Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓድታት ጋሽ ባርካ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ (Cholera) ኣትዩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።

By   /  September 10, 2017  /  Comments Off on ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓድታት ጋሽ ባርካ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ (Cholera) ኣትዩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።

    Print       Email

ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓድታት ጋሽ ባርካ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ (Cholera)ኣትዩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።

ሕማም ሸሮኽ ኣብ  ዓድታት መንሱራ፡ ጎልጅ፡ ሃይኮታ፡ ፡ታይኪናባ፡ ኣይኮታ ብሰፊሑ ኣትዩ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታት መድረኽ፡  ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ማእከላት ክሊኒካቱ ORS ስለዘይብሉ ንህዝቢ ክልተ ማንካ ሽኮር 4 ማንካ ጨው በጽቢጽኩም ስተዩ ይብሎም ምህላዉ ተሓቢሩ።

ምምሕዳር ጋሽ ባርካን ሚኒስትሪ ጥዕናን ብዛዕባ እቲ ተላባዒ ሕማም ከይተገደሱ ኣብ ዝና መንግስቲ ብምድሃብ ዝኾነ ትካል መንግስቲ ይኹን ኩሎም ኣካላት ምምሕዳር ንጉዳይ ሽሮኽ ብምስጢር ክሕዝዎ ጥቡቕ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።

ኣብ ሃይኮታ 40 ዝኾኑ ብሕማም ሸሮኽ ዝተጠቕዑ ዜጋታት፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ግዝያዊ ቴንዳ ኣእትዩ ኣርሒቑ ከዊልዎም ጸኒሑ ኣሎ። ይኹን ግን ትማሊ 8 መስከረም ኣብ ሃይኮታ ብርቱዕ ንፋስ መጺኡ ነቲ ሰንኮፍ ቴንዳታት ስለዝቦንቆሮ፡ እቶም ብሕማም ሽሮኽ ዝተጠቕዑ ዜጋታት ዛሕዛሕ ኢሎም ኣለዉ።

እቶም ዜጋታት መዕቆቢ ስኢኖም ናብ ቤቶም እንተተመሊሶም  እቲ ሕማም ሸሮኽ መሊሱ ኪላባዕ ሙኻኑ ክኢላታት ጥዕና ስግኣቶም ይገልጹ።

ካብ ወርቅን ነሓስን ዝተረኸበ ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ናብ ሕሳብ ውልቀሰባት እንዳኣተወ ህዝቢ ኤርትራ ሰኣን መሰረታዊ መድሃኒት ይሳቐ ምህላዉ ዘሕዝን ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ገሊጾም። ካብቲ ሕማም ንላዕሊ ዘሕዝን መንግስቲ ኤርትራ ስለ ‘ኽብረቱ’ ክብል እቲ ለበዳ ብምስጢር ክተሓዝ ምውሳኑ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

 

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →