Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኩሎም ናይ ጣዕሳ ወረቐትን 2%ን ከፊሎም ዝመላለሱ ዝነበሩ ዜጋታት ክወሃቦም ዝጸንሐ ሓለፋታት ካብ 7 መስከረም 2017ጀሚሩ ከምዝተሰረዘ ተሓቢሩ። 

By   /  September 23, 2017  /  Comments Off on ኩሎም ናይ ጣዕሳ ወረቐትን 2%ን ከፊሎም ዝመላለሱ ዝነበሩ ዜጋታት ክወሃቦም ዝጸንሐ ሓለፋታት ካብ 7 መስከረም 2017ጀሚሩ ከምዝተሰረዘ ተሓቢሩ። 

    Print       Email
እዞም ኣርባዕተ እዋን ዝተመላለሱ ናይ ጣዕሳ ፎርም ዝመልኡ እንዳተባህሉ ንግዳዊ ትካላትን ካልእ ሓለፋታትን ክወሃቦም ዝጸንሐ ዜጋታት ብሙሉኦም ተለሊዮም ከምሰቦም ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ዝብል መምርሒ ናብ ምምሕዳራት ተመሓላሊፉ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት ድሮ እቲ ትግባረ ብዙሕ ሓላፍ ዘላፍ ሳዕቤናት ከምዘኸተለ ሓቢሮም። 
 
እዞም ብስግረ ዶብ ብሊብያን ሲናይን ሓሊፎም ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ካልእ ክፍለ ዓለማትን ዝኣተዉ ዜጋታት ንዝኸፍልዎ ገንዘብ ንምምጻው መንግስቲ ናይ ጣዕሳ መስርሕ ዝብል ኣገባብ ኣታተኣታትዩ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ግን ንምስሉይ ተግባራት ናይቶም ተመለስቲ  ከይፈተዎ ምጽንሑ ይሕብሩ። 
 
ኣብዚ እዋን እዚ  በዚ ናይ ጣዕሳ ፎርምን ኣርባዕተ ግዜ ምምልላስን ዝብል ኣገባብን ንሃገር ዝኣተዉ ዜጋታት ኣብ ክፍሊ ኢሚግረሽን ዘይንጹር መልስን ይወሃቦም ከምዘሎ ውሑዳት ድማ ንወጻኢ ምምላስ ተከልኪሎም ምህላዎም ተሓቢሩ። 
 
ኣብ ገለ ምምሕዳራት ነዚ ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒ ከከም ዝጥዕመን ብምትግባር ካብ ገለ ሰባት ብርክት ዝበለ ብላዕ ይሓታ ምህላወን እውን ተፈሊጡ። 
 
በዘይካ እዚ ዝኾነ ተጣይሱ ዝበሃል ሰብ ሒዝዎ ዘሎ ናይ መጣየሲ ካርድ ብዘየገድስ ናብ ኣሃድኡ ተመሊሱ መሰነይታ ደብዳበን መረጋገጺ ምጥያስን ከቕርብ ይሕተት ምህላዉ ተፈሊጡ። እዚ ሓድሽ ሕጊ እውን ኣብ ኣሰራርሓ ክፍሊ ኢሚግረሽን ዓቢ ሽግር ኣእትዩ ምህላዉ ተሓቢሩ። 
 
ክፍሊ ኢሚግረሽን ብሰንኪ እዚ ኣብ ሰሙን ሰሙን ዝቐያየር መምርሒታት ምስራሕ ስኢና ዝብል ጥርዓናት የስምዑ ምህላዎም ተፈሊጡ። እቲ ንክፍሊ ኢሚግረሽን ኣመልኪቱ ዝወጽእ ሕግታት ብዙሕ እዋን እቶም ነቲ ሕጊ ዘውጽኡ ሓለፍቲ ከከም እቲ ንነብሶምን ወገኖምን ዝምችእ ከምዘውጽእዎ ይፍለጥ። ንኣብነት  ካብ ሃገር ወጻኢ ክትከይድ ዝደለይዋ  ጓል 6 ዓመት ቆልዓ እንተላ እቲ ልዕሊ 5 ዓመት ቆልዓ ንወጻኢ ኪኸይድ ኣይፍቀድን ዝብል ሕጊ ናብ ልዕሊ 7 ዓመት ቆልዓ ንወጻኢ ኪከይድ ኣይፍቀድን ዝብል ከምዝቕይርዎ ይፍለጥ።
ኣብ ናይ ኢሚግረሽን መስርሕ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኮለነል ተስፋልደት፡ ኮለነል ወዲ ኣርባዕተ ብርክት ዝበለ ጉቦ ከምዝቕበሉን ፍሉይ ፍታሕ ብዝብል ምስምስ ብዙሓት ዝደልይዎም ሰባት ከምዘውጽኡን ይሕበር። ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ክሳብ 5 ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ ጉቦ ብዝተራቐቐ መንገዲን ቆጸራታትን ከምዝቕበል እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ብርክት ዝበሉ ሰባት ብዝተፈላለዩ ብልሓት ንደገ ይወጹሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ክሳብ መጀር ጀነራላት ዝርከብዎም ሓለፍቲ ንወጻኢ ከይገሹ ተኸልኪሎም ምህላዎም ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ተሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።እቲ መምርሒ ምእጋድ መገሻ ሓለፍቲ ዝሓዘ ፋይል ብመንገዲ  ኮለነል ተስፋልደት ናብ ኢሚግረሽን ከምዝተላእከ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →