Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሓድሽ ንቡር፡ ኣዚዩ ሓደገኛ ክስተት!!

By   /  October 11, 2017  /  Comments Off on ሓድሽ ንቡር፡ ኣዚዩ ሓደገኛ ክስተት!!

    Print       Email

ኣብ ቀረባ እዋን ንዕሉላት ምልካውያን ኣመልኪቱ ዝተገበረ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ፡ ንኹሎም እቶም ምልካውያን መራሕቲ ዝጠምር ባህርያት ክትንትን ፈቲኑ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ እዋናትን ጂኦግራፍያዊ ዝርገሐን ዝነበሩን ዘለዉን ምልካውያን እንታይ ናይ ሓባር ባህርያት ይውንኑ? ስለምንታይ እቲ ዝገብርዎ ይገብሩ? እቲ መጽናዕቲ ን18 ዓመታት ኣእምሮኦም፡ ስነኣእምሮኦምን፡ ኣእምሮኣዊ ቀውሶምን ኣጽኒዑ ዝበጽሖ መደምደምታ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ሕመረት ምልካዊ ባህርያቶም፡ ክቱር ህርፋን ሓይሊን ስልጣንን፡ ውርጹጽ ክእለት ሓሶትን ፈኸራን፡ዝተጋነነ ነብሰ ዕብየትን ባህጊ ሃበባን፡መወዳእታ ዘይብሉ ጭካነን ዘይሰብኣውነትን፡ብስቕያት ሰባት ዝድሰት ሳዲዝምን ዓመጽን ኢዩ።

ምልካውያን ራዕድን ፍርህን ዝለዓለ መለለይኦም ኢዩ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝኾነ እዋን ንምቕታሎም ዝነቐለ ኮይኑ ስለዝስመዖም፡ ካብ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝኾነ እዋን ይፈርሁ። ብዘንኪ እዚ ዘይምኽኑይ ፍርሂ ብዝነቅል ምጥርጣር፡ ንዝኾነ ሰብ እንተላይ ንቀረባ ኣዝማዶምን ብጾቶምን ዘይኣምን ተጠራጣሪን ምዩቕ ባሃሊን ባህርያት የማዕብሉ።

ምልካውያን፡ ነቲ ዝዕምጽዎን ዘሳቕይዎን ህዝቢ ኣመና ይፈርህዎ። ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ክቱር ጽልኣት ከምዘለዎ ስለዝፈልጡ፡ ነቲ ህዝቢ ጨፍሊቖም ዓሚጾም ክሕዝዎ ይህቅኑ።እቲ ኣብ ውሽጦም ዝነብር ክቱር ውሽጣዊ ራዕዲ፡ እታ ዝነኣሰት ቅሳነት እውን ስለዘይህቦም ንህዝቢ ንግሆ ንግሆ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ዘሳድድ ተግባራት ብምፍጻም ጂሆ ኪሕዝዎ ብውጥን ይሰርሑ።

ብመሰረት እቲ ናይ 18 ዓመታት መጽናዕቲ፡ ምልካውያን ዘለዎም ካልእ ናይ ሓባር ረቓሒ፡ ካሪዝማን ብልሕን ኢዩ። ንእከይን ዓመጽን ዝውዕል ኮይኑ ደኣምበር፡ በላሕቲ ኢዮም። በዚ ተውህቦ ኣእምሮ ኣቢሎም ድማ ወግሐ ጸብሐ ውዲትን እንክሔራን ክኣልሙ ይሓድሩ።

ቀዳመይቲ ወፍሪ ናይ ብልሖም ህዝቢ ምግምማዕ ኢዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ንኹሉ ሰብ ስለዝጥርጥሩ ኩሉ ሰብ ተዋሃሂዱ ኣንጻሮም ዝሰርሕ ዘሎ ኮይኑ ስለዝስመዖም ኢዩ። በቲ ባዕሎም ኣብ ኣእምሮኦም ዝፈጥርዎ ሃልወሳ ከበባ ስለዝሳቐዩ ድማ ብልሖም ተጠቒሞም ነቲ ዘይኣምንዎ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ከምዘይተኣማመን ክገብርዎ ይጽዕሩ።

ንህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ንኽናቖት ንዘለዎ ድኻማት ይምዝምዙ።ሃይማኖት፡ ዓሌት፡ ኣውራጃ፡ ተጋዳላይ ዋርሳይ፡ ናይ ወጻኢ ናይ ውሽጢ፡ ወዲ ማእከል ወዲ ወሰን ዝብሉ ጉጫት ፈጢሩ ድማ ህዝቢ ከምዝናቖት ይገብር። ሰባት ኣብ ቁሊሕ ምሊሕ ንኽነብሩ ቃርማታት የብዝሕ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤታት ከይተረፈ ኣንቆራ ብምግምማዕ ሃደን ሰላዩን እቲ ሓደንክአ ተሰላዩ ይገብሮም።

ብኻልእ ወገን ህዝቢ እፎይ ኢሉ ዕረፍቲ ከይረክብ እሞ ብዛዕባ ምእላይ ምልኪ ከይሓስብ፡ ወግሐ ጸብሐ ዘሻቕሎ ሽግራት ይፈጥር። ብጽምኣት ማይ፡ ብሪጋ ፊስቶን ጀሪካንን ክሓስብን መታን፡ ማይ ከምዝዕጾ ይገብር። ብሪጋ እኽልን ቀረብን ክጽመድ መታን ስፔዛ ከምዝሰኣን ኪኸውን ይእዝዝ።

ምልካውያን ኣእምሮኦም በሊሕ ስለዝኾነ ነቲ ህዝቢ ዘንበርኩኹሉ መንገዲ ንምፍላጥ ስነኣእምሮ ናይቲ ህዝቢ ኣጸቢቖም የጽንዕዎ። ካብቲ ሕማቕ እቲ ዝኸፍአ፡ ካብቲ ዝኸፍአ እቲ ዝበኣሰ ስቓይ ከምዝበጽሖ ብምግባር፡ ህዝቢ ካብ ስቓይ ኪገላገል ዘይኮነስ ነቲ ሕማቕ ስቓይ ከምዝናፍቕ፡ ስለዚ ድማ ህይወት ኣብ ትሕቲ ምልኪ ንቡር ከምዝወስዶ ጌሮም ኣእምሩኡ ይገዝእዎ።ብሓጺሩ ሕድሽ ንቡር ብምምስራሕ እቲ ንቡር ንቡር ከምዝጠፍእ ይገብሩ። ህዝቢ ድማ ነቲ ክልመድ ዘይግበኦ ሓድሽ ንቡር ርዒሙ ይነብረሎም።

ክኢላታት ስነኣእምሮ ከምዝሕብርዎ ኣብ ድሕሪ ቅርኒብ ዓይኒ ወዲሰብ ማለት ኣብ ዑምቀት ኒዮኮርተክስ ዘሎ ኣሚግድላ፡ ቀንዲ ቀለበት ናይቲ ፍልጠተ ባህረት ወዲ ሰብ ዝውስን ኢዩ። 2% ናይቶም ብኣእምሮኣዊ ቀውሲ ዝሳቐዩ ሰባት ካብዞም ብተፈጥሮ ፍልጠተ ባህረት ዝተዓደሉ ሰባት ኢዮም። ገለ ውሑዳት ካብኦም ድማ መለኽቲ መራሕቲ ይኾኑ።

እቶም ምልካውያን ነዚ ዝተጠቐሰ ሰባት ናይ ምፍላጥ ተውህቦኦም ተጠቒሞም፡ ንህዝቢ ብኣእምሩኡ ይጻወቱ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ዘሎ መራሒ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ባህርያቱን ተግባራቱን ኮነ ኢሉ ስለዘጽነዖ ብኣእምሩኡ ኢዩ ዝጻወት። ንህዝቢ ኤርትራ መጀመርያ እቲ ሕማቕ፡ ደሓር እቲ ዝኸፍአ፡ ደሓር እቲ ዝበኣሰ ኣርእዮ እሞ፡ ካብቲ ሕማቕ እቲ ዝኸፍአ ካብቲ ዝኸፍአ እቲ ዝበኣሰ ስቓይ ምህላዉ ፈሊጡ፡ ነቲ ዝሓመቐ ስቓይ እውን እፎይ ኢሉ ተቐቢሉ ክነብሮ ኢዩ ዝብል ገምጋም ኣለዎ።

