነዚ ኣብ መንጎ ዓመጽን ፍትሕን ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ግጭት ዝኣሊ ተበግሶ ክወስዶ ይግባእ።

ገለ ሰባትኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት  ‘ኣስላም ኣሕዋት ዘበገስዎ  ናዕቢ’ ወዘተ እንዳበሉ ዝጽሕፍዎ ጽሑፋት፡ ነቲ ህዝባዊ ናዕቢ ዝጎጃጅል፡ ከይተፈለጦ መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ኮይኑ ዘገልግሎ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ስለዝኾነ ከስተብህልሉ ዝሓሸ ይኸውን።ከምኡ ዝገብሩ ድሮ ብህግደፍ ዝተዋፈሩ ብርክት ዝበሉ ሃሱሳት ኣለዉ።

ነዚ ተርእዮ ዘንቀለ ሓደ ፍጻመ ኪህሉ ይኽእል ይኸውን፡ ይኹን ግን ውጽኢት ናይቲ እንዳተዋህለለ ኪመጽእ ዝጸንሐ ዓቐን ዘይብሉ ብደዐን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስዓቦ ኢዩ ብቐንዱ ኪረአ ከሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ እውን ብሰንኪ ህዝቢ ዝግበኦ ዘይምግባር ዘይስፋሕፈሐ ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዓዲ ሃሎ ዝተላዓዓሉ ኣባላት 29 ዙርያ ዝተወሰደ ናይ ጭፍለቓን ዓመጽን ስጉምታት  ነይሩ።እቲ ናይቶም ተመሃሮ ናዕቢ  ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተበገሰ ኢዩ።  እቲ ዝሓየለ መልክዑ ድማ  ኩሎም እዞም ምንቅስቓሳት ብመንእሰያት ዝብገሱን ዝውደዙን ዘለዉ ሙኻኖም ኢዩ።

ንምልኪ ንቡር ወሲዱ ደቁ እንዳተሓረዱን እንዳተሰዱን ናይ ወላዲ ትብዓትን ባህርን ዘየርኢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ተኾርሚኻ ዓመጽ ምቕባል ካልእ ዓመጽ ዝወልድ ሙኻኑ ኪግንዘብ እዋኑ ኢዩ።

    Print       Email

You might also like...

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

Read More →