ብሩህ መታን ኪኸውን በዚ ዝስዕብ ኣብነት ጌርና ክንገልጾ።

ከምዝዝከር፡ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት መጀመርያ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ገንዘቡ ከምዝህገር ጌሩ። እንተላይ ገዘ ገዛ ብምፍታሽ ህዝቢ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፍርናሹ ዝሓብኦ ከይተረፈ ብምህጋር ብዘይዝኾነ ገንዘብ ከምዝተርፍ ጌርዎ። ጸኒሑ ኩሉ እቲ ገንዘብ ኣብ ባንክታት ኣእትይዎ። ጸኒሑ ህዝቢ ካብ ገንዘቡ ኣብ ወርሒ 5000 ናቕፋ ጥራይ ከምዝወስድ ጌሩ። ጸኒሑ እቲ ዓቐን ናብ 10000 ከምዝድይብ ጌርዎ።

ሎሚ ህዝቢ ነቲ ናይ መጀመርያ ዝኸፍአ ስጉምታት፡ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ሕማቕ ስለዘወዳድሮ ተመስገን 10000 ጌሩልና ክብልን ነቲ ዘሎ ዘይንቡር ኩነት ከምንቡር ክወስድን ይረአ ኣሎ። እቲ ምልካዊ እውን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስነኣእምሮ ስለዝገምገሞን ኣበይ ከይበጽሕ ኢሉ ስለዝነዓቖን ነቲ ዝፈጠሮ ዘይንቡር ከም ንቡር ከምዝወሰድ ኣረጋጊጹ ኢዩ ዝፈልጥ።

ከም ግቡእ ህዝቢ ብመሰረቱኸ ገዛእ ገንዘበይ ስለምንታይ ይውሰድ፡ ብመሰረት ቅዋም ንብረት ይኹን ገንዘብ ናይ ምውናን መሰል ክህልወኒ ይግባእ፡ መንግስቲ ንብረተይን ውልቃዊ መስመረይን ክሓልፍ መሰል የብሉን፡ ኢሉ ከምዘይሓስብ ጌርዎ ኢዩ። ምኽንያቱ ብሰንኪ እቲ ዘየቋርጽ ዓመጽ፡ ህዝቢ ኣብ መንጎ ክልተ ጫፋት ናይ ሕማቕን ዝበኣሰን ኮይኑ፡ ንሕማቕ ከም ዝሓሸ ጫፍ ናይ ዝበኣሰ ቅቡል ጌሩ ክወስዶ ስነኣእሙራኣዊ ኩናት ተኻይዱሉ ኢዩ።

ካልኦት ኣብነታት ምስ እንርኢ ንኣብነት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ብናጽነት ምውጻእን ምእታውን ክልኩል ኢዩ። እዚ ዘይንቡር ኩነት ኢዩ። እዚ ሕጊ ኣብ ኢትዮጲያ ይኹን ጅቡቲ ኣብ በርማ ይኹን ክዩባ የለን።

ህዝቢ ኤርትራ ግን ስለምንታይ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነተይን ሓርነተይን ይግፈፍ ኢሉ ክንዲ ዝቃለስ፡ እንቋዕ ናይ ጣዕሳ ወረቐት መሊአ ክኣቱ ዝተፈቐደለይ ኢሉ፡ ነቲ ሕማቕ ከም ንቡር ክወስድ ይረአ ኣሎ። ኣብ ገዛእ ሃገረይ ብሓርነት ክወጽእን ክኣቱን ኢየ ተቓሊሰ ኣብክንዲ ዝብል፡ ተጋዳላይ እንቋዕ ካብ 55 ዓመት ንላዕሊ ንዝዕድመኦም ሰባት ተፈቕደ ኢሉ ነቲ ሕማቕ ዓመጽ ምስቲ ዝበኣሰ ዓመጽ ኣወዳዲሩ ከምንቡር ይወስዶ ኣሎ።እዚ ተርእዮ ዘሕዝን ግን ከኣ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ክዉን ኩነት ኢዩ

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምስዋር ካልእ ኣብነት ናይቲ ብኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝጻወት ሳዲስት ገምጋም ናይቲ ምልካዊ መራሒ ኢዩ። ህዝቢ ደቁ ይእሰርዎ፡ ብዘይ ዝኾነ ፍርዲን ደሃይን ይጠፍኡ። ገለ ሰባት ህይወቶም ይጠፍእ። ገለ ሰባት ድሕሪ ዓመታት መግቢ ክኣትዎም ይፍቀድ።

ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነቲ መግቢ ክኣትዎም ምፍቃድ ከም ንቡር ሕማቕ ተቐቢሉ ይነብር። እንቃዕ ደኣ መግቢ ክኣትዎ ጀመረ ብምባል ነቲ ብመሰረቱ ኪከውን ዘይነበሮ ምእሳርን ምስዋርን ከም ንቡር ህይወት ይወስዶ። እቲ መላኺ ሰባት ከምዝስወሩን ዝጠፍኡን ዝገብር ነቶም ህልዋት ተንበርኪኾምን ተገሪፎምን ምንባር ክለምድዎን ዝኸፍአ ከምዘሎ ፈሊጦም ነቲ ሕማቕ ከም ንቡር ክወስድዎን ኢዩ።ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዓመጽ ተገንዚቡ ኣንጻሩ ክንዲ ዝቃለስ ንዓመጽ ዝደንን መንገዲ ይኽተል ኣሎ።

ብሓቂ ድማ ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ መላኺ ተዓዊቱ ኢዩ እንተተባህለ ዝጋነን ኣይኮነን። ምኽንያቱ 400 ሰባት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከም ሓድሽ ንቡር፡ ገንዘቡ ኣብ ባንክ ተወሲዱ ከም ሓድሽ ንቡር፡ ሰባት 5 ወይ 6 ዓመት ተኣሲሮም ወጺኦም ከብቅዑ ኣብ ክንዲ ስለምንታይን በየናይ ሕጋዊነት ኢሉ ዝሓትት እንቋዕ ከምቶም ዘጥፍእዎም ኣየጥፉኡኻ ምባል ተለሚዱ ኣሎ።

ውሩይ ተቓላሳይ ስቲቪ ቤኮ ከምዝበሎ እቲ ዝሓየለ መሳርሒ መለኽቲ ድኹም ኣእምሮን መንፈስን ናይቶም ዝውጽዕዎም ህዝቢ እዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ተኣታትዩ ዘሎ ሓድሽ ዘይንቡር፡ ብዘይመወዳእታ እንተቐጺሉ፡ ጥፍኣት መላእ ህዝቢን ሃገርን ናይ ምእዋጅ ተኽእሎ ኣለዎ።

ከምኡ ከይከውን እቶም ንዋጋ ናጽነት ምስ ዘይመዛኑ ናጽነት ዝኾኑ እከያት ተግባራት ዘወዳድር ባህሊ ብኣግኡ ተሓኪኹ፡ ንናጽነት ምስ ሪሙን ሓርነቱን፤ ምስ ሰብኣዊ መሰላቱን ክብሩን ንምውድዳር ዝተበገሰ ሓያል መንፈስ ክበራበር የድሊ። እዚ መንፈስ ንኤርትራ ናብ መንግስተ ሰማያት’ኳ ኪቕይራ እንተዘይከኣለ፡ ብዉሑዱ ገሃነብ እሳት ካብ ሙኻን ከድሕና ሙዃኑ ኣየጠራጥርን።

 

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →